ሮይተርስ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ማእሰርቲ ጋዜጠኝኡ ተቓዊሙ

ጋዜጠኛ በዓል ሞያ ካሜራ ትካል ወኪል ዜና፡ ሮይተርስ፡ ኩመራ ገመቹ፣ ኣብ ኣዲስ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ብፖሊስ ተወሲዱ ከምዝተኣስረ በዓልቲ ቤቱ ንቢቢሲ ኣረጋጊጻ።

ሃዊ ደሳለኝ፡ ከምዝበለቶ፡ በዓል ገዝኣ ጋዜጠኛ ኩመራ ገመቹ: ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ብዕለት 15 ታሕሳስ 2013 ዓ/ም እንትኸውን፡ ምኽንያት መእሰሪኡ ኣይተገለጸን።

ኩመራ ዝሰርሐሉ ትካል ወኪል ዜና፡ ሮይተርስ ድማ፡ እቲ ጋዜጠኛ ብምንታይ ምኽንያት ከምዝተኣሰረ ሓቲቱ ዛጊድ ምላሽ ከምዘይረኸበ ገሊጹ።

ሮይተርስ ንኣባላት ስድራኡ ጠቒሱ ከምዝጸብጸቦ ግና፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ጋዜጠኛ ዛጊድ ክሲ ኣይተመስረተን።

ቢቢሲ፡ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ብዛዕባ እቲ ጋዜጠኛ ዝተኣሰረሉ ምኽንያት ንምፍላጥ ሓቲቱ፡ ጉዳዩ ኣብ ምጽራይ ከም ዝርከብ ብምግላጽ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣይሃበን።

ኩመራ ገመቹ ንሮይተርስ፡ ከም ካሜራ በዓል ሞያ ኮይኑ ንነዊሕ ግዜ ዘገለግለ ጋዜጠኛ እዩ።

ኩመራ፡ ዓርቢ 16 ታሕሳስ 2013 ዓ/ ም ቤት ፍርዲ ዝቐረበ እንትኸውን፡ ፖሊስ ተወሳኺ ናይ 14 መዓልታት ናይ ምርመራ እዋን ሓቲቱ ከምዝተፈቕደሉ ምፍላጥ ተኻኢሉ።

ሮይተርስ እንታይ ኢሉ?

ሰኑይ 19 ታሕሳስ 2013 ዓ/ም፡ ማእሰርቲ እቲ ጋዜጠኛ ኣመልኪቱ ዝወጽአ መግለጺ ሮይተርስ፡ የዘራርብ ዘሎ።

ኩመራ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ፡ መጀመርታ በዕለት 7 ታሕሳስ፡ ክልተ ፖሊስ ምስ ወቕዕዎ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።

ላዕለዋይ ኣሰናዳኢ'ቲ ትካል ሚድያ ሮይተርስ፡ ስቴፈን ጄ ኣድለር፡ "ኩመራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ፍትሓዊ፣ ዘይሻራውን ናጻን ዝኾነ ጸብጻብ ክሰርሕ ዝጸንሐ፡ ኣባል ጋንታ ወኪል ሮይተርስ እዩ። ኩመራ፡ ስርሑ ንዝኾነ ዘየዳሉን፥ ዘየሻራውን ምዃኑ እዩ ዘርኢ። ንምእሳር ዘብቅዕ ምኽንያት ከምዘየለ'ውን ተገንዚብና ኣለ"ኢሉ ።

ኣድለር ወሲኸዑ ድማ፡ "ጋዜጠኛታት ካብ ዝኾነ ፍርሓትን መጥቃዕትን ነጻ ኾይኖም ስረሖም ከሳልጡ ኣለዎም። ኩመራ ክሳብ ነጻ ዝወጽእ ሱቕ ኣይንብልን" ኢሉ።

ኩነታት ማእሰርቲ ኩመራ

በዓልቲ ገዝኡ ንኩመራ፡ ሃዊ፡ ንቢቢሲ ከምዝበለቶ፡ ነቲ ጋዜጠኛ 10 ፖሊስ ኮይኖም እዮም ኣብ ቀይዲ ኣእትዮምዎ።

ኣቦ ሰለስተ ቖልዑ ንዝኾነ ኩመራ፡ ኣብ ቅድሚ ደቁ ኢዱ ንድሕሪት ገይሮም ከምዝኣሰርዎ ውን ተዛሪባ።

ካብቲ ዕለት ጀሚሩ፡ እቶም ደቁ ድቃስ ከምዝሓረሞም'ውን ተዛሪባ።

ስድራ ኣባላቱ ከምዝዛረብዎ እንተኾይኑ፡ ፖሊስ ቴሌፎን፣ ኮምፒውተርን ፍላሽ ድራይቭን ከምኡ'ውን ወረቐታት ወሲዱ ኣሎ።

ቢቢሲ፡ ኩመራ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኣብ ሜክሲኮ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ፌዴራል ፖሊስ ኣብ ሓደ ዝሑል ክፍሊ ንበይኑ ከምዝኣሰሮ ዘረጋገጸ ኮይኑ፡ ምስ ካልኦት እሱራት ከይሕወስ ከምዝተኸልከለ'ውን ምፍላጥ ተኻኢሉ።

----

መንግስቲ ኢትዮጵያ ፡ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተኸስተ ጎንጺ ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ልዕሊ ሚድያታት ወጻኢ ዝተፈላለየ ጽዕንቶ ክፈጥር ከምዝጸንሐ ሮይተርስ ኣዘኻኺሩ።

ሮይተርስ፡ ኩመራ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጎንጺ ምጽብጻቡ ገሊጹ፡ ብዚ ምኽንያት ከምዝተኣስረ ንምፍላጥ ንላዕለዎት ሰብ ስልጣን ኡትዯጵያ ሓቲቱ ምላሽ ኣይረኸበን።

በዓልመዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያ፡ 14 ሕዳር 2013 ዓ/ም ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ንሮይተርስ ሓዊሱ ካልኦት ዓለም ለኸ ሚድያታት ሕሶትን ሚዛናዊ ዘይኮነን ጸብጻባት ብምቕራብ ከሲሱ ነይሩ።

ሮይተርስ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ዝሰርሖ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ዝቐረበሉ ክሲ፡ ብዝምልከት ተቓውሞ ኣስሚዑ እዩ።

ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝጣበቕ ሲፒጀይ ብወገኑ፡ ማእሰርቲ ኩመራ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ጥሕሰት ናጽናት ፕሬስ መርአያ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።

እቲ ትካል፡ 22 ሕዳር 2013 ዓ.ም ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛታት ብዝሰርሕዎ ዜና ምኽንያት ምእሳሮም ሓቢሩ ነይሩ እዩ።

ካብ መንጎኦም፡ እቶም ሓሙሽተ ዝተኣስሩ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም ኣብ መንጎ ፌዴራል መንግስትን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ጎንጺ ምስተልዓለ እዩ።