እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣል-ቃዒዳ፡ ኣብ ማሊ 2 ወተሃደራት ፈረንሳ ንዝተቐትልሉ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ
ኣብ ማሊ ዝርከብ ክንፊ ኣል-ቃዒዳ ነቲ ብቐዳም ዝተፈጸመን ክልተ ወተሃደራት ፈረንሳ ዝቐተለን መጥቃዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ።
ጀምዓት ኑስራት ኣል-ኢስላም ዋል-ሙስሊም ዝተበሃለ ኣብ ማሊ ዝርከብ ክንፊ ኣል-ቃዒዳ'ዩ ነቲ ኣብ ምብራቓዊ ሜናካ ዝተፈጸመን ክልተ ወተሃደራት ፈረንሳይ ዝቐተለን መጥቃዕቲ ሓላፍነት ከምዝወስድ ኣፍሊጡ ዘሎ።
እቲ ጉጅለ ነቲ ሓላፍነት ምውሳዱ ዝተፈለጠ ደገፍቱ ብማሕበራዊ መራኸቢ ቴሌግራም ካብ ዝዘርግሕዎ መልእኽቲ እዩ።
በቲ ኣብታ ሃገር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባ ክልተ ኣብ ወተሃደራዊት መኪና ዝነበሩ ወተሃደራት ፈረንሳይ ከምዝተቐተሉ ይግለጽ።
መንግስቲ ፈረንሳ ከምዝሓበሮ፡ ክልቲኦም ወተሃደራት ኣብ ግዝኣት ሜናካ ሓበሬታ የተኣኻኽቡ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን’ዮም ግዳይ’ቲ መጥቃዕቲ ኮይኖም።
እቲ ክስተት ድማ ካልኦት ሰለስተ ወተሃደራት ፈረንሳይ ብተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ካብ ዝቕተሉ ብናይ መዓልታት ኣፈላላይ ዘጋጠመ እዩ።
ፈረንሳይ ኣብ ዞባ ሳሕል 5,100 ወተሃደራት ዘለውዋ ኮይኖም ንዓሰርተ ዓመታት ዝኣክል ኣንጻር እስላማዊ ዕጡቓት ኣብ ዝካየድ ውግእ ተሳትፎ ከምዝገብሩ ይፍለጥ።