ንጸሊም ኣመሪካዊ ብጥይት ዝወቐዐ ፖሊስ ኣይክኽሰስን ተባሂሉ

ኣብ ግዝኣት ዊስከንሲን ከተማ ከኖሻ፡ ኣብ ልዕሊ ጸሊም ኣሜሪካዊ ያቆብ ብሌክ፡ ዝተፈጸመ መስካሕኽሒ መጥቃዕቲ: ኣብታ ሃገር ከቢድ ሰልፍታት ተቐቓውሞ ክውላዕ ምኽንያት ዝኾነ እንትኸውን ዛጊድ በቲ ቕትለት ዝተኸሰ ፖሊስ ከምዘየለ ተሓቢሩ።

ሚስተር ብሌክ ናብታ ሰለስተ ደቁ ተቐሚጦምላ ዝነበሩ መኪንኡ እንትኣቱ፡ ብተደጋጋሚ ብጥይት ኣብ ሕቕኡ ምስተሃርመ፡ ካብ ማዕጥቖ ንታሕቲ ፓራላይዝድ ኮይኑ እዩ ተሪፉ።

እዚ ጸሊም ኣመሪካዊ፡ ሩስተን ሼስኪ ብዝተብሃለ ጻዕዳ ፖሊስ ኣብ 23 ነሓሰ እዩ እቲ መጥቃጢ በጺሕዎ።

ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ዓሌታዊ መጥቃዕትታት ጠጠው ንክብል ዝጠልበ፡ ሰልፍታት ተቓውሞ ተወሊዑ ምንባሩ ይዝከር።

ድሕሪ ሒደት መዓልታት፡ ድማ ኣብ ተመሳሰሊ ከባቢ፡ ኬኖሻ፡ ክልተ ሰባት እንትቕተሉ ሓደ ድማ ቆሲሉ ብህይወት ተሪፉ።

ሕዚ ወዲ 18 ዝኾኖ ኪይል ሪትነሃወስ፡ ትማሊ ሰሉስ ሽድሽተ ክስታት ዝቐረብዎ ኾይኖም፡ ምስ ናይ ሕጊ ጠበቕኡ ኮይኑ ከም ዘይወዓሎ ገሊጹ።

ንሱ፡ ንመጥቃዕቲ ያቆብ ብሌክ ስዒቡ ካብ ሕሉፍ የማናውያን ሚሊሻታት ብዝቐረበሉ ጻውዒት ናብታ ከተማ ዕጥቂ ሒዞም ካብ ዝወጽኡ ሲቪሊያን ሓደ እዩ።

ፖሊስ ስለምንታይ እዩ ዘይተኸሰ?

ዓቃቢ ሕጊ ኬኖሻ ሚካኤል ግሬቭሊ፡ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ሼስኪ ናይ ገበን ክሲ ከምዘይቀርበሉ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ ፍጻመ ብሓለፍቲ መገዲ ብተንቀሳቓሲ ምስሊ ተቐዲሑ ተታሒዙ እዩ።

እቲ ዓቃቢ ሕጊ ግን፡ እቶም ፖሊስ ክትኩሱ ዝተገዱ ንዓርሶም ንምክልኻል ንዘይምዃኑ ክረጋገጽ ኣለዎ ኢሉ።

"ከምዝመስለኒ መንግስቲ'ውን፡ ንነብስኻ ምክልኻል ኣይከኣልን ኢሉ - ዘረጋግጽ ኣይመስለን" ከምዝበለ ኣሶሼትድ ፕሬስ ጠቒሱ።

ነቲ ውሳነ ዕላዊ ቅድሚ ምግባሩ ድማ፡ እቲ ውሳነ ነቲ ግዳይ ዝኾነ ሚስተር ብሌክ ከምዘረደኦ ተዛሪቡ።

ኣብቲ እዋን፡ ምስተር ብሌክ ኣብ ኢዱ ካራ ሒዙ ከምዝነበረን፡ እቲ ፖሊስ ቅድሚ ምትኳሱ ካራኻ ኣቕምጦ ክብል ደጋጊሙ ከምዘጠንቀቖ ሕብረት ፖሊስ ኬኖሻ ኣፍሊጡ።

እቲ ጠበቓ ወሲኹ፡ እቲ ፖሊስ ንክትኩስ ዝተገደደ፡ ሚስተር ብሌክ ካራ ሒዙ ናብኡ ዘወር ክብል ምስረአየ እዩ ዝብል።

መርመርቲ እታ ግዝኣት ግን፡ ኣብ ውሽጢ እታ መኪና ካራ ወዲቑ'ኳ እንተረኸቡ፡ ምስተር ብሌክ ንዕኡ ተጠቒሙ ንዝኾነ ሰብ ከፈራርሕ ከምዝተርአየ ኣይሓበሩን።

እቲ ፖሊስ ኣብቲ እዋን መቕረጺ ካሜራ ኣይተዓጠቐን ነይሩ።

እቲ ነቲ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ዝቐረጸ ምስክር ዓይኒ፡ ንሲኤንኤን ከምዝበሎ፡ ቀረጻ ቅድሚ ምጅማሩ እቲ ፖሊስ ንሚስተር ብሌክ ይደፍኦ፣ ይሃርሞን መንብዒ ጋዝ ይትኩሰሉን ነይሩ።

ኣብቲ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ከምዝረአ፡ ሚስተር ብሌክ ኣብቲ ከባቢ ክንቀሳቐስ ይረአ'ሞ ክልተ ተባዕትዮ ጸዓዱ ፖሊስ ድማ ኣብ ጥቕኡ ኣለዉ።

ብሌክ መኪንኡ ከፊቱ እንትኣቱ፡ ሓደ ፖሊስ ብኳሌትኡ ሒዙ ይትኩስ።

ሸውዓተ ድምጽታት ተኩሲ ይስማዕ።

እቲ ምስክር ዓይኒ፡ እቶም ፖሊስ እቲ ካራ ኣቕምጦ ኢሎም ዓው ክብሉ ሰሚዑ ግን፡ እንተኾነ ሚስተር ብሌክ ኣብ ኢዱ ካራ ሒዙ ኣይረአን።