ቻይና፡ ሸውዓተ ሰባት ብኻራ ተቐቲሎም

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ቻይና እትርከበ ዞባ ልኦኒንግ፡ ሓደ ሰብ ብውሕዱ ሸውዓተ ሰባት ከምዝቐተለ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን።
ካልኦት ሸውዓተ ሰባት'ውን ብኻራ ተወጊኦም ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሎም ከምዘሎ ተገሊጹ።
ዋላ እኳ እቲ ውልቀሰብ ንምንታይ ነቲ መጥቓዕቲ ከምዝፈጸሞ እንተዘይተገለጸ፡ መንግስታዊት ማዕከን ዜና ሽንህዋ ግን፡ እቲ ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈጸመ ውልቀ ሰብ፡ ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘእተውዎ ኣቓሊሓ።
ናይ ዓይኒ መሰኻኸር፡ እቲ ውልቀሰብ ንዝረኸቦ ሰብ ብኻራ ክወግእ ከምዝረኣዩ ገሊጾም።
ኣብ ቻይና ከበድቲ ናይ ቅትለት ገበናት ምርኣይ ዘይንቡር እኳ እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ግን ኣብታ ሃገር ብካራ ዝፍጸሙ ገበናት ክውስኹ ይርኣዩ ኣለዉ።
እቲ ብኻራ ዝፍጸም መጥቓዕታት እቲ ዝበዝሐ ናይ ኣእምሮ ጸገማት ብዘለዎም ሰባት'ዩ ክፍጸም ዝርአ። ገለ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ሓለፍቶም ዝነበሩን ብውልቂ በዲሎሙና ዝብልዎምን ሕነ ንምፍዳይ ኢሎም ዝፍጽምዎ'ዩ።
እቲ ነቲ መጥቓዕቲ ፈጺምዎ ዝተብሃለ ጥርጡር፡ ብኣቆጻጽራ እቲ ከባቢ፡ ድሕሪ ሰዓት ሸሞንተ ናይ ንግሆ ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣብ ቅድሚኡ ንዝጸንሕዎ ሰባት ብኻራ ክወግእ ከምዝጀመረ ጋዜጣ ሞርኒንግ ፖስት ሓቢራ።
ሓደ ፖሊስ፡ ነቲ ብኻራ ሰብ ዘጥቅዕ ዝነበረ ሰብ ደው ከብሎ ኣብ ዝፈተነሉ ብኻራ ከምዝተውግአ'ውን ፖሊስ ሓቢሩ።
ክሳብ ሕጂ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ናይቶም ብካራ ተቐቲሎም ዝተብሃሉ ሸውዓተ ሰባት ኣይተውሃበን ዘሎ።
ሓንቲ ናይ ዓይኒ ምስክር ንጋዜጣ ሞርኒግ ፖስት ከምዝሓበረቶ፡ እቲ መጥቓዕቲ ኣብ ኣፍደገ ሓደ ቤት ትምህርቲ ከምዝተጸመን ዝብዝሑ ካብቶም ብኻራ ዝተሃረሙ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከቡን ኣርጋውያን ደቂ ኣንስትዮን ምዃኖም ገሊጻ።
እታ ሉ ዝተብሃለት ናይ ዓይኒ ምስክር "ኣብቲ መዓልቲ ኣብያተ ትምህርቲ ዕጹው ምንባሩ ሓደ ዕድል'ዩ፡ ዕጽው እንተዘይነብር ነይሩ ብዝሒ ግዳያት ብዕጽፍታተ ምዛየደ" ኢላ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







