ኣሰር ኣጻብዕቲ ዘይብላ ስድራ ቤት

ወዲ 22 ዓመት ኣፑ ሳርከር፡ ኣብ ግዝኣት ናቶሬ ባንግላዴሽ ምስ ስድርኡ ይነብር። ኣፑን ስድራቤቱን ካብ መብዛሕትና ዝፍለዩሉ ነገር ኣለዎም። ኣሰር ኣጻብዕቲ የብሎምን።

ደቂ ሰባት፡ ሓደ ካብቲ ካልእ ዝፍለዩሉ ኣሰር ኣጻብዕቲ ኣብ እንዳ ኣፑ ኣይፍለጥን።

ኣፑ ክሳብ ቀረባ እዋን ከም ተሓጋጋዚ በዓል ሞያ ጥዕና ይሰርሕ ነይሩ። ኣብኡን ኣቦሓጉኡን ሓረስቶት እዮም።

ኣብቲ ስድራ ዘለው ኣወዳት ኣሰር ኣጻብዕቲ ዘጥፍእ፡ ሳሕቲ ዘጋጥም፡ ጀነቲካዊ ልውጠት ኣለዎም። እዚ ኣብ ዓለም ኣብ ውሑዳት ስድራ ከም ዘጋጥም እዩ ዝግለጽ።

ኣባሓጎ ኣፑ ብዘይ ኣሰር ኣጻብዕቲ ምውላዶም ብዙሕ ይገርሞም ኣይነበረን።

መዓልታዊ ህይወቶም ኣብ ምምራሕ ኣየጸገሞምን። ኣብዚ ዘበን ግና ነገራት ተቐያዪሮም እዮም።

ኣሰር ኣጻብዕቲ ወረቐት መንነት ንምውጻእን ንካልእን ኣገዳሲ እዩ።

ንነበርቲ ሓደ ማሕበረሰብ ብምምሕዳራዊ ስርዓት ንምምዝጋብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ካብ ዝኾኑ ውልቃዊ ሓበሬታታት ሓደ ኣሰር ኣጻብዕቲ እዩ።

ኣብ ዙርያ ዓለም ብብዝሒ ካብ ዝተትሓዙ ውልቃዊ ሓበሬታታት፡ ኣሰር ኣጻብዕቲ፡ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ።

ኣሰር ኣጻብዕቲ፡ ኣብ ምርጫ ንምስታፍ፡ ብነፋሪት ንምግያሽ ሞባይል ቴለፎን ንምኽፋትን ካልእን የገልግል።

“ኣሰር ኣጻብዕቲ ስለዘይብለይ ፍቓድ መምርሒ መኪና ክረክብ ኣይከኣልኩን”

ኣብ 2008 ብንግላዴሽ ሃገራዊ ስርዓት ናይ ወረቐት መንነት ዘርጊሓ። ነቲ ወረቐት ንምሓዝ ኣሰር ኣጻብዕቲ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ።

ሰራሕተኛታት ምምሕዳር፡ ኣሰር ኣጻብዕቲ ኣቦ ኣፑ፡ ኣማል ምስ ሰኣኑ ተገሪሞም።

ኣማራጺ ስለ ዘይነበሮም ኣብቲ ወረቐት መንነት፡ ‘ኣሰር ኣጻብዕቲ ዘይብሉ’ ኢሎም ጽሒፎም።

ኣብ 2010 ድማ ፓስፖርትን ፍቓድ መምርሒ መኪናን ንምውጻእ ኣሰር ኣጻብዕቲ ኣድላዪ ምዃኑ ዝገለጽ መምርሒ ወጽዩ።

ኣማል ካብ ሰብ ሞይ ጥዕና ዝተውሃቦ ኣሰር ኣጻብዕቲ ከም ዘይብሉ ዝገልጽ ሰነድ ሒዙ ፍቓድ መምርሒ መኪና ከውጽእ ከይዱ። ድሕሪ ብዙሕ ምምልላስ “ክፍሊት ፈጺመ፡ ተፈቲነ እኳ እንተሓለፍኩ ኣሰር ኣጻብዕቲ ስለዘይብለይ ፍቓድ መምርሒ መኪና ክረክብ ኣይከኣልኩን” ኢሉ።

በዚ ድማ ሞተር ብሽክለታ ይዝውር ኣሎ። መኪና ክዝውር ከሎ፡ ነቲ ክፍሊት ዝፈጸመሉ ሰነዳት ሒዙ እዩ።

ትራፊክ ደው ከብሎ እንከሎ ኩነታቱ ከረድእ እኳ እንተፈተነ፤ ሒደት ፖሊስ እዮም ዝርድእዎ። ብገንዘብ ዝተቐጽዓሉ እዋናት’ውን ኣሎ።

“ኩነታተይ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ምርዳእ ኣዝዩ እዩ ዝስልችወኒ”

ኣብ 2016 ኣብ ባንግላዴሽ ናይ ሞባይል ቴለፎን ሲምካርድ ንምውጻእ ኣሰር ኣጻብዕቲ ኣገዳሲ ኮነ።

እዚ ንኣፑ መሰናኽል እዩ ነይሩ። ኣሰር ኣጻብዕቲ ኣብ ዝወሃበሉ መተግበሪ ኣጻብዕተይ እኳ እንተኣቐመጥኩ ዝኾነ ነገር ከንብብ ኣይከኣለን” ብምባል ይዝክር ኣፑ።

ንሱን ካልኦት ደቂ ተባዕትዮ ኣባላት ስድራቤቱን ኣሰር ኣጻብዕቲ ስለዘይብሎም ሲም ካርድ ከውጽኡ ኣይከኣሉን። ስለዚ ናይ ኩሎም ሲም ካርድ ብናይ ኣዲኦም ስም እዩ ተመዝጊቡ።

ከምኣታቶም ኣሰር ኣጻብዕቲ ዘይብሎም ሰባት ብእንግሊዝኛ Adermatoglyphia ዝበሃል ጀነቲካዊ ስርርዕ ኣለዎም።

ነዚ ጸገም ዘስተውዓለ ስዊዛዊ ሓኪም ናይ ቆርበት ፕሮፌሰር ፒተር ሊቲን እዩ። ሓንቲ መንእሰይ ናብ ኣሜሪካ ክትኣቱ ከም ዘይከኣለት ምስ ሓበረቶ እዩ ነቲ ምርመራ ጀሚርዎ።

ንሳን ሸሞንተ ኣባላት ስድራቤታን ኣሰር ኣጻብዕቲ የብሎምን።

ኣጻብዕታ ልሙጽ ኮይኑ፤ ኣብ ኣእዳዋ ዘሎ ረሃጽ ዘመንጩ ህዋሳት’ውን ሒደት እዩ። ፕሮፌሰር ፒተር ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፤ ዛጊት ኣሰር ኣጻብዕቲ ዘይብሎም ተባሂሎም ዝተመዝገቡ ስድራቤታት ኣዝዮም ሒደት እዮም።

ኣሰር ኣጻብዕቲ ዘይብሎም ሰባት ካልእ ምስኡ ዝተኣሳሰር ሕማም ከም ዘይብሎም የረድእ።

እቲ ፕሮፌሰር ነዚ ናይ ቆርበት ኩነታት “ጉዕዞ ዘሰናኽል ሕማም” ክብል ይጽውዖ።

እቲ ሕማም ኣብ ሓደ ስድራቤት ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ክሰጋገር ይኽእል።

ኣቦ ኣፑ ኣብ ዘበኑ፡ ኣሰር ኣጻብዕቲ ዘይምህላው ብዙሕ ጸገም ከም ዘይነበሮ ብምዝካር ንወዱ ዘለዎ ስግኣት ይገልጽ።

ነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስ ምስ ኣሰር ኣጻብዕቲ እናተኣሳሰረ ይመጽእ ብምህላው ኣብዚ ዘበን ናይ ወዱ መጻኢ ከመይ ከም ዝኸውን ኣጨኒቕዎ ኣሎ።

ኣማልን ኣፑን ናይ ሕክምና ሰነድ ኣርእዮም ፍሉይ ሃገራዊ ወረቐት መንነት ተዋሂብዎም ኣሎ። እቲ ወረቐት መንነት ኣብ ክንዲ ኣሰር ኣጻብዕቲ ገጽ ዘንብብ እዩ።

“ነዚ ኩነታተይ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ምርዳእ ኣዝዩ እዩ ዝስልችወኒ። ካልእ ኣማራጺ እንተዘይረኺበ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤትፍርዲ ክወስዶ እየ” ይብል ኣፑ።

ብትእዛዝ ቤትፍርዲ ፓስፖርት ኣውጺኡ ካብ ባንግላዴሽ ወጻኢ ዝገሸሉ እዋን ይናፍቕ ኣሎ።