‘ምዝገባ ህወሓት ከምብሓድሽ ክረአ እዩ’ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ

ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ እቲ ኣብ’ዚ ዓመት ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዘሎ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ምዝገባ ፖለቲካዊ ውድባት ከምብሓድሽ ክግምገም ምዃኑን፡ ጉዳይ ህወሓት’ውን ኣብኡ ክረአ ምዃኑን ገሊጹ።
ሓላፊት ህዝባዊ ርክባት ናይ’ቲ ቦርድ ሶልያና ሽመልስ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕተት “ናይ ነፍሲ ወከፍ ውድብ ምዝገባ ከምብሓድሽ ተራእዩ ክጸድቕ እዩ። ተመዝጊቦም ዘለዉ ውድባት ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት እዮም ዘለዉ? ዝብል ይረኣይ ስለዘሎ ናይ ህወሓት ጉዳይ’ውን በዚ መንጽር ክረኣይ እዩ” ኢላ።
እንተኾነ፡ ኣብ ጉዳይ ህወሓት ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ዛጊድ ኣብ ውሳነ ኣይበጽሐን ኢላ።
“ህወሓት ኣብ ናዕቢ ወፊሩ ምህላዉ ብወግዒ ክግለጽ ንሰምዕ ኢና። ኣብ ኣዋጅ ፖለቲካዊ ውድባት ድማ፡ ብሕጋዊ መገዲ ዝተመዝገበ ውድብ ኣብ ከም’ዚ ዓይነት ናዕቢ ክሳተፍ የብሉን ዝብል ነገራት ከምዘሎ ንፈልጥ ኢና። ምዝገባ ውድባት ከምብሓድሽ ይረኣይ ስለዘሎ፡ ናይ ህወሓት ጉዳይ’ውን ክረኣይ እዩ” ክትብል ተዛሪባ።
ድሕሪ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኵናት፡ መንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያ ንመራሕቲ ህወሓት ይሃድኖም ምህላዉ እዩ ዝገልጽ።
ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ኣብ’ዚ ዓመት፡ ኣብ መወዳእታ ጉንበት ወይ’ውን መፈለምታ ሰነ መረጻ ከካይድ መደብ ከምዘለዎ ይገልጽ።
ኣብ’ዚ መረጻ ድማ፡ ኣስታት 50 ሚልዮን መረጽቲ ክሳተፉሉ እዮም ዝብል ትጽቢት ኣለዎ እቲ ቦርድ።
ቅድም ክብል፡ እቲ ቦርድ ሰነዳት ንዘየማልኡ 27 ፖለቲካዊ ውድባት ከምዝሰረዘ ዝዝከር እዩ።

ምንጪ ስእሊ, NEBE
ሕቶ ፖለቲካዊ ውድባት
ሶልያና ከምእትብሎ፡ ምስ’ዚ መረጻ ብዝተኣሳሰር፡ ፖለቲካዊ ውድባት ብቐንዱ ዘቕርብዎ ሕቶ፡ ምስ ውሕስነት ኣባላቶም ዝዛመድ እዩ።
“ኩሎም ውድባት ፖለቲካ እቲ መረጻ ክካየድ ኣለዎ እዮም ዝብሉ። ቅድሚ እቲ መረጻ ከም ስግኣት ዘቕርብዎ ክልተ ነገራት ኣሎ። እቲ ሓደ ጸገም ጸጥታ ናይ’ታ ሃገር እዩ። ገለ ውድባት ፖለቲካ ድማ ቤት ጽሕፈቶም ከምዝተዓጸዎምን ኣባላቶም ጸገም ይበጽሖም ምህላዉን ተዛሪቦም እዮም” ኢላ።
ኣብ ቀረባ እዋን፡ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ) ከምኡ’ውን ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ (ኦፌኮ) ኣባላቶም ከምዝተኣሰሩዎምን ቤት ጽሕፈታቶም ከምዝተዘምቱን ብምግላጽ ኣብ መረጻ ምስታፍ ኣጸጋሚ ምዃኑ ከምዝገለጹ ዝዝከር እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







