ሕቡራት ሃገራት፡ ንወሳኒት ከተማ ማእከላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃ ደጊሙ ተቖጻጺሩ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ማእከላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃ ወፊሩ ዝርከብ ሰራዊት ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ብሰሉስ ንወሳኒት ከተማ ባምባሪ ደጊሙ ከም ዝተቖጻጸረ ገሊጹ።
ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራትን ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገርን ነቶም ዕጡቓት ናብቲ ጫካታት ከም ዝደፍእዎም ሓደ ኣፈኛ ተዛሪቡ።
ካብቲ ውግእ ዝሃደሙ ሲቪል ክምለሱ ጀሚሮም ምህላዎም'ውን ገሊጹ።
ማእከላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃ ንሰንበት ምርጫ ክተካይድ ኣብ ምድላው እያ ዘላ።
ፕረዚደንት ነበር ፍራንስዋ ቦዚዝ ዕልዋ መንግስቲ ንምግባር ምስቶም ዕጡቓት ስምምዕ ከም ዝፈጸመ መንግስቲ ይኸስስ።
እቲ ፕረዚደንተ ነበር ግና ነቲ ክሲ ይነጽጎ።
እቶም ዕጡቓት ናብ ርእሰ ከተማ ባንጉይ ክደፍኡ ምስ ፈተኑ፡ ሩስያን ርዋንዳን ነቲ መንግስቲ ንምሕጋዝ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ሰዲደን ኣለዋ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሩስያ፡ 300 ተወሰኽቲ ወተሃደራት ልኢኻ
ሩስያ፡ ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ተፈጢሩ ዘሎ ጸጥታዊ ቅልውላው ንምውሓስ ተወሰኽቲ 300 ወተሃደራት ከምዝለኣኸት ኣፍሊጣ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፡ መንግስቲ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዝመጽእ ሰንበት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከካይድ ኣብ ዝሸባሸበሉ እዋን፡ ብተቓወምቲ ሓልታት ኣብ ስግኣት ስለዝኣተወ ሓገዝና ሓቲቱ ክብል ተዛሪቡ።
እቶም ተቓወምቲ ሓልታት ንርእሰከተማ እታ ሃገር ንምቁጽጻር ይግስግሱ ከምዝነበሩን፡ ኣብዚ እዋን ግን ዓቐብቲ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት ጠጠው ኣቢሎሞ ከምዘለው ተገሊጹ።
መንግስቲ ሩስያ፡ ኣብ ግጭት ማእላይ ኣፍሪቃ ኢድ ከምዘይብሉን፡ እቶም ዝለኣኾም ወተሃደራዊ ኣማኸርቲ ከምዝኾኑን'ዩ ዝገልጽ።
መንግስቲ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ግን፡ ሩስያ፡ ኣማኢት ወተሃደራትን ኣጽዋራትን ልኢኻ ከምዘላ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣነጺሩ።
ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ሩስያውያን ተኾናተርቲ ኣብ ጸጥታን ጸጋታት መንግስትን ኣብ ምሕላው ተዋፊሮም ከምዘለው ይግለጽ።
መንግስቲ ሩዋንዳ'ውን ተወሳኽቲ ዓቐብቲ ሰላም ሰራዊት ናብታ ሃገር ከምዝለኣኸ ኣፍሊጡ'ሎ።
ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ብውሑዱ 750 ሰራዊት ሩዋንዳ ኣብ ትሕቲ ጽላል ዓቓብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት ኮይኖም ይሰርሑ ከምዝነበሩ ይግለጽ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ፎስቲን ተውዶረ፡ ሰራዊት ዓቓብ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ተዋፊሮም ከምዘለው ብምግላጽ፡ እቲ ኣብ ሰንበት ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ብዘይፍርሒ ከምዝካየድ ኣፍሊጡ።
ቦዚዝ ዝርከብዎም ተቓወምቲ ሰልፍታት ግን፡ እቲ ምርጫ ናብ ካልእ እዋን ክሰጋገር ጠሊቦም ኣለው።
ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ከም ኣልማዝን ዩራንየምን ዝኣመሰሉ ክቡራት ማዕድናት ዝበልጸገት ሃገር እንተኾነት’ኳ፡ ካብተን ኣዝየን ድኻታትን ዘይተረጋገኣን ሃገራት ዓለም ሓንቲ እያ።
ወድብ ሕቡራት መንግስታት ከምዝብሎ፡ ፍርቂ ናይቲ ሕብረተሰብ ሰብኣዊ ረድኤት ዝጽበ እዩ። ሓሙሽተ ሲሶ ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ካብ መንበሪኡ ተመዛቢሉ ይርከብ።
ወዲ 74 ዓመት ቦዚዝ፡ ንሽደሽተ ዓመታት ኣብ ቤኒን፣ ካሜሮንን ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2019 እዩ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።
ኣብቲ 27 ታሕሳስ ዝካየድ ምርጫ፡ ክወዳደር ምዃኑ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣፍሊጡ።
ቦዚዝ፡ ሰፊሕ ማሕበረሰባውን ወተሃደራውን ድጋፍ ከምዘለዎ እዩ ዝእመን። እንተኾነ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት እገዳ ዝተነብሮ ኮይኑ፡ ብገበን -ኣንጻር ሰብኣዊነትን ምጽናት ዓሌትን ዝድለ እዩ። ቅዋመዊ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ድማ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከይሳተፍ ኣጊድዎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







