ኣብ ኣፍሪቃ ዝነብር ህዝቢ ዘይሕጉስ ምዃኑ ተገሊጹ

ኣብ ኣፍሪቃ ዝነብር ህዝቢ ዘይሕጉስ ምዃኑ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሃገራት ደቡብ ሱዳን፡ ዙምባብዌ፤ ርዋንዳ ከምኡ'ውን ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዝቕመጡ ህዝቢ ዘይሕጉሳት ምኻኖም ገሊጹ።

እዚ 153 ሃገራት ዝሓዘ መጽናዕቲ፡ መንባብሮን ቅሳነትን ህዝብታት፡ ኣታዊ ሃገር ከምኡ'ውን ብልሽውና መሰረት ገይሩ እዩ መጽናዕቲ ዘካይድ።

እታ ናይ መእዳእታ ተርታ ሒዛ ዘላ ሃገር ድማ ኣፍጋኒስታን እያ።

ኣፍጋኒስታን ብግጭት ካብ ትሕመስ 17 ዓመታት ኣቝጺራ ኣላ።

ኣብ 2001፡ ጣሊባን ብወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ስልጣኑ ምስ ተኣልየ፡ ብኡ ንብኡ ግጭት ተወሊዑ።

ኣብ ዝሓለፈ 17 ዓመታት ኲናት ድማ ህዝቢ ኣፍጋኒስታን ኣብ ከቢድ ሰብኣውን ስነ-ኣእምሮኣውን ዓዘቕቲ ተሸሚሙ ይርከብ።

እታ ኣዝዮም ሕጉሳት ህዝቢ ዝነብሩላ ሃገረ ፊንላንድ ኮይና፡ ንተኸታታሊ ኣርባዕተ ዓመት ነዚ መዝገብ ሕጉሳት ዓቒባቶ ትርከብ።

ፊንላንድ፡ ጽፉፍ ምሕደራን ተሓታትነትን ከምኡ'ውን ብልሽውና ዘይረኣየላ ሃገር ምዃና ይግለጽ።

ኣብዚ መጽናዕቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መበል 136 ተርታ ክትስራዕ ከላ፣ ኤርትራ ግን ኣብዚ ጸብጻት ኣይተጠቕሰትን።

ዝበዝሓ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራን ኣፍሪቃን ኣብ ድሕሪት ተሰሪዐን ይርከባ፡፡

ሓሙሽተ ካብተን ዜጋታተን ሕጉሳት ኮይኖም ዝነብሩለን ሃገራት ዓለም ካብ ሃገራት ስካንዲናቪያ ኮይነን፡

  • ፊንላንድ
  • ዴንማርክ
  • ስዊዘርላንድ
  • ኣይስላንድን
  • ኖርወይን እየን

ዘይሕጉሳት ህዘቢ ዝቕመጡለን ሃገራት

  • 149) ማእከላይ ኣፍሪቃ
  • 150) ርዋንዳ
  • 151) ዙምባብወ
  • 152) ደቡብ ሱዳን
  • 153) ኣፍጋኒስታን
መግለጺ ቪድዮ, ሳና ማሪን፡ ብዕድመ እታ ዝነኣሰት መራሒት ዓለም