ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ዝበለጸ ተቓዳዳማይ ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2020 ኮይኑ

ተቐዳዳሚ ጋንታ ኒፖ ደልኮ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2020 ካልኣይ ምስ ኣተወ ብውህሉል ነጥቢ ቀዳማይ ብምዃን ብጫ ማልያ ኣብ ዝተረከብሉ 25 ለካቲት 2020

ምንጪ ስእሊ, Tour du Rwanda/Twitter

መግለጺ ስእሊ, ተቐዳዳሚ ጋንታ ኒፖ ደልኮ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2020 ካልኣይ ምስ ኣተወ ብውህሉል ነጥቢ ቀዳማይ ብምዃን ብጫ ማልያ ኣብ ዝተረከብሉ 25 ለካቲት 2020

ኤርትራዊ ተቐዳዳሚ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ 2020 ኮይኑ ብኣዳለውቲ ኮሚተ ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ ተመሪጹ።

ወዲ 20 ዓመት ኣባል ፈረንሳዊት ክለብ ኒፖ ደልኮ ዋን ፕሮቪንስ ቢንያም ግርማይ እዚ ሽልማት ኣብ 2012 ካብ ዝጅመር እቲ ዝነኣሰ ነዚ ሽልማት ዝበቐዐ ኮይኑ ካብ ኤርትራውያን ተወዳደርቲ ነዚ ሽልማት ዝበቐዐ መበል ሓሙሻይ ኮይኑ ኣሎ።

እቲ ሽልማት ብወደብቲ ዙር ጋቦን ዓመታዊ ዝወሃብ ኮይኑ፡ 4 ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ምስ ሕጹያት 10 ተረቚሖም ነይሮም።

ቢንያም ነቶም ካልኣይን ሳልሳይን ኮይኖም ዝተመረጹ ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮንን ሩዋንዳዊ ሞይስ ሙጊሻን በሊጹ እዩ ተዓዊቱ እዚ ሽልማት ኮይኑ።

ሎሚ ዓመት ነዚ ሽልማት ተሓጽዮም ዝነበሩ ዓሰርተ ኣፍሪቃውያን ተወዳደርቲ

ያቆብ ደበሳይ ምስ ጋንታ ግራውፓማ ኤፍዲጀ ዝወዳደር ኤርትራዊ

ናትናኤል ተስፋጽዮን ምስ ጋንታ ኤንቲቲ ዝወዳደር ኤርትራዊ

ሄኖክ ሙሉብርሃን ምስ ኤንቲረቲ ዝወዳደር ኤርትራዊ

ቢንያም ግርማይ ምስ ኒፖ ዴልኮ ዝወዳደር ኤርትራዊ

ሙሉ ሃይለምካኤል ምስ ኒፖ ዴልኮ ዝወዳደር ኢትዮጵያዊ

ኢምፐይ ዳርእል ምስ ሚቸልቶን ዝወዳደር ደቡብ ኣፍሪቃዊ

ካምዞንግ ክሎቪስ ምስ ኤስኤንኤች ዝወዳደር ካሜረናዊ

ሞይስ ሞጉሻ ምስ ጋንታ ኤስኤሲኤ ዝወዳደር ርዋንዳዊ

ዮሱፍ ሮጉጊ ምስ ግንታ ትረንጉኑ ዝወዳደር ኣልጀርያዊ

ዳውኖት ፓውል ካብ ቡርኪናፋሶ

ቅድሚ ሕጂ ነዚ ሽልማት ዝተዓትሉ

2012 ናትናኤል ብርሃነ

2013 ልዊስ መንትጀስ

2014 መኽሰብ ደበሳይ

2015 ዳንኤል ተኽለሃይማኖት

2016 ተስፎም ዑቕባማርያም

2017 ልዊስ መንተጀስ

2018 ጆሴፍ ኣረሩያ

2019 ዳርይን ኢምፐይ

ዓበይቲ ዓወታት ቢንያም ግርማይ

2018

ኣብ ጁንየር ኣፍሪካን ሮድ ቻምፕዩንሽፕ ኣብ ናይ ጽረግያ ቀዳማይ፡ ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ቀዳማይ ከምኡ'ውን ኣብ ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር ቀዳማይ

ኣብ ግራንድ ፐሪክስ ሩበሊላንድ ካልኣይ

ኣብ ኣውበል ቲማስተር ስታቮለት ሳልሳይ

ኣብ ትረፌኖ ኮሚኑ ዲ ቮርቶቫ ሳልሳይ

ኣብ ትሮፌኦ ኢሚሊኖ ፓጋናሲ ራብዓይ

2019

ኣብ ውድድር ዙር ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ (ዙር ጋቦን) ሳልሳት መድረኽ ቀዳማይ

ኣብ ቱር ርዋንዳ ሓሙሻይ መድረኸዕ ቀዳማይ

2020

ኣብ ውድድር ዙር ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ (ዙር ጋቦን) ዕዉት ናይ ነጥቢ ማልያ

ኣብ ውድድር ዙር ጋቦን ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ ኣብ ሳልሳይን ሻዱሻይን መድረኽ ቀዳማይ

ኣብ ትሮፌኦ ላይጉጌላ ካልኣይ

ቱር ዱ ዳውቡስ ካልኣይ

ጂሮ ዴላ ቶስካን ራብዓይኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ዝለለጸ ተቓዳዳማይ ብሽክለታ 2020 ኮይኑ