“በዓል ገዛይ ቅጽዓት ሞት ይጽበ ኣሎ” በዓልቲ ቤት ሳይንቲስት

እቲ ዕለት፡ ንዶክተር ኣሕማድሬዛ ጃላሊ ካብ ካልእ ግዘ ዝተፈለየ ኣይነበረን። ብትልሙ መሰረት፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ኢራን [ቴህራን] ንክልተ ሰሙናት ጸኒሑ ኣብ ስዊድን ናብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ክምለስ ነይርዎ።

እንተኾነ ከይተመልሰ ዛጊድ ኣርባዕተ ዓመት ገይሩ። ኣብ ኢራን ከይተመልሰ ምትራፉ ጥራሕ ከይኮነስ፡ ናይ ሞት ቕጽዓት ድማ ተፈሪድዎ።

ናይ መወዳእታ ስንብት ዘይገበረት፡ በዓልቲ ገዝኡ፡ ቪዳ ሜህራን ኒያ - ኣብ ሓያል ሻቕሎት ትርከብ።

በዓል ሞያን ተመራማርን ድንገተኛ ሕማማትን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን፡ ዶክተር አሕማድሬዛ ጃላሊ ኣብቲ እዋን ናብ ኢራን እናተመላለሰ ኣብ ኣኼባታት ይሳተፍን የምህርን ነይሩ።

ሕዚ ግን፡ ንክልተ ሰሙን ኢሉ ‘ቻው’ ዝበላ በዓል ገዛኣ- ንሓዋሩ ንከይትረኽቦ ይኸውን ኣሎ።

“ንክልተ ሰሙን’ውን እንተኾነ ምፍልላይ ቀሊል ኣይነበረበን” ትብል ንቢቢሲ። ወዳ ፡ ኣቡኡ ኣብ ኢራን ከምዝተኣስረ ኣይፈልጥን። ብዛዐዕብኡ ድማ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኣይተውርን።

ኣቡኡ ሕዚ’ውን ንስራሕ ከምዝኸደ እዩ ዝፈልጥ። ናይ ስዊድንን ኢራንን ሕዋስ ዜግነት ዘለዎ ዶክተር ጃላሊ ግን፡ ብስለላ ኢራን ኣብ ቀይዲ ካብ ዝኣቱ እነሆ 4 ዓመት መሊእዎ።

ሰብ ስልጣን ኢራን፡ እቲ ዶክተር ንሞሳድ [እስራኤል] ሓበሬታ ብምሃብ፡ ኢራናዊ ናይ ኑክሌር ሳይንቲስት ክቕተል ሓጊዙ ክብሉ እዮም ተሓታቲ ዝገብርዎ። ጠበቕኡ ድማ፡ ኣብ ዓብዪ ስቓይ ኣእትዮም እዮም ክናዘዝ ገይሮምዎ ይብል።

ዶ/ር ኣሕማድሬዛ በይኑ ናብ ዝእሰረሉ 'ኢቫን' እናተብሃለ ዝጽዋዕ ቤት ማእሰርቲ ዝተወስደ ኾይኑ፡ 209 እናተብሃለ ኣብ ዝጽዋአዕ ንዕኡ ሓዊሱ፡ ብዙሓት እሱራት ፖሊቲካ ንበይኖም ተነጺሎም ተኣሲሮም ይርከቡ።

ኣብ ቀረባ፡ ንሓጺር እዋን ምስ ስድርኡ ክዘራረብ ዝኸኣለ እቲ ሳይንቲስት፡ ናይ ሞት ፍርዲ ከምዝተረዶን ናይ ሞት ቅጸዕዓት ይጽበ ከምዘሎን ተዛሪቡ።

ቪዳ፡ ሰበ ስልጣናት ኢራን ንወዲ 45 በዓል ገዛኣ ክቐትልዎ ምዃኖም ንዓለም ኣፍሊጣ ኣላ።

“ኣብ ከቢድ ቀቢጸ ተስፋ ኮይኑ እዩ ኣዛሪቡኒ፡ ‘ህይወተይ ንምድሓን ዝከኣለኪ ኩሉ ግበሪ’ ኢሉኒ” ክትብል ገሊጻ።

ኣብ ሓንቲ ጸባብ ክፍሊ ንበይኑ ተዓጽዩ ዝኾነ ነገር ናይ ምጻም ዓቕሚ ከምዘይብሉ ፈሊጣ። ንጓል 18 ዓመት ጓሉ ድማ ኣዛሪብዋ።

“ድምጹ ምስ ሰምዐት ንፖለቲከኛታትን ንተሟገትቲ ሰብኣዊ መሰላትን እናደወለት ‘ህይወት ኣቦይ ኣድሕኑ’ እናበለት ትምሕጸን ኣላ” ኢላ።

ብሓፈሻ፡ እቲ ስድራ ኣብ ዓብዪ ጭንቂ እዩ ኣትዩ ዘሎ። “እቲ ንእሽተይ ወደይ ኣቡኡ ናብ ኢራን እንትኸይድ ወዲ 4 ዓመት እዩ ነይሩ ፤ ሕዚ ወዲ 8 ዓመት ኮይኑ ኣሎ” ትብል ቪዳ።

ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ኣቡኡ ዘጻውቶ ዝነበረ እናዘከረ ከምዝሓትት ድማ ትዛረብ።

ዶክተር ኣሕማድሬዛ ናብ ስዊድን ዝኸደ ብምኽንያት ትምህርቲ ኣብ 2009 ኮይኑ ዶክትሬት ንምክትታል እዩ ነይሩ። ካብኡ ድማ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ስድርኡ ናብኡ ወሲዱ። ስዊድን ንዶክተር ኣህማድሬዛ ኣብ 2018 ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንተሎ እያ ዜግነት ሂባቶ።

ኣብታ ሀገር ዝተኸብረ ሳይንቲስት እዩ። ዶክትሬቱ እንትሰርሕ ኣማኻሪኡ ዝነበረ፡ ፕሮፌሰር ሊዛ ኩርላንድም፡ ምስ ምርምር ብዝተኣሳሰር ንክራኸቡ ቆጸሮ ሒዞም ነይሮም።

ኣብ ኢራን ማዕጾ ዝተቖለፎ ዶክተር ግን፡ ኣብ ቆጸርኡ ክርከብ ኣይከኣልነ። “ኣብ እዋን ቆጸረና ዘይምርካቡ ካብኡ እትጽበዮ ኣይነበረን። ‘እንታይ ኮነ ገጢምዎ’ ኢለ ምሕሳብ ጀሚረ”ይብል ፕሮፌሰር ሊዛ ኩርላንድ።

ስድረኡ መጀመርታ፡ ናይ መኪና ሓደጋ ገጢምዎ ኣብ ሕክምና እዩ ዘሎ ኢሎም እዮም ተዛሪቦም ነይሮም። ድሕሪ ናይ ሞት ፍርዲ ምስተበየኖ እዮም ተዛሪቦም።

“ኣብዛ ዓለም ኣፈላላይ ክፈጥር ዝኽእል ሰብ እዩ ነይሩ። ሳይንሳዊ መይላታት ተጠቒሙ ኢራናውያን ንምሕጋዘ’ውን ትልሚ ነይርዎ” ይብል ፕሮፌሰር ሊዛ ኩርላንድም።

ኣብ ኢንስትትዩት ካሮሊንስካ፡ መሳርሕቱ ዝነበሩ ድማ ሕያዋይን ቅኑዕን ነይሩ ይብሉ። ብዛዕባ ኢራን ተዛሪቡ ኣይጸግብን ዝብሉ መሳርሕቱ፡ እቲ ፖለቲካዊ ኩነታት ከይዓገቶ፡ ኣብ ዩኒቨርሲታት ኢራን ከምህር ድሌት ከምዝነበሮ ይዛረቡ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙናት፡ 150 ተሸለምቲ ሽልማት ኖቤል፡ ዶክተር አህማድሬዛ ብነጻ ክልቀቕ ሓቲቶም ነይሮም። ኣምነስቲ ኢንተርናሽል’ውን እቲ ፍርዲ ተፈጻሚ ከይኸውን ሓቲቱ ኣሎ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጸኢ ስዊድን ብወገኑ፡ ንኢራን መዘንኡ፡ እቲ ውሳነ ተፈጻሚ ከይኸውን ተማሕጺኑ ኣሎ። እንተኾነ ኢራን፡ ሕቶ ስዊድን ተቐባልነት የብሉን ብምባል፡ ካብ ዝኾነ ኢድ ኣእታውነት ኢዳ ክትስሕብ ሓቲታ።

ኢራን፡ ንብዙሓት ተደራቢ ዜግነት ዘለዎም ሰባት 'ሰለልቲ' እናበለት እያ ትሕዞም። መትሐጃ ገይራቶም ተባሂላ’ውን ትንቀፍ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ንዓሰርተ ዓመታት ብገበን ስለላ ኣሲራቶ ዝነበረት እንግሊዛዊ-አውስትራሊያዊ መምህር ብሰለስተ ኢራናውያን እሱራት ልውውጥ ፈቲሓቶ ነይራ።

በዓልቲ ገዝኡ ከም እትብሎ፡ ዶክተር ኣህማድሬዛ ቀዳምነት ዝህቦ ንሰባት ምሕጋዝ እዩ። ብፍላይ ሰባት ብናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ብኸመይ ቀዲምደካ ምክትታል ይከኣል ዝብል ነይሩ ትብል።

ጓሉ ኣብቲ ንሱ ዝተምሃረሉ ዝኣተወት ኮይና፡ በዓልቲ ገዝኡ በዚ ሕጉስቲ እያ። ካልኣይ ብርኪ ትምህርታ ክትዛዝም እንተላ፡ ዝለዓለ ነጥቢ ኣምጺኣ እንተሓለፈት’ኳ፡ ኣቦኣ ኣብ ጥቓኣ ኣይነበረን።

ኣብ ትካል ካሮሊንስካ ኢንስቲትዩት ምስኣተወት ድማ ከም ኣቦኣ ሕክምና መሪጻ ኣላ።