ቻይናውያን ዓደንቲ ብካርቦን ሞኖክሳይድ ተዓፊኖም ሞይቶም

ኣብ ደቡብ ምዕራብ ቻይና፡ ኣብ ዕደና ፈሓም ዝሰርሑ ዝነበሩ 18 ቻይናውያን ብዝለሓዀ ካርቦን ሞኖክሳይድ ከም ዝሞቱ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ቻይና ጸብጺቡ።

ካልኦት ሓሙሽተ ድማ ሃለዋቶም ዘይተረኽበ ኮይኑ፡ ሓደ ድማ ከም ዝድሓነ ጸብጻብ ሲሲቲቪ የመልክት።

መንቀሊ ናይ’ዚ ትማሊ ዓርቢ ዘጋጠመ ሓደጋ ንምፍላጥ፡ ምጽራይ ተጀሚሩ ኣሎ።

ኣብ ቻይና፡ ሓደጋታት ዕደና ከጋጥሙ ዘይተለምደ ክስተት ኣይኮነን። መብዛሕትኡ ግዜ፡ መምርሒታት ድሕነት ብዝግባእ ብዘይምትግባሮም ዘጋጥሙ’ዮም።

ከም ጸብጻብ ሲሲቲቪ እንተኾይኑ፡ እቲ ኣብ ዕደና ዲያኦሹዶንግ ዘጋጠመ ምልሗኽ ጋዝ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተቐበሩ ናውታት ከፍርሱ ከለው ዘጋጠመ’ዩ።

እቲ ዕደና፡ ንዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ተዓጽዩ እዩ ጸኒሑ።

ኣብ ወርሒ መስከረም፡ ኣብ ከባቢ ቾንግኪንግ ኣብ ዝርከብ ካልእ ናይ ዕደና ቦታ፡ ኣብ ኣቕሓ መመላለሲ ሓዊ ተላዒሉ፡ ከቢድ ካርበን ሞኖክሳይድ ብምፍናዉ፡ 16 ሰራሕተኛታት ሞይቶም’ዮም።

ብ2019 ወርሒ ታሕሳስ’ውን፡ ኣብ ደቡብ ምዕራብ ቻይና ግዝኣት ጉዥሆ ኣብቲ ናይ ዕደና ቦታ ብዘጋጠመ ነትጒ ኣስታት 14 ሰባት ሞይቶም።