ትራምፕ ንምንታይ እዩ ኣብ ወርሒ ዕደና ክካየድ ደልዩ ዘሎ?

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሃገሩ ኣብ ወርሒ ዕደናታት ምክያድ ክትጅምር ድልየት ኣለዎ። ኣብዚ ሰሙን ድማ፡ ኣመሪካ ካብ ጠፈር መዓድናት ክትጥቀም መሰል ከምዘለዋ ዝገልጽ ሰነድ ፈሪሙ ኣሎ።

እቲ ሰነድ፡ ኣመሪካ ኣብ ጠፈር ንዘሎ ሃብትታት ከም ሓበራዊ ስለዘይትርእዮ፡ ዕደና ክትጅምር ዓለማዊ ስምምዕን ፍቓድን ከምዘየድልያ ይገልጽ።

ትራምፕ ግን ንምንታይ እዩ ኣብ ጠፈር ዕደና ክካየድ ዝደሊ? ረብሓታቱኸ እንታይ እዩ?

ካብ ዓለምና ወጻኢ ንምግፋሕ

ኣብ ወርሒ ዝካየድ ዕደና፡ ሰባት ኣብ ህዋ [ጠፈር] ነዊሕ ጉዕዞታት ክገብሩ ዝሕግዝ እዩ ትብል ኣብ ጉዳያት ጠፈር ኣድሂባ እትሰርሕ ጋዜጠኛ ሳራ ኩሩዳስ።

ወርሒ "ኣብ ህዋ ንዝግበሩ ጉዕዞታት ከም መዐደሊ ነዳዲ ኮይና ክተገልግል ትኽእል እያ" ትብል። ምኽንያቱ ድማ፡ ንነዳዲ ሮኬት ዘድልዩ ከም ሃይድሮጅንን ኦክሲጅንን ዝበሉ ሃብትታት ስለዘለውዋ።

ኣብ ወርሒ መዐደሊ ነዳዲ ኣሎ ማለት፤ ሮኬታት ነዳዲ ክንውድእ ዶ ንኸውን ኢሎም ከይተሻቐሉ ካብኡ ተበጊሶም ነዊሕ ጉዕዞ ክቕጽሉ ይኽእሉ ማለት እዩ።

"ክትዘናጋዕ ናብ ዝኾነ ቦታ ክትከይድ ከለኻ ክሽኘካ ሒዝካ ኣይትኸይድን። ናብ ጠፈር ክንከይድ ከለና፡ ዘድልየና ነገር ኩሉ ካብ ምድሪ ሒዝና ክንከይድ ግድን ኣይኮነን" ትብል ሳራ።

ኣብ ህዋ ዳህሳሳት ምክያድ ኣድላዪ እዩ፤ ምኽንያቱ ድማ ንዓለምና ዘድልኡ ሃብትታት ስለዘለውዎ።

ፕሮፌሰር ቤንጃሚን ሳቮኮ ድማ፡ ዓለምና ብምኽንያት ለውጢ ኣየር ተሓዳሲ ጸዓት ስለዘድልያ፤ ነዚ ናይ ጠፈር ሃብትታት ክትጥቀመሉ ኣለዋ ይብል።

"ዘለውና ሃብትታት ንጽንቅቕ ኣለና ኢና" በሃሊ እዩ።

ቤንጃሚን ኣብ ዩንቨርሲቲ መምህር ፖሊሲ ጸዓት እዩ። ካብ ጠፈር ዝያዳ ዕደናታት ምክያድ፡ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መኻይን ንምስራሕ ክሕግዝ ይኽእል እዩ፤ እዚ ድማ ኣብ መጻኢ ንዓለምና ኣካባብያዊ ረብሓ ዘምጽእ እዩ ክብል ይማጎት።

"ከም ሊትየምን ኮባልትን ዝበሉ ሓጻዊን ብቐንዱ ኣብ ቻይና፣ ሩስያን ኮንጎን እዮም ዝርከቡ። ንምርካቦም ከኣ ኣጸገምቲ እዮም" ይብል።

ግን ከኣ፡ ኣብ ጠፈር ዝግበር ዕደናታት ንዓለምና፡ ኣብ ሓጺር እዋን ካባብያዊ ለውጢ ከምጽእ ከምዘይኽእል የጠንቅቕ።

ምትፍናን ቻይናን ኣመሪካን

ትራምፕ ኣብ ወርሒ ዕደናታት ክካየድ ዝደለየሉ ሓደ ምኽንያት፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መሬት ኣብ ዝግበሩ ዕደናታት ክትነሓናሕ ብዘይምኽኣላ እዩ።

"ብዙሓት ሃገራት ቀዲመንኣ ከይደን እየን፤ ንኣብነት ቻይናን ሩስያን" ብምባል እዘን ሃገራት ንመብዛሕትኡ ዕደናታት ከምዝተቖጻጸረኦ ቤንጃሚን ይገልጽ።

ቻይና ኣብ ዘየላትሉ ቦታ ዕደና ክተካይድ እንተኽኢልካ፡ ንኣመሪካ ዓብዪ ዓወት እዩ ድማ ይብል።

ብፍላይ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ምስ ቻይና ክሰሓሓብ ንዝጸንሐ ፕረዚደንት ትራምፕ "ዓብላላይነቱ ዘርእየሉ ዕድል እዩ" ክብል ቤንጃሚን የብርህ።

ሕጊ እንታይ እብል?

እቲ ትራምፕ ዝፈረሞ ሰነድ፡ ኣመሪካ ኣብ ጠፈር እትገብሮ ንጥፈታት ብዓለምለኻዊ ሕጊ ዝቕየድ ከምዘይኮነ ብግልጺ ኣስፊሩዎ እዩ። እንተኾነ፡ ደቂሰባት ኣብ ጠፈር እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ እንታይከ ኣይክእሉን ዝብል ንጹር ሕጊ የለን።

"ሕጊ ጠፈር ገና ኣብ ምምዕባል ዘሎ እዩ፤ ኣብ ከይዲ እዩ እናተቐየረ ክኸይድ" ትብል ሳራ።

ዝኾነት ሃገር "ወርሒ ናተይ እያ" ክትብል ኣይትኽእልን፤ እንተኾነ "ናብኡ ከይድካ፡ ክትዕድን ከልካሊ የብልካን" ትብል።

ኣብ ዘበን ክኸውን ዝኽእል ድዩ?

ሳራ ከምእትብሎ፡ ነዚ ንምግባር ዘኽእል ቴክኖሎጂ ኣሎ እዩ። ብዙሓት ገንዘብን ድሌትን ዘለዎም ውልቀ ኩባንያታት'ውን ኣለዉ።

'ኣብ ወርሒ፣ ኣብ ቃላያት ኮነ ካብ ኣስትሮይድስ ማዕድናት ምውጻእ፡ ከምኡ'ውን ብዙሕ ሰብ ናብ ማርስ እናገሸ ዑደት ክገብር ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ኣብ ዘበንና ክኸውን ዝኽእል እዩ" ትብል።

ቤንጃሚን ድማ፡ ፈለማ ሕዚ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዘሎ ቴክኖሎጂ መዝሚዝካ ምጥቃም የድሊ በሃላይ እዩ።

ኣብ ወርሒ ዝካየድ ናይ ዕደና ስራሕቲ ጠቓሚ ምዃኑ እንተኣመነ'ኳ፡ ኣብ ልዕሊ ወርሒ ዕደና ንምክያድ፡ ብውሕዱ ካብ 10 ክሳብ 15 ዓመታት ክወስድ ከምዝኽእል እዩ ዝእምት።