ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ነበር ሳዲቕ ኣልማህዲ ብኮሮናቫይረስ ሞይቱ

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ነበር ሳዲቕ ኣልማህዲ ብኮቪድ-19 ድሕሪ ምልካፉ ኣብ መበል 84 ዓመቱ ዓሪፉ።

እቲ ፍሉጥ ሱዳናዊ ፖለቲከኛ፡ በቲ ቫይረስ ተለኺፉ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሕክምና ድሕሪ ምግባሩ፡ ድሕሪ ሰለስተ ሳምንቲ'ዩ ሞይቱ።

ንሱ፡ 21 ኣባላት ስድራቤት ኣልማህዲ ብኮሮናቫይረስ ድሕሪ ምልካፉ'ዩ ሆስፒታል ኣትዩ።

እቲ ወዲ 84 ዝነበረ ሳዲቕ ኣልማህዲ ኣብ 1989 ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝነበረሉ ብዕልዋ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።

መራሒ ናይቲ ዕልዋ ዝነበረ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣል-በሽር ሽዑ ናብ ስልጣን ደዪቡ፡ ነታ ሃገር ንኣስታት 30 ዓመታት መሪሕዋ።

ኣብ ሚያዝያ 2019 ከኣ ብሰፊሕ ህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ክእለ ተገዲዱ። በቲ ኣብ ልዕሊ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ መንግስቲ ሳዲቕ ኣልማህዲ ዝፈጸሞ ዕልዋ ምስ ብጾቱ ተኸሲሱ ምህላዉ ይፍለጥ።