ሓይልታት ትግራይ ኣብ ከባቢ ከተማ ባህርዳር ን3ይ ግዜ ብሚሳይላት ደብዲቦም

ኣግራብ ስየ ከተማ ባህርዳር
መግለጺ ስእሊ, ርእሰከተማ ክልል ኣምሓራ ዝኾነት

ሓይልታት ትግራይ፡ ነቲ ኣብ ርእሰከተማ ክልል ኣምሓራ ዝኾነት ባርህርዳር ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ንሳልሳይ ግዜ ብሚሳይላት ከምዝደብደቡ ኣፈኛ ናይቶም ሓይልታት ገብረ ገብረጻድቃን ተዛሪቡ።

ኣብታ ከተማ ዝርከብ ወኪል ቢቢሲ'ውን፡ ብውሕዱ ክልተ ነትጒ ከም ዝሰምዐ ኣረጋጊጹ። ነበርቲ እታ ከተማ ብወገኖም፡ ሎሚ ወጋሕታ ሓያል ነትጒ ከምዝሰምዑ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ሓደ ካብቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰለስተ ነትጒ ከም ዝሰምዐ ክገልጽ እንከሎ፡ ካልእ ነባሪ ድማ ክልተ ግዜ ነትጒ ከምዝሰምዐ ተዛሪቡ።

ሰብመዚ ክልል ኣምሓራ ዛጊት ብዛዕባ'ቲ ዝተሰምዐ ነትጒ ዝሃብዎ መግለጺ የልን።

እቲ ኣፈኛ ሓይልታት ትግራይ፡ ንመዕርፎ ነፈርቲ፡ መኽዘናትን ጋራዥን ዒላማ ዝገብረ ከምዝነበረ'ኳ እንተገለጸ፡ ብዛዕባ ዘውረዶ ጉድኣት ብናጻ ኣካል ዝተረጋገጸ የለን።

ነበርቲ እታ ከተማ፡ ድሕሪ እቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተሰምዑ ሓያል ነትጒታት፡ ድምጺ ጠያይቲ ተሰሚዑ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብዚ ናይ ሕጂ ግን ዝኾነ ዝሰዓበ ድምጺ ከምዘይነበረ ተዛሪቦም።

ኣብ ዝሓለፈ 20 ሕዳር ናብ ዘውግሐ ለይቲ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብታ ከተማ ናይ ሚሳይላት መጥቃዕቲ ኣካይዶም ነይሮም።

ቅድሚ'ውን ብ13 ሕዳር፡ ኣብ ከተማታት ባህርዳርን ጎንደርን ዝርከቡ መዕርፎ ነፍርቲ ተመሳሳሊ ናይ ሚሳይላት ደብዳብ ኣጋጢምዎም ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ ክልቲኦም መጥቃዕትታት ዝወረደ ክሳራ ከምዘይነበረ፡ ድሒሩ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሜጀር ጀነራል ይልማ መርዳሳ ንማዕከናት ዜና መንግስቲ ተዛሪቡ ነይሩ።

ነቲ መጥቃዕቲ "ኣብ ዝሓጸረ እዋን ዕጽፊ ግረብመልሲ ክንህበሉ ኢና" ክብል'ውን ተሰሚዑ።

ብ14 ሕዳር : ኣጋ ምሸት ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ፡ ኣብ ከባቢ መዕርፎ ነፈርቲ ሓያል ነትጒ ከምዝተሰምዐ ሓያሎ ነበርቲ እታ ከተማ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም። ሰብመዚ ትግራይ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸምዎ ኣሚኖም ምንባሮም ይዝከር። ብወገን ኤርትራ ግን ብወግዒ ዝተዋህበ ግብረመልሲ የለን።

ነፈርቲ ሓይሊ ኣየር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ክድብድባ ምጽንሐን ይፍለጥ። በቶም ናይ ኣየር መጥቃዕትታት፡ ዝተጎድኡ ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ሰባት ከምዘለዉ'ኳ ብወገን ትግራይ ይግለጽ እንተሎ፡ ሰብመዚ ፈደራል ግን ወታሃደራዊ ዒላማታት ንምህራብ ዝግበር ኮይኑ፡ ሲቪላውያን ሰባት ከይጎድእ ብጥንቃቐ ይፍጸም ምህላዉን ይምጉቱ።

እቲ ኲናት ብ4 ሕዳር ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ኣብ ዝተኻየዱ ውግኣት፡ ሰራዊት ፈደራል ንሽረ፡ ኣክሱም፡ ዓድዋ፡ ዓዲግራት፡ ሑመራ፡ ኣላማጣን ካልኦት ናኣሽቱ ከተማታትን ክቆጻጸር ኪኢሉ'ሎ።

እቲ ግጭት ኣብታ ክልል ከቢድ ምፍንቓል ሰላማውያን ሰባት ኣስዒቡ'ሎ። ድሮ ልዕሊ 30 ሽሕ ካብ ትግራይ ዝተፈናቐሉ ስደተኛታት ዶብ ሰጊሮም ናብ ሱዳን ኣትዮም ኣለዉ።

ኣስታት 100, 000 ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ማዕስከራት ዝጸንሑ ኤርትራው'ያን ስደተኛታት'ውን ኣብ ሓደጋ ከምዝርከቡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ካብን ናብን እቲ ክልል ዝግበር መጓዓዝያ ተኣጊዱን ተቛሪጹን ብምህላዉ፡ ትካላት ረዲኤት ምስቶም ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ተጸበይቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ርክብ ከምዘይብሎምን፡ ህጹጽ ረዲኤት ከብጽሑ ከምዘይከኣሉን ይገልጹ።

ድሕሪባይታ ናይዚ ግጭት

መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።

ብለበዳ ኮቪድ-19 ብዝተናውሐ መረጻ እውን ተሰሓሒቦም።

ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ ምርጫ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ምርጫ ኣካይዱ።

ዶ/ር ኣቢዪ እቲ ምርጫ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ።

ብድሕር'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ኣፍልጦ ተኸላሊኦም ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም። ብ03 ሕዳር ከኣ ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ ምስ ዝነበረ ናይ ሰሜን እዝ ጎንጺ ተኸሲቱ።

ዶክተር ኣብዪ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝተወስደ ስጉምቲ ብምኹናን፡ ሕጊ ንምኽባር ብዝብል ወታሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ምስ ኣዘዘ እቲ ኲናት ሳልሳይ ሰሙኑ ሒዙ ኣሎ።

እቲ ወታሃደራዊ ስጉምቲ "ሕጊ ንምኽባር ዝካየድ ስሪሒት" ከም ዝኾነ ብምምጓት ድማ፡ ምስቲ ሰብመዚ ክልል ትግራይ ክዘራረብ ቅሩብ ከምዘይኮነ ገሊጹ'ሎ።