ልኡል ካሊፋ፡ ኣብ ዓለም ዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ሞይቱ

ዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ቀዳማይ ሚኒስትር ሞይቱ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብ ዓለም እቲ ዝነውሐ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ልኡል ካሊፋ ቢን ሳልማን ኣል ካሊፋ ኣብ 84 ዓመቱ ሞይቱ።

ድሕሪ ናጽነት ባሕሬን ኣብ 1971 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ናብ ስልጣን ዝመጽአ ልኡል ካሊፋ፡ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሕክምና ክንክን ክግበረሉ ከም ዝጸንሐ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።

ልኡል ካሊፋ፡ ኣኩኡ ንንጉስ ማማድ ኮይኑ፡ ኣብቲ ንጉሳዊ ስድራቤት ሓያል ተራ ከም ዝነበሮ ይዝረብ።

ኣብ 2011 ቀውዒ ዓረብ ኣብ ዝተበገሰሉ እዋን፡ ዴሞክራሲ ዝጠልቡ ተቓወምቲ ልኡል ካሊፋ ካብ ስልጣኑ ክእለ ጠሊቦም ነይሮም።

ንሱ ግን፡ ቀውዒ ዓረብ "ሞት፣ ናዕብን ዕንወትን" ጥራሕ'ዩ ኣምጺኡ ብምባል፡ ኣብ ባሕሬን ፖለቲካዊ ለውጢ ከይመጽእ ዓንቂዑ ንዝብል ክሲ ነጺጉዎ።

ባሕሬን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ እስራኤል ሓድሽ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ክትጅምር ከም ዝተሰማምዐት ይፍለጥ።

ቅድሚ ትሸዓተ ዓመታት ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ነቲ ዓመጽ ምስ ኣለዓዐሉዎ ኣብታ ብስርዓት ሱኒ ሙስሊም እትመሓደር ሃገር ተቓውሞ ክስማዕ ጸኒሑ እዩ።

እቲ ተቓውሞ ብማሕበረሰብ ሺዓ ዝለዓል ኮይኑ ኣብታ ሃገር ኣሎ ዝብሉዎ ኣድልዎ በጺሑና ይብሉ።

መንግስቲ፡ ኣብታ ሃገር ዝነበራ ናይ ውልቂ ሚዲያታት ኣጊዱ፣ ንኩሎም ተቓወምቲ ጉጅለታት ኣፍሪሱን ብኢንተርነት ዝቐርብሉ ተቓውሞታት ክዕፍፍን ፈቲኑ'ዩ።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ጋዜጠኛታትን መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፊታትን ምስቲ ተቓውሞታት ብዝተሓሓዝ ተኣሲሮም'ዮም።

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት'ውን ባሕሬናዊ ዜግነቶም ተመንጢሎም።