መንገዲ መቐለ-ሑመራ ብኣንደበት መራሕቲ መካይን

ሑመራ

ካብ ሰቲት ሑመራ: ከተማታት ሸራሮ: ሽረ: ኣኽሱም: ዓድዋን ዓብዪ ዓዲን ረጊፆም ናብ መቐለ ዝኣተዉ መራሕቲ መካይን ተጓንፎኦም ንቢቢሲ ገሊፆም ኣለዉ።

ሎሚ መዓልቲ ወጋሕታ ባሕቲ ሕዳር (10 ኖቨምበር) ኣብ መዋፈሪ ኣውተቡስ ዝሰርሑ መናእሰይ: ሽረ-ሑመራ: ዓድዋ-ኣክሱም: ዓብዪ ዓዲ-ተከዘ: ዓዲግራት-ሓውዜን ካልኦት ከተማታትን እናጠቐሱ ገያሾ ከሳፍሩ ይፅውዑ።

መንእሰይ ፍታለ ሙላው: ካብ ሑመራ ተበጊሱ: ትማሊ ንመቐለ ኣትዩ።

"ካብ ሑመራ ተበጊሰ ብሸራሮ ገይረ ሽረ ኣትየ:: መገዲ ሰላም እዩ ዘሎ:: ኣኽሱምን ዓድዋን ሓሊፈ ብዓብዪ ዓዲ ገይረ መቐለ ክሳብ ዝኣቱ እውን ሰላም እዩ ዘሎ" ብምባል ኣብ ጉዕዞኡ ብዛዕባ ዝረኣዮ ሰላማዊ ኩነታት ይምስክር።

ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ: ኣብ ምዕራብ ትግራይ ብባዕኸር ገይሮም ንሸራሮ ይግስግሱ ምህላዎም ሓቢሩ ነይሩ።

ፍታለ ሙላው ኣብታ 'ሃይሩፍ' ዝዓይነታ መኪንኡ ሰባት ኣሳፊሩ ካብ መቐለ: ላጪ መዋፈሪ ኣውቶቡስ ናብታ ዝነብረላ ከተማ ናብ ሑመራ ተበጊሱ ኣሎ። መራሒ መኪና ፀጋይ በርሀ ድማ ካብ ከተማ ኣኽሱም ኣጋይሽ ሒዙ ትማሊ መቐለ ኣትዩ:: ሎሚመዓልቲ ሰሉስ ረፋድ ናብ ኣኽሱም ክምለስ: ሰባት እተሳፍር ረኺበዮ።

"ካብ ኣኽሱም ብተንብየን ገይረ ብሰላም ናብዚ (መቐለ) ኣትየ:: መንገዲ ሰላም: ፅቡቕ እዩ ዘሎ" ይብል።

ፀጋይ በታ ዝመፀኣ መገዲ ብተንብየን: ዓብዪ ዓዲ ገይሩ ምሕዳሩ ናብ ኣኽሱም ተመሊሱ ኣሎ።

ኣብ ከተማ ሑመራ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ከተማ ሑመራ

ብተመሳሳሊ ካብ ከተማ እንዳ ስለሰ ሽረ ተበጊሱ ኣማስዩ መቐለ ከምዝኣተወ ዝገልፅ: መራሒ መኪና ካሕሱ ኣፅብሃ: መገዲ ሰላም ምንባሩን ዘጋጠሞም ጸገም ከምዘይነበረ ንቢቢሲ ይገልፅ።

"ካብ ሽረ ተበጊስና ብዓድዋን ማይ ቅነጣልን ከምኡ እውን ዓብዪ ዓዲን ሃገረ ሰላምን ኣቢልና መቐለ ኣቲና ኣለና:: መገዲ ከምቲ ዝውረን ዝፈራሕናዮን ኣይኮነን:: ሰላም እዩ ዘሎ" ኢሉ።

ህዝቢ፡ ኣብ ሑመራን ሽረን ኮይኑ ብዛዕባ ኣብ መቐለ ይፍፀም ኣሎ ዝበሃል ሰሚዑ ይሻቐል።

ህዝቢ መቐለ ከኣ ብዛዕባ እቲ ሑመራን ሽረን ይፍፀም ኣሎ ዝበሃል ቤላ ቤለው ሰሰሚዑ ይሻቐል ምህላዉ ካሕሱ ኣፅብሃ ይገልፅ።

ሓለፈ ሰሙን ሮቡዕን ሓሙስን ዝተዓፀወ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ካብን ናብን ከተማታት ትግራይ ብፍሉይ ቁፅፅርን ፍቓድን ኮምሽን ፖሊስ ትግራይ ብዓርቢ ብዕሊ ከምዝተጀመረ ይዝከር።

ወላ እኳ ኣብ ከባቢ መቐለ: ዓዲግራት: ፈላፍል መቐለን ኣላማጣን ደብዳብ ነፈርቲ ይፍፀም ምህላዉ እንተተገልጸ፡ ህዝቢ ጉዳዩ ክፍፅምን መምስ ስድራ ቤቱ ክራኸብን ካብ ምጉዓዝ ዓዲ ኣይወዓለን።

ብሰንኪ እቲ ሰሙኑ ገይሩ ዘሎ ኵናት፡ ሓይልታት ሰራዊት ፈደራልን ክልል ትግራይን: ሓያል ሕፅረት ነዳዲ ስለዘጓነፈ ኣብ ኣገልግሎት መጓዓዝ ከቢድ ፅልዋ ይፈጥር ኣሎ።

እቲ ፀገም ካብቲ ዘለዎ እንተኸፊኡ ድማ ናህሪ ዋጋ መጓዓዝያ ክረአ ግድን እዩ ይብሉ ገያሾን መራሕቲ መካይንን።

ቅድሚ ሎሚ ዋጋ ሓደ ሊትሮ ቤንዚን 21 ብርን 57 ሳንቲም ዝነበረ ሕዚ እዋን ኣብ ፀሊም ዕዳጋ ንሊትሮ ብ200 ብር ይሽየጥ ኣሎ::ንሊትሮ 13 ብር ዝነበረ ናፍታ እውን ሎሚ 60 ብር በፂሑ ኣሎ።