እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ባይደን ፕሬዝደንት ኣመሪካ ኮይኑ ተመሪጹ፡ ድሕሪኡኸ?
ጆ ባይደን መበል 46 ፕሬዝደንት ኣመሪካ ኮይኑ ተዓዊቱ። ካማላ ሃሪስ ከኣ ምኽትል ክትከውን እያ።
ድሕሪ ሕጂ እንታይ'ዩ ክህሉ? ትራምፕኸ ስልጣኑ ኣሕሊፉ ዝህበሉ ግዜ መዓዝ እዩ?
ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኣመሪካ ሓድሽ ዓመት ፈረንጂ 2021 ምስ ኣተወ፡ ኣብ መበል 20 መዓልቲ ኣብቲ መረጻ ዝተዓወተ ተወዳዳሪ ስልጣኑ ይርከብ።
እዚ ድማ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝካየድ ስነ ስርዓት ይፍጸም። ፕሬዝደንትን ምኽትል ፕሬዝደንትን ኮይኖም ዝተመረጹ ድማ ቃለ መሓላ ይፍጽሙ።
ውጽኢት እቲ መረጻ ዕላዊ ምስ ኾነ፡ እቲ ፕሬዝደንት ስልጣኑ ክሳብ ዝርከብ ናይ ስግግር ጉጅለ ይጣየስ።
እዚ ድማ እቲ ፕሬዝደንት ብወግዒ ስልጣኑ ምስተረከበ ቀጢፉ ስርሑ ንክጅምር ባይታ ዘጣጥሕ እዩ።
መራኸብቲ ሓፋሽ እንታይ ክብላ እየን?
ባይደን ተዓዋቲ መረጻ ኣመሪካ ምስ ኮነ፡ ብርክት ዝበላ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝደጋግምኦም ቃላት ኣለው።
‘ተመራጺ - ፕሬዝደንት’፡ እዚ ማለት እቲ ሕጹይ ፕሬዝደንት ኣብቲ መረጻ ተዓዊቱ ኣሎ ማለት እዩ። ስልጣን ግን ኣይተረከበን።
20 ጥሪ መዓልቲ ስሜቱ ኮይኑ፡ ቃለ መሓላ ምስፈጸመ እዩ ፕሬዝደንት ተባሂሉ ዝጽዋዕ።
ካቢኔ፡ ባይደን ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣባላት ካብንኡ ከፍልጥ እዩ። እዚ ድማ ላዕለዎት ሰብ መዚ እታ ሃገርን መራሕቲ ኤጀንሲታትን ዘካተተ እዩ።
ሴልቲክ፡ እቲ ተመራጺ ፕሬዝደንት ብሴክሬት ሰርቪስ ኣመሪካ (ሓለዋ ድሕነት ብዝህብ ኣካል) ሓለዋ ይግበረሉ። ነዚ ሓለዋ ዝገብር ጉጅለ ድማ ሽም ይወሃቦ።
እዚ በቲ ፕሬዝድንት ዝወሃብ ኮይኑ፡ ባይደን ድማ ‘ሴልቲክ’ ዝብል ስያመ ሂቡዎ ኣሎ።
ምኽትል ፕሬዝደንት እትኸውን ካማላ ሃሪስ ብወገና ‘ፓዮኒር’ ዝብል ሽም መሪጻ ኣላ።
ዶናልድ ትራምፕኸ?
ኣብ ፖለቲካ ኣመሪካ፡ እቲ ዝተስዓረ ነቲ ዝስዓረ ቴሌፎን ደዊሉ እንኳዕ ደስ በለካ ምባል ልሙድ እዩ።
ትራምፕ ግን ከምዚ ናይ ምባል ግዴታ የብሉን።
እንተኾነ፡ ትራምፕ ጉጅለ እቲ ፕሬዝደንት ኮይኑ ዝተረመረጸ ባይደን ናብ ስልጣን ንምምጻእ ኣብ ዝገብሮ ምድላው ናይ ሎጀስቲክስ ቐረባት ክግበር ክፈቅድ ይግደድ።
ካማላ ሃሪስከ እንታይ'ያ ክትገብር?
ካማላ ሃሪስ፡ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ምኽትል ፕሬዝደንት እያ።
ድሕሪ ሕጂ ናይ ባዕላ ሰራሕተኛታት ክትሸውምን ካብቲ ሕሉፍ ምምሕዳር ዝነበሩ ስራሕቲ ተሞኩሮ ክትወስድን እያ።
ምኽትል ፕሬዝደንት፡ ኣብ ምዕራባዊ ክንፊ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ዝሰርሕ ኮይኑ፡ ኣብኡ ግን ኣይነብርን።
ካብቲ ቤተ መንግስቲ ናይ 10 ደቒቓ መገዲ ርሕቕ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ከባቢ እያ ክትነብር ማለት እዩ።
በዓል ቤታ ዶግ ኢምሆስ በዓል ሞያ ሕጊ ኮይኑ ኣብ ኢንዳስቲ ምዝንጋዕ እዩ ዝሰርሕ።
ካብ ናይ መጀመርታ በዓልቲ ቤቱ ክልተ ቖልዑ ክህልዎ እንከሎ፡ ንካማ ሃሪስ ካብ ዘለዎ ፍቕሪ ብዝብገስ "ሞማላ" ኢሉ ይጽውዓ።