ኣገዳስነት ድምጺ ኤስያ-ኣመሪካውያን ኣብ መረጻ ኣመሪካ

ኣብዚ እዋን፡ ኣስታት 64 ሚኢታዊት ኤስያ ኣመሪካውያን ደገፍቲ ባይደን፣ 30 ሚኢታዊት ድማ ደገፍቲ ትራምፕ ከም ዝኾኑ ይእመን።

እዚ ኣብ 2016 ምስ ዝነበረ ቑጽሪ ዝመሳሰል ኮይኑ፡ ኦባማ ኣብ 2012 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ካብ ዝረኸቦ ግን ዝወሓደ እዩ።

ኤስያ ኣመሪካውያን፡ ኣብ ተሳትፎ መረጽቲ ቑጽሮም እናዓበየ ካብ ዝመጽኡ ዘለው ዓሌት እዮም።

ካብዚኦም፡ ህንዳውያን ኣመሪካውያን ንባይደን ዝመርጹ ኮይኖም፡ ቬትናም ኣመሪካውያን ድማ ንትራምፕ ዝመርጹ እዮም።

ከም ዳህሳስ መረጽቲ ኤስያ ኣመሪካውያን እንተኾይኑ፡ ዓሌት ኤስያ ኣመሪካውያን ካብ ሪፐብሊካን ሓገዝ ምርካብ ዝጀመረ ካብ ቀረባ ዓመታት ንነጀው እዩ።

40 ሚኢታዊት መረጽቲ ኤስያ ኣመሪካውያን ግን ኣብ ደሞክራት ይኹን ሪፐብሊካን ዘይተመዝገቡ ስለ ዝኾኑ፡ ንመን ከም ዝመርጹ ኣይፍለጥን።

ፕሬዝደንት ትራምፕ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ንዝተኸሰተ ለበዳ ኮሮናቫይረስ "ናይ ቻይና ቫይረስ" ኢሉ እንተኸሰሰ'ውን፡ ካብ ቻይና ኣመሪካውያን'ውን ጽቡቕ ድጋፍ ከም ዘለዎ ይግለጽ።

ኲባ ኣመሪካውያን'ውን ናብ ትራምፕ ዘዘንበሉ እዮም።