እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ውጽኢት መረጻ ኣሜሪካ ዛጊት ክፍልጥ ዘይኽኣለሉ ምኽንያት እንታይ'ዩ?
ኣብ መረጻ ኣሜሪካ መን ከምዝተዓወተ ዛጊድ ኣይተፈለጠን ዘሎ። ናይዚ ምኽንያት ድማ ዶናልድ ትራምፕ ወይ ጆ ባይደን ከምዝተዓወቱ ዘረጋግጽ ድምጺ ተቖጺሩ ስለዘይተወደአ እዩ።
ይኹን'ምበር መን ናብ ዓወት ይጽጋዕ ከምዘሎ፡ ካብ ውጽኢታት ብቐሊሉ ምፍላይ ይከኣል።
ክሳብ ሕዚ ብዘሎ ውጽኢት መሰረት ጆ ባይደን ነቲ ዝለዓለ ድምጺ ብምርካብ ይመርሕ'ኳ እንተሃለወ፡ ፕረዚደንት ከምዝኾነ ግን ዘረጋግጽ ኣይኮነን።
ካብቶም ዘለዉ 538 ድምጺ ዝወሃበሎም መናብር ነቶም 270 ዝረኸበ ሕጹይ ተዓዋቲ ከምዝኸውን ይፍለጥ።
በዚ መሰረት ጆ ባይደን 253 ብምርካብ ክመርሕ ከሎ፡ ትራምፕ ድማ 214 ከምዘለሎ ክሳብ ሕዚ ዘሎ ውጽኢት የመልክት።
ባይደንን ትራምፕን ኣብ ወሰንቲ ግዝኣታት
ጆርጂያ ('16 ኢለክቶራል ቮትስ')፡ መሊኡ ዘይተቖጸረ ድምጺ'ኳ እንተሃለወ ባይደን ንትራምፕ ብቑሩብ ድምጺ እናመርሖ ይርከብ።
ፐንሲለቫኒያ (20 ኢለክቶራል ቮትስ')፡ ትሕቲ 200 ሽሕ ዘይተቖጸረ ድምጺ ተሪፉ'ሎ። ትራምፕ ድማ ብቁሩብ ኣፈላላይ እናመርሐ'ዩ። እንተኾነ ኣብ ዝበዝሕ ቦታታት ናይ 'መይል ድምጽታት' ናብ ዴሞክራቲክ ፓርቲ የዛዝዉ ስለዘለዉ እቲ ውጽኢት ክቕየር ከምዝኽእል ይግመት።
ኔቫዳ ('6 ኢለክቶራል ቮትስ')፡ ጆ ባይደን ይመርሕ'ኳ እንተሃለወ መስርሕ ቆጸራ ድምጺ ግን ንግዚኡ ከምዝተቛረጸ ይግለጽ። 190 ሽሕ ገና ዘይተቖጸሩ ድምጽታት ዘለው ኮይኖም፡ ናብ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ከዛዝዉ ከምዝኽእሉ ግምታት ኣሎ።
ኣሪዞና ('11 ኢለክቶራል ቮትስ')፡ ጆ ባይደን ብጸቢብ ኣፈላላይ እናመርሐ ይርከብ።
ቁጽርታት ስለምንታይ በብሽዑ ይቀያየሩ?
ኣብ መስርሕ ምቑጻር ድምጺ፡ ነብሲወከፍ ግዝኣት ናይ ባዓላ ሕግን ስርዓትን እዩ ዘለዋ። ንኣብነት ገሊኤን ብፖስታ ዝተወዋቡ ድምጽታት ኣብ መወዳአታ ክቖጽራ ይኽእላ።
በዚ ምኽንያት ከኣ ቅልጡፍ ዝኾነ ምቅይያር ቁጽሪ ይረኣይ።
እቲ ኻልእ ምኽንያት ድማ ዝተፈላለያ ማዕኸናት ዜና፡ ብነብሲ ወከፍ ሕጹያት ዝረኸቦ ድምጺ ዝቖጽራሉ ነናይባዕለን መገዲ ስለዘለወን እዩ። እዚ ድማ ነቲ ውጽኢት መረጻ ዝምልከት ኣብ ዝረኸብኦ መረዳእታ ይምስረት።
ንኣብነት ገሊኤን ኣሪዞና ንባይደን ዝለዓለ ድምጺ ከምዝሃበት ክሕብራ ከለዋ፡ ቢቢሲ ግን ገና ዘይተፈለጠ ወይ ዘይተወሰነ ከምዝኾነ ይኣምን።