ኣምነስቲ ኢንተርሽናል፡ ሰብመዚ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒታት ሰብኣዊ መሰላት ከውሕሱ ጸዊዑ

ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲኢንተርሽናል ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒታት ሰብ መዚ ሰብኣዊ መሰላት ከውሕሱ ጸዊዑ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ንሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዝኾነት ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ውድብ ህዝባዊ ወያን ሓርነት ትግራይ ወተሃደራዊ ስርሒት ክካየድ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ እዩ።

ኣብ ምብራቃውን ደቡባውን ኣፍሪቃ ዞባዊ ዳይሬክተር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ደፕሮስ ሙቸና፡ እቲ ውሳነ ንቡዝሓት ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ዘውርድን እዩ ኢሉ።

"ሰብ መዚ ፈዴራልን ክልል ትግራይን ኣብቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘካይድዎ ዘለዉ ኵናት ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ መሰላት ከኽብሩን ህይወት በርጌሳውያን ኣብ ሓደጋ ከይኣቱ ክከላኸሉን ንጽውዕ” ክብል ድማ ኣተሓሳሲቡ።

መግለጺ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብምስዓብ “ሰብ ምስ ካልእ ሰብ ሓሳቡ ናይ ምግላጽን ምዝራብን ሰብኣዊ መሰሉ ስለ ዝኾነ ኣብ ትግራይ ተቋሪጹ ዘሎ ኣገልግሎት ቴሌፎንን ኢንተርኔትን ብቅልጡፍ ናብ ዝነበሮ ክምለስ ንጽውዕ” ይብል።