እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ዝተፈለላየ ዞባታት ኤርትራ ጽዑቕ ግፋ ይካየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ
ርጡባት ምንጭታት፡ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ኣሃዱታቶም ዝኾብለሉ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮነ መንእሰያት ይገፍፍ ከምዘሎ ሓቢሮም።
እቲ ፍጻሜ መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ንነዊሕ ድሕሪ ምፍጣጥ ናብ ኩናት ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ብምዃኑ ዝያዳ ስግኣትን ስክፍታን ከምዝፈጥር እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።
ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝምልከት ቢቢሲ ትግርኛ፡ ንተንታኒ ፖለቲካ ማእከላይ ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓብደራሕማን ኣሰይድ (ኣቡሃሺም) ካብ ዓባይ ብሪጣንያን ከምኡ እውን ንፖለቲከኛ ደስበለ መሓሪ ካብ ኢጣልያን ኣዘራረቡ ኣሎ።
ሕጂ’ኸ ስለምንታይ ግፋ መንእሰያት?
ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንዝሓለፈ ኣስታት 60 ዓመታት ብኩናት ኩናት ብዘስዓቦ ክሳራን ስለዝደኸመ ሕጂ ዳግማይ ውግእን ወረ ውግእን ክሰምዕ ከምዘይግባእ ገሊጾም። ኣቶ ደስበለ መሓሪ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣንጸላልዩ ዝጸንሐ ናይ ኩናት ሃዋህው፡ ጋህዲ ኮይኑ መንግስታት ፈደራልን ክልልን ኣብ ኩናት ምእታዎም ከምዘሕዘኖን ብምግላጽ፡ “ ኣብዚ እዋን’ዚ መንእሰያት ኤርትራ ይግፈፉ ምህላዎም ዝያዳ ዘተሓሳስብን ዘሻቕልን እዩ” ክብል ሻቕሎቱ ይገልጽ።
ዓብዱራሕማን ሰይድ እውን ኣብ ኤርትራ፡ ካብ ሰራዊት ዝኾብለሉን ሃገራዊ ግብኦም ንምፍጻም ናብ መዓስከር ታዕሊም ሳዋ ምኻድ ንዝኣበዩን ምግፋፍ ልሙድ ተርእዮ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እዚ ናይ ሕጂ ግፋ ግን ምስዚ ሕጂ ናብ ኩናት ዝዓረገ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ወጥሪ ክረአ እንከሎ ዝያዳ ኣሻቓሊ ምዃኑ ይገልጽ።
“ ብመሰረቱ እውን ሃገራዊ ኣገልግሎት [ንዓይ] ንመንእሰያት ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ድስፕሊንን ቁጽጽርን ምሓዝ ኮይኑ እዩ ዝስመዓኒ” ይብል።
ብሰንኪ ተኸታታሊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከኣ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ገጠራት ኤርትራ ብዘይካ ዕድመ ዝደፍኡ ሽማግለታትን ቖልዓ ሰበይትን መንእሰይ ከምዘየሎ ይዛረብ።
ስለምንታይ ዳግማይ ኵናት?
ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብኩናት ተዳኺሙ እዩ። ሕጂ ካልእ ኩናት ካልእ ሞትን ስንክልና ዕንወትን ክሳራን ክስከም ዝኽእል ዓቕሚ የብሉን።
ኤርትራ ናጽነታን ሰብኣዊ ክብራን ንምርግጋጽ ኣብ ዘካየደቶ ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ተጋድሎ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ከፊላ። ስርዓታት ሃይለስላሰን ደርግን ከኣ ግዝኣቶም ንከርግኡ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ኣጥፊኦም። ካብ 1998-2000 ኣብ ዝተኻየደ ብዶባት ዝተሳበበ ብዘተ ክፍታሕ ዝነበሮን ብሕጋዊ ኣህጉራዊ ዳንነት ዝተወደአን ኩናት እውን ኤርትራ 19ሽሕ ኢትዮጵያ ኣስታት 70 ሽሕ ብድምር ክልቲአን ኣስታት ሚእቲ ሽሕ ሰባት ኣጥፊአን።
ኣብ ዝተፈለላየ ካበቢታት ኢትዮጵያ ብዓሌታዊ ጎንጽን ግጭትን ዝስዕብ ተደጋጋሚ ሞትን ክሳራን ኣሎ።
ደስበለ መሓሪ፡ ብሰንኪ ኩናትን ጎንጽን ኣሽሓት መንእሰያት ኣብ ህይወቶምን ስድራ-ቤቶምን ከቢድ በሰላ ከምዝወረዶም ይኣምን። “ ኣብ ኩናት ብዙሕ ግዜ ካብ ናይ ወገን ሓይሊ ክንድዚ፡ ካብ ናይ ጸላኢ ከኣ ክንድዚ ሞይቶም እናተባህለ ቁጽሪ ዝሞቱ ጥራሕ እዩ ዝግለጽ። እቶም ሰባት ግን ልዕሊ ቁጽርን ፍቕድን፡ ኣቦ - ኣደ፡ ሓው - ሓፍቲ፡ ዘመድ መቕርብ ውላድ ዘለውዎም እዮም” ይብል።
ዘረብኡ ብምቕጻል ከኣ “ እቶም ኣብ ኩናት ዝሞቱ፡ ገሊኦም ዝናበየዑ ቖልዑን ዝጥወሩ ወለድን ዝገደፉ፡ ገሊኦም ክምለሱወን ሃንቀው ዝብላ መርዑትን ኣዴታትን ዝገደፉ፤ ገሊአም መጻኢ ህይወቶም ብስራሕን ትምህርተን ከመሓይሹ ዝሓልሙ መንእሰያት እዮም” ብማለት ኣብ ነብሲ ወከፍ ደቃ ዝሞቱዋ ኤርትራዊትን ኢትዮጵያዊትን ስድራ ከቢድ ቃንዛን ስቓይን ከምዝሓድር ይገልጽ።
ኣብ ርእሲ ኮቪድን ኣንበጣን ስለምንታይ ኵናት?
ህዝቢ ኢትዮጵያ ከም ብዙሓት ሃገራት ከባቢኡ ብለበዳ ኮቪድን ወራር ኣንበጣን ኣብ ትሕቲ ከቢድ ጸቕጢ እናሃለወ ኲናት ተወሲኹዎ ኣሎ።
ስለዚ እቶም ንህዝቢ ኣብ ዓዘቕቲ ኩናት ዘእትውዎ ዘለው ሓለፍቲ ነቲ ክስዕብ ዝኽእል ኩናት ከስዕቦ ዝኽእል ህልቂትን ጥፍኣትን ተረዲኦም ክቑጠቡ ኣዘኻኺሩ።
“ሕጂ ኩናት ምክያድ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ በሰላን ቁስልን ምጉዳእ እዩ” ዝብል ደስበለ መሓሪ፡ ህዝቢ እምቢ ንኩናት ክብልን ሰላም ንኪሰፍን ክጽዕርን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።
እዚ ኩናት ጎረቤት ንኤርትራ እውን ከይልክማ ብምስጋእ ከኣ፡ “ሕጂ’ኸ ደቂ መን እዮም ክሞቱ፡ ኣዴታት መን እየን ክነብዓ፡ ኣንስቲ መን እየን ጸጉረን ክድርምማ፡ ትማሊ ዝነብዓ ትማል ዝማደያ ኣዴታት እንታይ ረኺበን? ትማል ዝዘኽተሙ ደቂ ስውኣት ቖልዑ መን ቁሊሕ ኢሉዎም። ትማል ኣቦታቶም ኣጥፊኦምሲ ሕጂ ከኣ ደቆም ክስዕቡዎም ገበን እዩ” ብምባል ኣብ ግዳም ዝነብር ህዝቢ፡ ኣህጉራዊ ትካላትን ሕቡራት መንግስታት ነዚ ጉዳይ ብሰላም ንክፈትሑዎ ክጽውዕን ክምሕጸንን ይግባእ ኢሉ።
ተራ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ምብርዓን እዚ ኩናት
ዓብደራሕማን ሰይድ እውን ነጋውስ ሓበሻ ነዞም ህሉዋት ፖለቲከኛታት ሓዊስካ፡ ጉዳዮም ኣብ ክንዲ ብዘተን ልዝብን ሕድገትን ንመቐናቕንቶም ስዒሮምን ኣምበርኪኾምን ጉዳዮም ክውድኡ ከምዝደልዩ ንታሪኽ ምርኩስ ብምግባር ኣረዲኡ።
“ሕብረት ኤውሮጳ እዚ ኩናት ቀልጢፉ ዓሪጉ ዝኸፍአ ክሳራን ህልቂትን ከየኸተለ ነዚ ጉዳይ ግቡእ ኣቓልቦ ሂቡ ከይፈትሖ፡ ኣብ ቤቱን ዞብኡን ዘሎ ፖለቲካዊ ጉዳያት ስለዝውጥጦ ካብኡ ንላዕሊ እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩ ሕብረት ኣፍሪቃ ናይ ሰላም ኮሚሽን ብምቛም ነዚ ጉዳይ ንምፍታሕ ዝለዓለ ተስፋ ኣለዎ” ክብል ርእይትኡ ይገልጽ ዓብደራሕማን።
ደስበለ እውን፡“ዝምልከቶም መራሕቲ ፖለቲካ ጉዳዮም ብዘተን ልዝብን ክፈትሑ እምበር ኩናት ኣዊጆም ህይወት መንእሰያት ከጥፍኡ ኣይግባእን” ክብል እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ኵናት ዝኸፍአ ሳዕቤን ከየምጸአ ማሕበረ ሰብ ዓለም ግቡእ ኣቓልቦ ክህቦ ተማሕጺኑ።