ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ኣጽዲቑ

ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ኢትዯጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ ዝተኣወጀ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ኣጽዲቑ።

ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ትማሊ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ዝወጸአ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣጽዲቑ።

ኣባላት ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ሎሚ ኣብ ዘካየድዎ 6ይ ዓመት ናይ ስራሕ ዘመን፡ ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባ እዮም ነቲ ኣዋጅ ኣጽዲቖም።

ተወከልቲ ክልል ትግራይ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ዘይተረኸቡ እንትኾኑ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ነቲ ቤት ምኽሪ ዕድመ ስልጣኑ ዘብቀዐ ብምባል ዝኾነ ዘመሓላልፎ ውሳነ ተፈጻምነት ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ እዩ።

እቲ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘውጸኦ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ፡ ንሽድሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ እዩ።

እቲ ቤት ምኽሪ 25 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፡ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ፌዴራል ዓንቀጽ 93/1/ሀ ነቲ ህጹጽ ኣዋጅ ክድንግግ ከም ዝተገደደ ኣፍሊጡ።

ነዚ ኣዋጅ ዝፍጽም ብኢታ ማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ዝምራሕ ግበረ ሓይሊ ከም ዝተጣየሸን፡ ካልኦት ኣካላት ከም ዘሳትፉን'ውን ይገልጽ።

እቲ ግብረ-ሓይሊ ተጸዋዕነቱ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ይኸውን ተባሂሉ ኣሎ።

እቲ ኣዋጅ ንእዋናዊ ኩነታት እቲ ክልል ተደሪኹ ከም ዝወጽአ ዝገልጽ እቲ ቤት ምኽሪ፡ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ንምሕላው እዩ ኢሉ።

መንግስቲ ትግራይ፡ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስትርን ክልቲኦም ኣብያተ ምኽርን ካብ 25 መስከረም 2013 ዓ.ም ንደሓር ከም ህልው ኣይቆጽሮን ምባሉ ይፍለጥ።

በቶም ኣብያተ ምኽሪ ኾነ በቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝመሓላለፍ ዝኾነ ይኹን ውሳነታት ድማ፡ በቲ ክልላዊ መንግስቲ ተቐባልነት የብሉን ኢሉ'ዩ።

ክልቲኦም መንግስታት፡ ድሕሪ 25 መስከረም ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ዝተኸላልኡ ኮይኖም፡ ትማሊ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዝርከብ ሰራዊት ሰሜን እዚ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ክብል እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ተዛሪቡ።

ኣብቲ ክልል ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርግጋዕ፡ ብስሩዕ መንግስታዊ ኣሰራርሓ ምፍጻም ኣብ ዘይከኣለሉ ብርኪ ምብጽሑ ድማ መግለጺ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሓቢሩ።

መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ፡ ነቲ ዘይሕጋዊ ዝብሎ መንግስቲ ፌዴራል "ሉእላውነት ሃገር ንሓይልታት ደገ ኣሕሊፉ ዝሃበ ከዳዕ እዩ" ብማለት፡ ምስ ሓይልታት ሰራዊት ሰሜን እዚ ኮይኑ ከም ዝቃለሶ ሎሚ ረፋድ ኣብ ዝውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ዓለምለኸ ትካል ክራይስስ ግሩፕ ክልቲኦም ወገናት ብዘይቅድመ ኩነት ክላዘቡ እንተዘይክኢሎም፡ ናብ ኲናት ከምርሑ ከም ዝኽእሉ ኣጠንቂቑ ነይሩ።