ገዛኢ ሰልፊ ታንዛንያ 99 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ ተዓዊቱ

ኣብቲ ብረቡዕ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምርጫ ታንዛንያ፡ ብመሰረት ክሳብ ሕጂ ዝተቖጽረ ድምጺ፡ ገዛኢ ሰልፊ ሲ-ሲ-ኤም ካብ 220 መናብር እቲ 218 ከምዝተዓወተ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ኣመሪካ፡ ኣብ ውጽኢት ናይቲ ምርጫ "ጥርጣረታት" ከምዘሕደረት ብመንገዲ ኤምባሲኣ ኣፍሊጣ።

ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ብፕረዚደንት ጆን ማጉፊሊ ዝምራሕ ሰልፊ ቻማ ቻ ማፐንዱዚን ፕረዚደንት ጆን ማጉፉሊን ብገፊሑ ይመርሑ ከም ዘለዉ ይግለጽ ኣሎ።

ቀንዲ ተቃዋሚ ሰልፊ ዝኾነ ቻዴማ ኣብቲ ውጽኢት ምጥፍፋእ ከም ዝተኻየደ ብምግላጽ ነቲ ውጽኢት ከም ዘይቅበሎ ብኣግኡ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣብ ታንዛንያ 264 መምረጺ ዞባታት ክህልዉ እንከለዉ፡ ብመሰረት ካብ ኤኤፍፒ ዝተረኸበ ሓበሬታ ፕረዚደንት ጆን ማጉፉሊ ኣብ 32 መምረጺ ዞባታት 85 ሚእታዊት ዓወት ከም ዘመዝገበ ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ገሊጹ ኣሎ።

ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ታንዛንያ ብሓሙስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ “ክሲ ቅንዑነትን ምስቲ ምርጫ ዝተሓሓዝ ምጥፍፋእን ምፍርራሕን” ምንባሩ ገሊጹ።

እቲ ኤምባሲ፡ ኣብቲ ምርጫ ሰባት ደጋጊሞም ክምርጹ ምግባር፣ ኣቐዲሙ ዝተዳለወ መድመጺ ወረቐት ምንባሩ፣ ምእጋድ ተቃወምቲ ሰልፍታትን ምእሳር ተወዳደርትን ከም ዝነበረ ይገልጽ።

ናጻ ተዓዘብቲ መረጻ ድማ ናብ መድመጺ ናቁጣታት ኣትዮም ከይዕዘቡ ምኽልካልን ምዕጻው ማሕበራዊ ሚድያታትን’ውን ከም ዝተራኣየ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

“እዚ ኩሉ ተደማሚሩ እቲ ሰፊሕ ዝተበሃለ ፍልልይ፡ ናይ ብሓቂ ቅኑዕ ድዩ ዝብል ኣብ ምልክት ሕቶ ዝኣቱን ብዓይኒ ጥርጣረ ዝርአን እዩ” ክብል ኤምባሲ ኣመሪካ ገሊጹ።

ኣብ ስልጣን ዘሎ ገዛኢ ሰልፊ ቻማ ቻ ማፐንዱዚ (ሲሲኤም) ኣብ 1977 ተመስሪቱ ኣብ መሪሕነት ምስ ደየበ ክሳብ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ እዩ።

ሰልፊ ቻማ ቻ ማፐንዱዚን ነቲ ካብ 1961 ክሳብ 1977 ገዛኢ ሰልፊ ዝነበረ ሰልፊ ታንጋኒካ ኣፍሪካን ናሽንስ ዩንየን ተኪኡ እዩ ገዛኢ ሰልፊ ኮይኑ።