ንፈረንሳይ ዘቕሐረ ርእይቶ ፕረዚደንት ቱርኪ

ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶዋን፡ ኣብ ልዕሊ መዘናኡ ፕረዚደንት ፈረንሳይ ዝሃቦ ርእይቶ ቅርሕንቲ ኣስዒቡ።

ፕረዚደንት ኤርዶዋን፡ ንፕረዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ናይ ኣእምሮ ጥዕና ምርመራ ክገብር ኣለዎ ብምባል እዩ ኣናኢስዎ።

እዚ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፈረንሳይ ቁጥዐ ዝፈጠረ ኾይኑ፡ ኣምባሳደር ቱርኪ ኣብ ፈረንሳይ መብርሂ ክህበሉ ተሓቲቱ ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት እዚ ዓይነት ዘቖጥዕ ርእይቶ ዝሃበ ምስ ምሕላው ‘ዓለማዊ ክብርታትን ምውጋእ ጥሩፍነትን’ ኣመልኪቱ እንትዛረብ እዩ።

ፕረዚደንት ፈረንሳይ ማክሮን፡ ኣብ ፈረንሳይ ሓደ መምህር ብኣኽረርቲ ሰዓብቲ እስልምና ድሕሪ ምስያፉ፡ ዓው ኢሉ ምዝራቡ ነዚ መበገሲ ኮይኑ።

እቲ መምህር፡ ናይ ነብዪ መሓመድ ካርቱን ስእሊ ብምርኣይ ኣናሽዩ ብዝብል እዩ ክቕተል ዝኸኣለ።

እዚ ድማ፡ ኣብታ ሃገር ዓብዪ ምድንጋጽ ዝፈጠረ ኾይኑ፡ እቲ ጥርጡር ብፖሊስ ዘተቐትለ ኾይኑ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ተምሃሮን ወለድን'ውን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።

ማክሮን፡ ነቲ ተጓንፎ ስዒቡ ፡ “ፈረንሳይ ካርቱን ምጥቃም ጠጠው ኣይተብልን” ዝብል ርእይቶ ሂቡ ነይሩ።

ፕረዚደንት ታዪፕ፡ ነዚ ኣበሃህላ እዩ ምላሽ ዝሃበ። ብመሰረት እምነት እስልምና፡ ስእልታትን ምስልን ነብዪ መሓመድ ኮነ ኣላህ ምርኣይ ክልኩል እዩ።

እንተኾነ ፈረንሳይ፡ እዚ ናይ ሓደ ማሕበረሰብ ክብሪ ክትሕሉ ክትብል ‘ሓሳብ ናይ ምግላጽ መሰል’ ክትክልክል ይኸብዳ እዩ ኢሉ-ፕረዚደንት ማክሮን።

እዚ ብዝምልከት ዝተሓተተ ፕረዚደንት ኤርዶዋን፡ “እዚ ማክሮን ዝበሃል ውልቀሰብ ምስ እስልምናን ሙስሊም ማሕበረሰብን እንታይ እዩ ጸገሙ?” ኢሉ።

“ናይ ኣእምሮ ናይ ጥዕና መርመራ ክገብር ኣለዎ” ድማ ኢሉ።

“እሞኸደኣ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ንዝነብሩ ሰዓብቲ ሓደ እምነት ክብሪ ዘይህብን ክብሪ ሓደ እምነት ንዘየግድስን ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ክብሎ?” ክብል ድማ ነቲ ወሲኽሉ። ነዚ ስዒቡ እዩ’ምበኣር፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ፈረንሳይ፡ ንኣምባሳደር ቱርኪ መብርሂ ክህብ ዝተጸወዐ።“

ርእይቶ ኤርዶዋን ቅቡል ኣይኮነን። ትርፊ ዘረባን ጸርፍን መይላ ፖለቲካ ኣይኮኑን። ኤርዶጋን እዚ ፖሊሲኡ ክቕይር ንጽበ” ኢሉ ሓደ ካብ ሓላፍቲ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት፡ ምስ ኤኤፍፒ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት።

ኤርዶዋን፡ ኤከይ ዝበሃል ፖለቲካዊ ውድቡ ሒዙ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ጀሚሩ፡ እስልምና ሃይማኖት ናብቲ ቀንዲ ፖለቲካ ክሓውስ እዩ ዝጽዕር ዘሎ።