ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ብምጥሓስ ነንሓድሕደን ተኻሲሰን

ኣብ ኩናት ዘለዋ ሃገራት ኣርመንያን ኣዘርባጃንን፡ ኣብ’ቲ ዘሰሓሕበንን ናብ ኩናት ዘእተወንን ዞባ ናጎርኖ-ካራባካህ ተኹሲ ደው ከብላ ተሰማሚዐን ነይረን።

እንተኾነ፡ ኣብ ቃለን ኣይጸንዓን፡ ነንሓድሕደን ድማ “ነቲ ስምምዕ ጥሒሳቶ” ብዝብል ይካሰሳ ኣለዋ።

ክልቲአን ሃገራት፡ ካብ ቀዳም ፍርቂ ለይቲ ኣትሒዙ ተኹሲ ደው ከብላ እየን ተሰማሚዐን ነይረን።

ውሃቢት ቃል ሰራዊት ኣርመንያ ግን፡ ኣዘርባጃን ድሕሪ ኣርባዕተ ደቓይቕ ተወንጨፍቲ ብምትኳስ ነቲ ስምምዕ ኣፍሪሳቶ ኢላ።

ኣዘርባጃን ድማ ጽንሕ ኢላ፡ ‘ኣርመንያ እያ ነቲ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ኣፍሪሳቶ’ ኢላ።

ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም’ውን፡ ብኣሸማጋልነት ሩስያ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ተፈራሪመን ነይረን እየን።

እንተኾነ፡ እቲ ኩናት ቀጺሉ እዩ ዘሎ።

ሶቭየት ሕብረት ኣብ 1991 ቅድሚ ምብትታና፡ ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ኣካል ሶቭየት ሕብረት እየን ነይረን።

ኣዘርባጃናውያንን ኣርመናውያንን፡ ብሰንኪ እቲ ናጎርኖ-ከራባክ ዝበሃል ዞባ፡ ንኣስታት ኣርበዓ ዓመት ኣብ ምስሕሓብ እዮም ዘለዉ።

እቲ ቦታ፡ ናይ ኣዘርባጃን ምዃኑ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ኣለዎ። ግን ከኣ፡ ደቂ ኣርመንያ እዮም ዝነብሩሉ።

ክልቲአን ሃገራት፡ ድሕሪ ናይ ሽድሽተ ዓመት ደማዊ ኩናት ዶባት፡ ኣብ 1994 ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ምስፈረማ ዓብዪ ጎንጺ ከየጋጠመ እዩ ጸኒሑ።

እቲ ሕዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩናት ኸኣ፡ ኣብ’ቲ ዞባ ድሕሪ 1994 ተራእዩ ዘይፍለጥ እዩ።