"ንሕና ኣብ 19 ዓመታት፡ ክንደይ ገዛን ሃገርን ቀይርና ኣለና፡ ንሱ ግን ምስ ሞቚሑ ኣብኣ’ሎ" ዳንኤል ኣስራት

ኣብዚ እዋን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ዝነብር፡ ንጋዜጤኛን ገጣምን ኣማንኤል ኣስራት ምንኣሱ ሓዉ፡ ዶክተር ኢንጂነር ዳንኤል ኣስራት ‘ንሕና ኣብ 19 ዓመታት፡ ክንደይ ገዛን ሃገርን ቀይርና ኣለና፡ ንሱ ግን ምስ ሞቚሑ ኣብኣ’ሎ’ ይብል ንኣስታት 20 ዓመት ደሃይ ሓው ብዘይምርካቡ እናስተንተነ።

ካብ 2001 ጀሚሩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከብ ጋዜጤኛ ኣማንኤል ኣስራት፡ ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ብፔን ዓዲ እንግሊዝ “ ተባዕ ጸሓፊ 2020 ፔን ቲንተር” ኮይኑ ምርቁሑ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብቲ ጉዳይ ብዝምልከት ቢቢሲ ትግርኛ ምስ ምንኣሱ ሓው ቃለ መሕተት ኣካይዱ ኣሎ።

ቢቢሲ፡ዕላልና ብዛዕባ ሓውኻ ኣማንኤል ኣስራት'ዩ። እስከ ብዛዕባ ኣተዓባብያኡን ድሕረ ባይትኡን ንገረና። መዓስ፡ ኣበይ፡ ተወሊዱ ዓብዩን ተማሂሩን?

ዶክተርዳንኤልኣስራት፡ ኣማንኤል ኣብ ሓምለ 1971 ኣብ ኣስመራ፡ ማእከላይ ሰፈር ወይ ገዛ ባንዳ ሓበሻ ተወሊዱ፡ ኣብኡ ድማ ዓብዩ። ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ፡ ቀዳማይ ደረጃ ኣብ ሰሜናዊት ኣስመራ ኣብ ዝበሃል ኣብ ሓዝሕዝ ትርከብ ኣብ ዝነበረት ቤት ትምህርቲ ናብኡ ከይዱ ክሳብ 6ይ ተማሂሩ። ብድሕሪኡ ኣብ ኣኽርያ እንዳ ሽወደን 7ይን 8ይን ተማሂሩ። ብድሕሪኡ ኣብቲ እዋን እቲ ሳንታ ኣና ዝበሃል ዝነበረ ኣብዚ እዋን ቤት ትምህርቲ ሰማእታት ዝብሃል ዘሎ ካልኣይ ደረጃ ተማሂሩ።

ብድሕሪኡ ነጥቢ ኣምጺኡ ኣብ ባህረ ዳር ዩኒቨርስቲ ከይዱ። ኣጋጣሚ ህወሓት ንባህርዳር ምስተቖጻጸራ፡ ብ1990 ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ። ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ 1992 ናይ ዩኒቨርስቲ ትምህርቱ ንምቕጻል ናብ ኣስመራ ዩኒቨስቲ ኣትዩ። ኣብ 1996 ከኣ ብዓውደ መጽናዕቲ ሓመድን ዕቃበ ማይን ብዲግሪ ተመሪቑ።

ቢቢሲ፡ ክንደይ ኣሕዋት ኢኹም ዘለኹም፡ ኣማንኤልከ መበል ክንደይ እዩ?

ዶክተርዳንኤልኣስራት፡ ስድራ ቤት ኣስራት መብራህቱን ኣብርጽየን ሃይለን ሸውዓተ ቖልዑት ኢዮም ወሊዶም። ኣማንኤል ምንኣስ በዂሪ ክኸውን እንከሎ፡ ኣነ ከኣ ምንኣሱ እየ።

ቢቢሲ፡ ሓፈሻዊ ነሕዋትካ ብንእሽትኦም እንከለዉ ትዝክረሉ ነገር ኣሎ፡ ንስኻ ከኣ ምስ ኣማንኤል ከም ምዕባይን ምንኣስን ኣሕዋት ናይ ቁልዕነትኩም ክትዝክር እንከለኻ ኣብ ርእስኻ ብልጭ ዝብል ሓሳብት እንታይ እዩ?

ዶክተርዳንኤልኣስራት፡ እወ ብዙሕ ነገር ብሓደ ኢና ዓቢና ከም ምዕባይን ምንኣስን ፍቕርን ከምኡ’ውን ናይ ቑልዕነት ነገር እናተባኣስካ፡ እናተጻረፍካ፡ እናተጻወትካ ኢኻ ትዓቢ።

እቲ ዝኽሪ ብዙሕ’ዩ ኡፍ! [ነዊሕ ምስትንፋስ] ኣማንኤል ከም ሰብ ትሑት እዩ፡ ብተፈጥርኡ በሊሕ እዩ። ወላ ኣብ ቁልዕነቱ ፍሉይ እዩ ነይሩ። ምናልባት ንኣማንኤል ሓዉ ኮይንካ ክትገልጾ ቁሩብ ክብድ ይብል’ዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ሰማዒ፡ ከምዚ ናይ ሓዊ ጌርካዮ ተጋንኖ ዘለኻ ኮይኑ ክስምዖ ይኽእለ እዩ። ኣማንኤል ብተፈጥርኡ ፍሉይ ዓይነት ዓቕምታትን ፍሉይ ዓይነት ብስለትን'ዩ ነይርዎ።

ካብ ብንእሽትኡ መጽሓፍ ምንባብ ይፈቱ ነይሩ፡ መጽሓፍ ምንባቡ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ዘንበቦ ምስ ኣሕዋቱ፡ ካብኡ ወጺኡ እውን ምስ ደቂ ገዛውቱ 'ሼር' ይገብሮ ነይሩ።

ሕጂ እቲ ፍሉይነቱ፡ ኣብቲ ናይ ምግላጽን ናይ ምዕላልን ተኽእሎኡ እዩ። ነቲ ዘንበቦ መጽሓቲ ክትንትኖን ክገልጾን እንከሎ ባዕልኻ ኣንቢብካ እውን ከምኡ ኣይትዓግበሉን ኢኻ። እቲ ክእለቱ ኣብ መተዓብይትና፡ ደቂ ገዛውትና ብዙሕ ግዜ ዝዛረቡሉ ዝነበሩ ንሱ እዩ። ኣብ ግዜ ቘልዕነቱስ ካበይ ኣምጺእዎ፡ እዚ ከምዚ ዓይነት ብልሕን ተውህቦን ክሳዕ ትብል’ዩ ዝገብረካ።

ካልእ ኣብ ትምህርቱ ዝነበሮ ተገዳስነት’ዩ፡ ኩሉ ግዜ 1ይ እዩ ዝወጽእ ነይሩ። ኣብ ክፍሉ 2ይ ወይ 3ይ ዝወጽአሉ ግዜ ኣይዝከረንን'ዩ።

ዳርጋ ምንኣስ በዂሪ እውን ስለዝኾነ ነቶም ምንኣሱ አሕዋት ኣርኣያ ኮይኑና። ንኹላትና ኣነ’ውን ከምዚ ክገብር ኣለኒ፡ ኣነ’ውን ብልጫ ከምጽእ ኣለኒ ዝብል ናይ ምባል ውድድር መንፈስ ኣሕዲሩልና። ብኹልንትናኡ በቃ ኣርኣያ ዝኾነና ሓዊ እዩ ነይሩ።

ቢቢሲ፡ምናልባት ግን ብፍሉይ ኣብ ርእስኻ ዝመጽእ ይህሉ እንድዩ ከምዚ ኣቐዲመ ኣልዒለያ ዝጸናሕኩ ምዕባይን ምንኣስን የሕዋት ኮይንካ፡ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ይቀንኣሉ፡ ወይ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ይብድሎ'ሞ፡ ብንእሽተይ ከለኹስ ብኻ እዚኣ ኢለዮ ወይ ብኻ እዚኣ ዘይገበርኩዎ እትብሎ ነገር እንተሃልዩ?

ዶክተርዳንኤልኣስራት፡ እወ ብርግጽ ብዙሕ እዩ፡ ሕጂ ሓደ ኣብነት ኣምጺአ እዚ ክብል የጸግመኒ’ዩ።

ብሓፈሻ እንታይ ይሓስብ ምናልባትሲ ብዙሕ እጽዕር ነይሩ እዩ። ንሕና እውን ነቲ ናቱ መንገዲ ክንክተል ደሓር’ውን ካልእ ክጉንጸካ ወይ ክሕይለካ ዝኽእል ሓዊ ኣይነበረን ኣማንኤል። ብጣዕሚ እዩ ዝገርመኒ። ኣነ ሕጂ ደቂ ኣለውኒ። ኣብኦም ክርእዮ እንከለኹሲ ይተዓማመጻ’የን፡ እቲ ዕብይ ዝበለን ንቲ ንእሽቶይን ክዕምጽ ገለ ትርኢ ኢኻ። ኣብ ኣማንኤል ከምኡ ዓይነት ኣይነበረን፡ ፍቕሪ እዩ። ብኣንጻሩ ንስኻ ኢኻ ትዕምጾ።

ሕጂ ይስመዓካ እዩ። ምናልባት እቲ ፍቕሪ ከምቲ ንሱ ዘርእየና ዝነበረ ገሊጽናሉ’ዶ ንኸውን? ንሕናኸ ኢለ ይሓስብ’የ። ኪንኡ ፍቕሪ ከነርእዮ ንኽእል ኔርና ኢልካ ብሓፈሻ ትሓስብ። እዚ ኩሉ ግዜ ዝሓስቦ’ዩ።

ቢቢሲ፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እቲ መርኣያ ናይቲ ኣብ ትምህርቲ ንፉዕ ምንባሩ ብዝለዓለ ነጥቢ እዩ ተመሪቑ። ብማህደረ ትምህርቲ ናይ ማስተርስ ትምህርቲ ክመሃር ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ምብጋሱ እዩ ኸኣ ተኣሲሩ። እሞ ኣብቲ ናይ ትምህርቲ ከምቲ ናይ ዓቢ ሓውኹም ናቱ ኣሰርዶ ስዒብኩም? ኣብ ናቱ ደረጃ በጺሕኩም’ዶ?

ዶክተርዳንኤልኣስራት፡ እዋይ! ኣነ ኣጋጣሚ’ውን ኣብቲ ንሱ ዝተመረቐሉ እዋን እየ ብትምህርቲ ናብ ሃገረ ሩስያ ከይደ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሓደ ትካል ናይ ኢንጅነሪን ዳይረክተር ኮይነ እየ ዝሰርሕ ዘለኹ።

ብርግጽ ከምኡ ክትከውን ሓያል እዩ። ከም ኣማንኤል ክትከውን ናይ ተፈጥሮ ነገር እዩ ብዙሕ ርኢኻ፡ ሕጂ ተመሊስካ ነቲ ናይ ኣማንኤል ዝነበሮ ተውህቦ ክትርእዮ እንከለኻ፡ ብኹለንትኡ ኣብ ጽሑፍ ጥራሕ ዘይኮነ ወላ ኣብ ስነ-ፍልጠት ዝነበሮ ብልጫ ተኣምር እዩ። ኣነስ ክበጽሖ'ውን ኣይክእልን’የ።

በቃ ምስኡ ዝተፈጠረ ተውህቦ’ዩ ነይርዎ። ኣብ ኩሉ ከኣ እዩ ኣድማዒ ነይሩ። ኣብ ምምህርና ንባዕሉ ፍሉይ እዩ ነይሩ። ብኣጋጣሚ ብሓደ ኢና ንመሃር ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ኣቲና ነይርና። እቲ ዝነበሮ ብልጫ እቲ መንፍዓቱ ጥራሕ ዘይኮነስ ንሱስ ልዕሊ እቲ መምህር ነቶም ተምሃሮ ከረድኦም ብቕዓት ነይርዎ። ሕጂ ብርግጽ እቲ ኣብነቱ ተኸቲልና ኢና። ግን እቲ መንፍዓት ናይ ተውህቦ ነገር እውን ስለዝኾነ ማዕሪኡ ክትወዳደር ከምኡ ክትከውን ኣይትኽእልን ኢኻ።

ጦብላሕታ ብጾቱ

ፈጻሚ ዳይረክተር ፔን ኤርትራ ነበር ጋዜጤኛ ኣብርሃም ተስፋልኡል

ኣማንኤል ኣስራት ኣብ ስነ-ጽሑፍ ኤርትራ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበረ’ዩ ብሕልፊ ኣብቲ ትንሳኤ ስነ ጽሑፍ ናይ ኤርትራ ኣብቲ ብሕልፊ ናይ ድሕሪ ክልተ ሽሕ ዝጀመረ ናይ ግጥሚ ምብርባር፡ ብነብሱ ከም ጸሓፊ፡ እሞ ኣሰናዳእን ናይ ጋዜጣ ናይ ዘመን፡ ሓደ ካብቶም መስረቲ “ቁርሲ ቀዳም ኣብ ጥዓሞት” እትብል መደብ ናይ ስነ-ጽሑፍ፡ ደሓር እውን ናብ ካልእ ዓድታት፡ ናብ ኩሉ ከተማታት ዝለሓመ ወሳኒ ተራ ስለዝገበረ፡ በዚ እዩ ተረቊሑ።

ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት፡ ኩሉ ግዜ ነቶም ጸሓፍቲ ከምዛ ዘይነበሩ ንክርስዑ እዩ ዝጽዕር። ናይ ኣማንኤል ግን ድሮ ኣብ ምሉእ ዓለም፡ ኣብ ዓበይቲ መራኸቢ ብዙሃን ይቃላሕ ኣሎ። እዚ ዓይነት ሸፈነ ምርካቡ፡ ኩሉ ሰብሲ፡ ‘ከምዚ ዝበለ እባ ኣሎ’ዩ፡ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት እባ ኣለዉ እዮም ኢሉ ንኽሓስብ ዝድርኽ እዩ። ሰብ ብእኦም ተገዲሱ ክሓትት ምስ ጀመረ፡ ብዛዕባ ኤርትራ፡ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ክሓትት’ዩ። እዚ ከኣ ንፐን ኤርትራ ዓቢ ዓወት’ዩ፡ ዓቢ ሽም’ዩ። ብመሰረቱ ከኣ ናይ ፐን ኤርትራ ስራሕ እዩ።

ቅድሚ ፐን ኤርትራ ምጅማሩ እዞም ጸሓፍቲ እዚኦም ብዘይካ ስምን ቁጽርን ካልእ ወላ ሓደ ግምት ኣይነበሮምን። ወላ ሽሞም’ውን ብግቡእ ይጸሓፍ ኣይነበረን። ብዘይካ ዳዊት ኢሳቕ ንሱ ከኣ ሽወደናዊ ዜግነት ስለዘለዎ። ስለዚ ፐን ኤርትራ ነዚ ተዓፊኑ ዘሎ ድምጺ ዓቢ ነገር ኮይኑ እስምዓኒ።

ተማሃራይ 11 ከለኹ ኣትሒዘ ኣብ ጋዜጣ ዘመን፡ ብንእሽተይ ዓቕሚ ይጽሕፍ ነይረ። ደሓር ኣብ ዩኒቨርስቲ ቀዳማይ ዓመት ምስ ጀመርኩ ብቐጻሊ ይጽሕፍ ነይረ። ሕጂ እቲ መሰረት እውን ቅድሚ እቲ ናብ ቀዳምን ረቡዕ ክልተ ሕታም ምስ ኮነት’ውን፡ እታ ናይ ረቡዕ መደብ ኣነን ብጾተይን ክንሕዛ መደብ ነይሩ። ተማሃሮ ኒዩኒቨርስቲ ኣብ ዝነበርናሉ ኣብ ገልዓሎ ስለዝተኣሰርና፡ ንሳቶም ዕለት 23 እዮም ተኣሲሮም፤ መስከረም 2001 ማለት’ዩ። ንሕና ከኣ 21 ወይ 22 ኣቢልና ካብ ገልዓሎ ንኣስመራ መጺእና። ሽዑ ቅድሚ ምእሳሩ ሓንቲ መዓልቲ ተራኺብና ነይርና።

ኣማንኤል ኩሉ ግዜ ህዱእ’ዩ፡ ዝኾነ ናይ ህዉኽ ነገር ኣይትርእየሉን ኢኻ፡ ኣመዛዚኑ እዩ ዝኸይድ።

ተዋዛያይ እዩ። ኩሉ ግዜ መጠኑ ዝሓለፈ ልግሲ ኣለዎ። እሞ ከኣ ሂቡ እንከሎ ሂበ ዘይብል ዓይነት ሰብ’ዩ።

ቢቢሲ፡ ጽቡቕ፡ ቅድሚ ብዛዕባ ማእሰርቱ ምዝራብና ናይ 90 ተዳጋዳላይ እዩ ነይሩ። እቲ ዕድመ እውን እንተርኢናዮ ኣብቲ ዝተኣሰረሉ ኣዋን ወዲ ሰላሳ ዓመት'ዩ ነይሩ፡ ኣማንኤል ተመርዕዩ’ዶ? ወሊዱ’ዶ?

ዶክተርዳንኤልኣስራት፡ ኣማንኤል ኣይተመርዓወን፡ ኣብቲ እዋን ዝተኣስረሉ ንሕጸ ይቀራረብ ነይሩ። ኮይኑ ግን ኣይተመርዓወን ኣይወለደን። ከምዚ ዝበልካዮ ብ71 እንድዩ ተወሊዱ፡ ኣብ 2001 ልክዕ ወዲ 30 ዓመት እዩ ነይሩ። ወዲ 30 ዓመት እንከሎ እዩ ድማ እዚ ኹሉ መኻልፍ ኣጋጢምዎ።

ቢቢሲ፡ እቲ ዝተኣስረሉ እዋን ወይ እቲ ናይ ጋዜጣ ዘመን ኣሰናዳኢ ኮይኑ ኣብ ዝጽሕፈሉ ዝነበረ እዋን፡ ካብ ገዛ እንታይ ዓይነት ርእይቶ ነይሩ? ብስክፍታ፤ዶ ይጥምትዎ ነይሮም፡ ይድግፍዎ’ዶ? ምኽንያቱ ጋዜጣ ዘመን ቤት ጽሕፈት እውንስ ስለዘይነበራ ካብተን ካልኦት ጋዜጣታት እታ ዝተወጸዐት ጋዜጣ’ያ እዮም ዝብሉዋ ነይሮም ተኸታተልታ።

ዶክተርዳንኤልኣስራት፡ ኣነ ኣጋጣሚ ኮይኑ እተን ጋዜጣታት ቅድሚ ምጅማረን’የ ካብ ኤርትራ ወጺአ። ከመይ ይምዕብል ነይሩ ብዙሕ ኣፍልጦ የብለይን። ግን ከምዚ ሕጂ ዝንገረኒ ካብ ዝተፈላለዩ ኣዕሩኽቱን ካብ ስድራ ቤትን ዝሰምዖ፡ እወ እቲ ስድራቤት ስክፍታ ነይርዎ።

ኣብቲ ናይ ዓቕሚ ጉዳይ ማእከላይ እቶት ዝነበሮ ስድራ ቤት ስለዝኾነ ንኣማንኤል ልዕሊኡ ሓገዝ ክገብረሉ ኣይከኣለን። ግን ኣማንኤል ናይ ህዝቢ እዩ። ናይ ስድራ ቤት ጥራሕ ኣይነበረን። ዳርጋ ካብቲ ዝጎበዘሉ እዋናት ኣትሒዝካሲ፡ ኣማንኤል ካብ ምስ ደቂ ገዛውቱ ዝያዳ ምስ ካልእ ይቐርብ። ካብ ምስ ስድራ ቤቱ፡ ዝዓበኹሉ እዋን ከም ኩሉ ዝፈልጦ ዝጠቕሶ’ውን ኣማንኤል ብጣዕሚ ምስ ኩሉ ሕዉስ ዝኾነ ባህሪ ነይርዎ። ንዝኾነ ሰብ ዓርኪ ክገብር ዝኽእል ሰብ’ዩ ነይሩ። ግን ናይ ጥቕሚ ሰብ ኣይነበረን። እምበር ንባዕሉ እውን ብዙሕ ነገራት ከመሓይሽ ዝኽእል ነይሩ ይብል።

ኣማንኤል ማለት ለጋስ’ዩ፡ ንጽጉም ናይ ምርዳእ ብጣዕሚ ድሌት ኣለዎ። ንዝረኸቦ መተዓብይቱ፡ ንዝተጸገሙ ሰባት ስለዝሕግዝ፡ ምናልባት ንሱ ዝፈጠሮ እውን ክኸውን ይኽእል’ዩ እቲ ኣብ ጋዜጣኡ ዝነበረ ማህሰይቲ።

ንስክፍታ ብዝምልከት ከኣ ስክፍታ ነይሩ። ኣነ’ውን ኣብቲ እዋን’ቲ ምናልባት እቲ ክመጽእ ዝኽእል ነገራት ሓሲበ ክነግሮ ነይሩኒ ዝብሎ ዘጣዕሰኒ ነገር ኣሎ።

ቢቢሲ፡ ኣማንኤል ክእሰር እንከሎ ንስኻ ከምዚ ከተዕልለኒ ዝጸናሕካ ኣብ ሩስያ ዲኻ ነይርካ?

ዶክተርዳንኤልኣስራት፡ እወ ኣብ ሩስያ እየ ነይረ።

ቢቢሲ፡ ማእሰርቱ ብኸመይ ሰሚዕካዮ? ክእሰር ይኽእል'ዩ ዝብል ትጽቢት’ከ ነይሩካ’ዶ?

ዶክተርዳንኤልኣስራት፡ ብርግጽ ኣይጽበን እየ ነይረ። ኩሉ ነገር ብህጹጽ እዩ ተፈጺሙ። ኣብ ሓጺር እዋን ብዙሕ ነገር’ዩ ተቐያይሩ።

መጀመርያ ማእሰርቲ ናይቶም ብG-15 ዝፍለጡ ሰበ ስልጣናት መጺኡ። ብድሕሪኡ ኣይጸንሑን ዳርጋ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ ኣቢሎም በዓል ኣማንኤል ተኣሲሮም። ከቢድ እዋን እዩ ነይሩ። እቲ እትሰምዖ ዕላላት፡ ክስቶ ተኣሲሩ፡ ክስቶ ከምዚ ኮይኑ፡ ክስቶ ንደገ ወጺኡ ዝብል እዩ። ናይ ኣማንኤል ብርግጽ ኣይተጸበኹዎን። ግን ወላ እንተኾነሲ ኣነ ይኹን ኩሉ ስድራ ቤትና ንሓጺር እዋን እዩ ዝኸውን ኢልና ኣቕሊልና ኣቢልና ኢና ወሲድናዮ። ክሳብ ክንድዚ ዝኣክል ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሑ እዮም ኢልናሲ ፈጺሙ ኣብ ሓንጎልና ኣይነበረን።

ቢቢሲ፡ ኣብ ስደት ምስ ምንባርካ፡ ማእሰርቲ ናይ ኣማንኤል ካብ መን ሰሚዕካዮ?

ዶክተርዳንኤልኣስራት፡ መጀመርያ፡ እቲ ኣብቲ እዋን ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ ቆንስል ዝነበረ’ዩ ነጊሩኒ። ናይ ኣማንኤል ዘይኮነስ ብሓፈሻ እቲ ናይ ማእሰርቲ ጉዳይ። ሕጂ ኣነ ድማ ኣማንኤል ኣብቲ ጋዜጣታት ጀሚሩ ምንባሩስ ፈሊጠ ነይረ። ሕጂ ነዚ ምስ ሰማዕኩ ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ጀርመን ንዝነበረ ኣኮይ ደዊለ ብዛዕባ ኣማንኤል ደሃይ ኣለካ ድዩ ኢለ ሓቲተዮ። ሽዑ ንሱ እዩ ኣስፍሕ ኣቢሉ ነጊሩኒ።

ቢቢሲ፡ ኣቦን ኣደን ህልዋት ድዮም? ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ ትሸዓተ ዓመታታት ብዙሕ ነገር ክቀያየር፡ መርዓ ወይ ሓዘን ከጋጥም ይኽእል እዩ’ሞ ኣብ ገዛኹም ዝተፈጥረ ነገር እንታይ ኣሎ?

ዶክተርዳንኤልኣስራት፡ እወ ኩሉ ግዜ ሓዘንን ሓጎስን መኻይድትና - መናብርትና’ዩ። ንኣማንኤል ምንኣሱ ክልተ ኣሕዋተይ ብድሕሪኡ ተመርዕየን። ዳርጋ እቲ ስድራ ቤት እውን ኩሉ ፋሕፋሕ ኢሉ ኣብ ስደት እዩ ዘሎ። ኣቦይን ኣደይን ኣብ ሃገረ ጀርመን ኣለዉ። ኣነ ምስ ካልኦት ክልተ ኣሕዋተይ ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ኣለና።

ቢቢሲ፡ ምስ ወለድኻ ከተዕልል ከለኻ ጉዳይ ኣማንኤል ክልዓል ግድን እዩ’ሞ፡ ኣማንኤል፡ ኣብ ዕላል ናይ ስድራ ክልዓል እንከሎ ኣብቲ ገዛ እንታይ ዓይነት ስምዒታት ይነግስ?

ዶክተርዳንኤልኣስራት፡ እወ ከቢድ’ዩ - ምኽንያቱ ኣማንኤል ሕንቁቕ እዩ ነይሩ። ምንኣስ በኹሪ ደኣ ይኹን እምበር ብጣዕሚ ብሱል እዩ። ተጻዋታይ፡ ተጫራቓይ፡ ካብ ብንእሽትኡ ከምዚ ዝበልኩኻ ዓመጽ ኣይፈቱን እዩ። ምጽዋት ምስሓቕ ጥራሕ። ከምኡ ዓይነት ባህሪ ስለዝነበሮ ኣብቲ ስድራ ፍሉይ ጦብላሕታ ነይርዎ። ወለድና ጥራሕ ዘይኮነ ነብሲ ወከፍ ኣባል እታ ስድራ እዩ ዘድንቖን ዝፈትዎን።

ስለዚስ ሽም ኣማንኤል ክለዓል እንከሎ፡ ኩሉ ግዜ ብዙሕ ነገራት እዩ ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝመጸካ። እቲ ጭርቃኑ፡ እቲ ጸወትኡ ይረኣየካ።

ቢቢሲ፡ መንፈስ ወለድኻ ንከይርበሽ ኢልካ እትሓብኦ ነገር ይህሉ’ዶ ይኸውን? ኣሎ ሙሽ ካብ ወለዲ፡ ገለ ሕቶታት ክለዓል እንከሎ ትሃድመሉ ዛዕባ? ወይ ብዛዕባ ኣማንኤል ክለዓል እንከሎስ እዚ ኣርእስቲ እእንተዘይለዓል ትብሎ ነገር እንታይ ኣሎ?

ዶክተርዳንኤልኣስራት፡ እወ፡ ንዓመታት ምሳኻ ዝዓበየ ሰብ ከየልዓልካዮ ክትሓልፍ ኣይትኽእልን ኢኻ። እሞ ከኣ ንኣማንኤል ዝኣከል ሰብ ምስቲ ኩሉ ፍሉይነቱ ኣብ ዝኾነ ዕላል ስድራ ኣሎ። ልዕለይ ከኣ ንኣማንኤል ንሳቶም ይፈልጥዎ። ብፍላይ ኣነ፡ ኣብቲ ንሜዳ ዝወጻእኩሉ እዋን ንእሽተይ እየ ነይረ። ስለዚ ምስ ወጻእኩ ኣብ ብዙሕ ነገራት ልዕለይ ምስኦም ብዙሕ ግዜ አሕሊፉ እዩ።

ቢቢሲ፡ ናብ ገድሊ ወጺእካ ኔርካ ዲኻ? መዓስ ኢኻ ተሰሊፍካ?

ዶክተርዳንኤልኣስራት፡ ኣነ ኣብ 1988 ወዲ 12, 13 ዓመት ኣቢለ እየ ንሜዳ ከይደ።

ቢቢሲ፡ እሞ ናብ ቤት ትምህርቲ ሰወራ’ዶ ኣቲኻ?

ዶክተርዳንኤልኣስራት፡ እወ ናብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ከይደ።

ቢቢሲ፡ ኣማንኤል'ውን ኣብ 1990 ናብ ሰውራ ምስ ተሰለፈ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ እዩ መምህር ኮይኑ ዝሰርሕ ነይሩ’ሞ ይምህረካ’ዶ ነይሩ ይኸውን ወይ ትራኸቡ’ዶ ነይርኩም?

ዶክተርዳንኤልኣስራት፡ እወ፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ስነ ኪነት እየ ነይረ። ንሱ ከኣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ነይሩ። ኣብቲ እዋን እቲ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዳርጋ ተኸፋፊሉ እዩ ነይሩ። ሓደ ኣካሉ ኣብ ዓራግ’ዩ ነይሩ። ኣማንኤል ሓወይ’ውን ኣብ ዓራግ’ዩ ዝምህር ነይሩ።

ቢቢሲ፡ ናብታ ኣቐዲምና ኣልዒልናያ ዝነበርና ሕቶ በል ንመለስ?

ዶክተርዳንኤልኣስራት፡ ምስ ስድራ ብዛዕባ ኣማንኤል ነዊሕ እዩ ዝዕለል። ግን ከኣ ብሓፈሻ ክለዓል እውን ኣይትደልዮን ኢኻ። ግን ኣብ ዝኾነ ዕላል ኣማንኤል ክለዓል ባህርያዊ እዩ።

ነቶም ወለዲ ካብኡ ከተልግሶም ኢኻ ትደሊ። ምኽንያቱ ኣብ ምስትንታንን ምስቁርቋርን እዩ ዘእትዎም ኢልካ ስለትሓስብ ። ከምኡ ከኣ እዩ።

ኩሉ ግዜ ምልዓል ዘይተርፍ እዩ። ግን ንውሕ ናብ ኣማንኤል ዘተኮረ ንውሕ ዝበለ ዕላላት ክመጽእ እንከሎ፡ ኣነ ክሃድመሉ እየ ዝፍትን። ወይ ካልእ ኣርእስቲ ኣምጺአ ነቲ ዕላል ይቕይሮ ማለት’ዩ።

ጦብላሕታ ብጾቱ

ገጣሚትን ጋዜጤኛን ይርግኣለም ፍስሃ

ንኣማንኤል እፈልጦ እየ ክብል እንከለኹ፡ ንዓይሲ ዓቢ ክብሪ እዩ። ምኽንያቱ ኣማንኤል ናይ ውሑዳት ሰባት እውን ኣይኮነን። ምኽንያቱ ንኣማንኤል ብዙሓት ሰባት እዮም ዝፈልጥዎ። ናይ ብዙሓት ሰባት ዓርክን ሓውን ስለዝኾነ ማለት’ዩ።

ኣነ ተማሃሪት ካልኣይ ደረጃ እንከለኹ ኣብታ ንሱ ዘካይዳ ዝነበረ ጋዜጣ እየ ዝጽሕፍ ነይረ። ምኽንያቱ ጋዜጣ ዘመን ልዕሊ ካልኦት ጋዜጣታት ኣብ ስነ-ጽሑፍ ኣዝያ ትግደስ ስለዝነበረት፡ ንዓይ ከኣ ቀንደይ እያ ነይራ።

ስለዚ ኣብኡ ክጽሕፍ ምስ ጀመርኩ፡ እቲ ዝምድና ብርሕቀት ምጽሓፍ ወይ ተሳታፊት ካብ ምዃን ሓሊፉስ ናብ ሕውነት እዩ ከይዱ። ካብኡ ብኣካል ናብ ምርኻብ ከይዱ። ናብ ዝኾነ ነገር ከምዚ ኮይነ ኢልካ ትነግሮ ዓቢ ሓው ናብ ምዃን በጺሕና ማለት’ዩ። ስለዚ ኣማንኤል ንዓይን ናተይ ዕድመ ንዘለዎም ኣብ ግጥሚ፡ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ንዝነጥፉ ሰባት፡ ኣፈይ መሊአ ናይ ኣማንኤል ፍርያት ኢና ክብል እኽእል እየ። ምኽንያቱ፡ እቲ ናተይ ዕድመ ዘለዎ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ዝነጥፍ ዝነበረ ሰብ ብዓል ኣማንኤል ብዘሕደርዎ ጽልዋ ዝተፈጥረ እዩ። ባይታ መኣድታት ናይ ስነ-ጽሑፋት ዘፍረየና ኢና - ፈሪና እንተኾይና ማለት’ዩ። ስለዝኾና ናይ በዓል ኣማንኤል ጽልዋ ኢና። ካብ ነብሰይ ተበጊሰ ኣብ ናተይ ዕድመ ንዘለዉ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ዝነጥፉ ሰባት ናቶም ፍረ ኢና ክብል እኽእል’የ።

ስለዚ ኣማንኤል ከምዚ እዩ።

ኣማንኤል ጥራሕ ዘይኮነ ብዛዕባ ኩሎም ምስኡ ዘለዉ ብጾቱ ክትዝክር እንከለኻ ኣዝዩ ክብድ ይብል’ዩ። እዚ ተራ ማእሰርቲ ወይ ተራ መጭወይቲ ወይ ናይ ውልቀ ሰባት ምስዋር ጥራሕ ገይርካ ጥራሕ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ማለት ሓድሽ ነገር ይዛረብ ከም ዘየለኹ ይርድኣኒ’ዩ። ግን እቲ ስርዓትሲ ክሳብ ክንድኡ ነቲ ሕብረተ ሰብ ክሃስዮን ከሕምሞን ኢሉ ዝገበሮ ነገር ከም ዝኾነ ዘርእየካ፡ እቶም ስድራ ቤታት ናይዞም እሱራት ን19 ዓመታት ክቕንዘዉ ከለዉሲ፡ እዞም ሰባት ብሂወት የለዉን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ፈርዮም ወሊዶም፡ ስድራ መስሪቶም፡ መተካእታ ከፍርዩ ዝግብኦም ዝነበሩ ሰባት እዮም። ሕጂ ኮነ ኢልካ ሕብረተ ሰብ ምሉእ ናይ ምህሳይ ስርሒት ብምዃኑ የተሓሳስበካ።

ቢቢሲ፡ ብዛዕባ እዞም ተኣሲሮም ዘለዉ ካብ መንግስቲ ወግዓዊ ሓበሬታ ኣይተዋህበን። ግን ምናልባት ስድራ ቤት፡ ኣብ ኤርትራ እንከለዉ ብዛዕባ ሃለዋት ወዶም፡ ኣበይ ተኣሲሩ ኣሎ ኢሎም ንመንግስቲ ይሓቱ’ዶ ነይሮም? እንድሕሪ ይሓቱ ነይሮም እንታይ ዓይነት መልሲ ይወሃቦም ነይሩ?

ዶክተርዳንኤልኣስራት፡ እቲ ምሕታት ኣበይ ይተርፍ። ግን እቲ ኩሉ ግዜ ንሕና ዘይነቕልበሉ ነገር ኣብ ኤርትራ፡ ሓደ ንሳቶም ክሲ እውን ኣይተመስረቶምን ብምንታይ ተኣሲሮም ብትኽክል ክትፈልጦ ኣሸጋሪ’ዩ።

እቲ ምሕታት፡ ኣብቲ መጀመርያ ዓመታት ናይ ዝተኣሰሩሉ ግዜ ስድራና ጥራሕ ዘይኮኑስ፡ ስድራ ናይ ነብሲ ወከፎም እቶም ብሓደ ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ሕቶታት ነይሩ’ዩ። ግን እቲ ዝምልሶ ኣካል የለን። ብፍላይ ናታቶም ኣተኣሳስራ ዳርጋ ኬድካ እትሓቶ፡ ኣነ ይፈልጥ’የ ዝብል ኣብቲ ጽፍሒ ናይቲ መንግስቲ ዝነበረ ዋላ ሓደ ሓላፊ የለን። እቲ ሕቶታት ነይሩ እዩ። ግን ዝኾነ መልሲ ክርከብ ኣይከኣለን።

ቢቢሲ፡ ዶክተር ዳንኤል ምናልባት፡ ብዛዕባ ኣማንኤል ሓውኻ ርጡብ ሓበሬታ ዝሰማዕኩምሉ እዋን እንተነይሩ መዓስ ነይሩ፡ ብኸመይ ኣገባብ’ከ ክትሰምዑ ክኢልኩም?

ዶክተርዳንኤልኣስራት፡ እሳ እታ ኩሉ ሰብ ዝፈልጣ ናይ 2010 ናይ እዮብ ባህታ ናይ ዝተባህለ ዋርድዮኦም ነበር ምስክርነት እያ እታ ናይ መጠረሽታ። ብድሕሪኡ ወላ ሓደ የለን።

ቢቢሲ፡ ቃለ ምስክርነት እዮብ ባህታ ምስ ሰማዕካ፡ ንኣማንኤል ሓውኻ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ብኸመይ ስኢልካዮ? ኣብ ኣእምሮኻ እንታይ ተቐጂሉካ?

ዶክተርዳንኤልኣስራት፡ ቃንዛ እዩ፡ ከቢድ ቃንዛ፡ ብቃላት ክትገልጾ ዘጸግም ቃንዛ።

ብዛዕባ 19 ዓመት ኢና ንዛረብ ዘለና። ኣብዚ 19 ዓመት፡ ከም ሰባትሲ ካበይ ናበይ ተለዊጥና ኣለና? ኣብ ሓዳር፡ ተመርዒኻ፡ ቆልዑት ኣፍሪኻ፡ ብትምህርቲ ክሳብ ናይ ፒኤችዲ ልዕሊኡን ኬድካ፡ ኣብ ስራሕ ብዙሕ ብዙሕ ነገራት ኣስሊጥካ። ሰለስተ ኣርባዕተ ሃገራት ቀያዪርካ፡ ማለት፡ ብዙሕ ነገራት እዩ ኮይኑ። ነዛ ገዛ ክትቅይር እንከለኻ ንባዕሉ ቀሊል ኣይኮነን። ኣብ መዓልታዊ ምንቕስቃሳትካ ብዙሕ ለውጥታት ኣሎ።

ንሱ ግን ን19 ዓመታት ኣብ መቚሕ ኣሎ። ክምርዓወሉ ክወልደሉ፡ ክዓብየሉ፡ ከምዚ ዓንተቦ ዘልዓልካዮ ናይ ማስተርስ ዲግሪ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክኸይድ መደብ ተታሒዝሉ ነይሩ፡ ብዙሕ መደባት’ዩ ተሓሪምዎ ዘሎ። ስለዝ’ሲ ሞቚሕ ተወሲኽዎስ እቲ ቃንዛ ብቃላት ዝግለጽ ኣይኮነን።

ቢቢሲ፡ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፔን ዓዲ እንግሊዝ ንኣማንኤል ናይ ዓመተ 2020፡ ተባዕ ጸሓፊ ዝብል ሽልማት ሂብዎ ኣሎ። እዚ ምስ ሰማዕካ ንስኻ ከም ንእሽተይ ሓዉ መጠን እንታይ ተሰሚዑካ?

ዶክተርዳንኤልኣስራት፡ ተሓቢነ። ብርግጽ ኣማንኤል ዘሕብን ሓው እዩ። እቲ ብልጫታቱን እቲ ኣበርክቶኡን ከምዚ ብዓለምለኻዊ ፍልጠት 'ሪኮግኒሽን' ክረክብ የሓጉሰካ። በዚ ኣጋጣሚ ነቶም እዚ ነገር እዚ ንክኸውን ዝተቓለሱሉ መተዓብይቱ፡ መሳርሕቱ ነበር የመስግኖም።

ብዛዕባ ኣማንኤል ተዘሪቡ እዩ። ኣነ ዝብሎሲ ኣጋጣሚ ኮይኑ ዕድል ኣይገበርናን፡ ኣብ ኤርትራ ሓደ ንቡር ስርዓት የብልናን።

ኩሉ ግዜ በቲ ንቡር መንገድታት ኩሉ ነገር ትፍትን ኢኻ። ፐቲሽን ክትገብር ትፍትን፡ ጸቕጥታት ክትገብር ተፈቲኑ፡ ብዙሕ ነገራት። ግን ክሳብ ሕጂ ወላ ሓደ ውጸኢት ኣይተረኽበን። ይትረፍ ክፍትሑ፡ ወይ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ፡ ብሂወት ኣለዉ ድዮም የለዉን እውን ዝተፈልጠ የለን። ስለዝስ እወ ምናልባት ንሳቶም ክርስዑ ይደልይዎም ይኾኑ። ንሕና ግን ኣይክንርስዖምን ኢና። ንሕና ጥራይ ዘይኮነ ዓለም’ውን ኣይረሰዓቶምን። ከምዚ ዓይነት ዘዘኻኽር ሽልማት ክመጽእ እንከሎ ከኣ ጽቡቕ ይስምዓካ።

ቢቢሲ፡ ኣብ 2018 ኤርትራን ኢትዮጵያን ውዕል ሰላምን ምሕዝነትን ምስተፈራረማ እንታይ ትጽቢት አሕዲርካ?

ዶክተርዳንኤልኣስራት፡እቲ ዝተፈጠረ ናይ ሰላም ሃዋሁ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ንስድራና’ውን ብዙሕ ተስፋታት ፈጢሩልና ነይሩ። ኮይኑ ግን ክልተ ዓመታት ሓሊፉ ዝተቐየረ ነገር የለን፡ ብኣንጻሩ እቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ተስፋታት ከምዝሃፍፍን ተስፋ ከምእንቆርጽን እዩ ዝግበር ዘሎ።

ቢቢሲ፡ ኣጋጣሚ ኮይኑ እዛ ሕጂ ንግብራ ዘለና ቃለ መጠየቕ ኣማንኤል ኣስራት ንኽሰምዓ ዕድል እንተዝረክብ ንኣማንኤል እንታይ መልእኽቲ መመሓላለፍካሉ?

ዶክተርዳንኤልኣስራት፡ እወ፡ ኣማንኤል ሓወይ ኣዚና ኣዚና ኢና ነፍቅረካ። ኤርትራ እውን ኣዝያ እያ ተፍቅረካ። ልዕሊ ማንም እዋእ ወትሩ ትዝከር ትዝክር ኣለኻ። ዓለም ነቲ ኣበርክቶኻ፡ ነቲ ብልጫታታካ ትዝክሮ ኣላ።

ብዛዕባ ስድራ ከኣ ቅሰን፡ ኣይትሕሰብ! ብውሑዱ እዚኣን ክብሎ ምደለኹ።