ማእሰርቲ ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ) ብውላዱ እንክዝንቶ

ሰንበት 20 መስከረም2020 ኣብ ሚላኖ ዝምቕማጦም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ንዝሓለፉ ን19 ዓመታት ብዘይ ንቡር መስርሕ ቤት ፍርዲ ተኣሲሮም ንዝተሰወሩ ብጉጅለ- 15 ዝፍለጡ መራሕቲ ሃገር፣ መንግስትን ነበር ገዳይም ተጋደልትን፡ ከምኡ እውን ጋዜጣኛታትን ዘኪሮምዎም።

ኣብቲ መድኽ ዘተረኸበ ገዲም ተጋዳላይ ሃብተማርያም ዑቕባይ ሕቶን ርእይቶን እቶም ኣብ ቃልሲ ሓርነት ልዑል ተራ ዝነበሮምን ንእስነቶም ኣብ ከቢድ ናይ ቃልሲ መድረኽ ዘሕለፉን ሰባት፡ ድሕሪ ኩናት ዶባት ኢትዮ-ኤርትራ፡ "ገምጋም ኲናት ይገበር፣ ብሰንኪ ኩናት ተወንዚፉ ዝጸንሐ መስርሕ ደሞክራሲያዊ ስግግር ስልጣን ይጀመር፣ ብሃገራዊ ባይቶ ዝጸደቐ ቅዋም ይተግበር" ስለ ዝበሉ'ዩ ኢሉ።

ወሲኹ፡ "ምስ ርእቶተኦም ዘይተሰማምዐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ግን ብፖለቲካዊ ክሲ፣ ብተንበርካኽነትን ሃገራዊ ድሕነትን ወንጂሉ ብዘይ ንቡር መስርሕ ፍርዲ ን19 ዓመታት ቀይዱዎም ኣሎ" ኢሉ።

ዕዱም ናይ ክብሪ ጋሻ ሕሳስ ልደ ወዲ ሚኒስተር ፋይናንስ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዳሕራይ ከኣ ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትርን ገዲም ተጋዳሊ ሃይለ ወልደንስአ መንእሰይ መሓሪ ሃይለ ብዛዕባ እታ ወላዲኡ ዝተኣስረላ 18 መስከረም 2001 ኣብ ቤቶም ዝነበረ ሃዋህው ኣልዒሉ።

"ቅድሚ 19 ዓመታት ኣስታት ሰዓት ሓሙሽተ ወጋሕታ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ድሕነት ዝተላእኩ ናይ ስቪል ክዳን ዝተኸድኑ ኣባላት ጸጥታ መንደቕ ዘሊሎም ብምእታው፡ ንማዕጾ ገዛና ብሓይሊ ኳሕኲሖም ብምእታው ንስድራና ባህዲሎም ነቦይ ሒዞምዎ ከይዶም" ኢሉ።

መሓሪ፡ እተን ምስ ወላዲኡ ዝነበሮ ሒደት ዝኽሪ ቑልዕነቱ እውን ኣካፊሉ።

ብዙሕ ግዜ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ኮምፒሽታቶ ሒዙዎም ክዛወር፣ ናብ ኣዝማዶም መቕርብን ሓቢሮም ክበጽሑ፣ ብዙሕ ግዜ ነቲ ኣብ ማእሰርቲ ሰምበል ብማህረምቲ ዝሰምበረ እንግድዕኡ እናረኣዩ "እንታይ ኬንኳ" ኢሎም ይሓትዎ ስለ ዝነበሩ፡ ሓደ መዓልቲ ናብታ ብገዛእቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ ተኣሲሩ፡ ከቢድ ግፍዒ ዝረኸበላ ቤት ማእሰርቲ ሰምበል ወሲዱ እንታይ ዓይነት ቃልሲ ከም ዝሓለፈ ከም ዘዘንተወሎም ይነግር።

ድሩዕ ፍርሕን ሓሶትን ዝጽየን ፈቃር ግን ከኣ ተሪር ምንባሩ፡ ማእሰርቲ ኣቡኡ ምስ ነውሐ ከኣ ንወላዲቱ፡ " ነቦይ እምበር ናፊቐዮ፡ ምስሉ እኳ ክጠፍኣኒ ደልዩ" ምስ በላ፡ ወላዲቱ ኣብ ሳሎን ናብ ዝነበረ ስእሊ ኣቡኡ ወሲዳ እነሆ እንዶ ስእሉ ኣጆኻ ክመጽእ እዩ ኢላ ከምዘ ተባበዐቶ ይዛረብ።

እንተኾነ ንሱ፡ "ድምጹ'ኸ? ክዛረብ እንከሎ ክሰምዖ እንድየ ደልየ" ምስ በላ ብውሽጣ ኣዝያ ከም ዝጎሃየት ዳሕራይ ምስ ጎበዘ ከም ዘዕለለቶ የዘንቱ።

መንግስቲ፡ ነታ ድሩዕ ንህዝቢ ኤርትራ ንምምጓስ "እቲ ኲናት ሳላኹም ኢና ወጺእናዮ፣ ወራር ወያነ መኪትናዮ፤ እምበር ከም መንግስቲ ተጠላቒና ኢና ነይርና" ካብ ዝበላ ምልእቲ ሓሳብ ነታ "ተጠላቒና!" እትብል ቃል መዝሒቖም ኣብ ተሌቪዥን ኤርትራ ደጋጊሞም የቕርቡዋ ስለ ዝነበሩ፡ ስድራ ድሩዕ ብደብዳብ ፕሮፖጋንዳ ተናዊጾም ምንባሮም ይገልጽ።

ድሕሪ ማእሰርቲ ድሩዕ ኣብቲ ገዛ ኣተውትን ወጻእትን ዝነበሩ ብዙሓት ኣዕሩኽን መሓዙትን ብፍርሒ እግሮም ብምስሓቦም ከኣ ጽምዋን ተነጽሎን ከም ዝነበሮም፡ እንተኾነ ወላዲቱ ንቦታ ሰብኣያ ተኪኣ፡ ክንዲ ኣቦን ኣደን ኬይና ርእሳ ከየድነነት፡ ፋሕተርተር እናበለት ንደቃ በታ ዝለመዱዋ ከም ዘዕበየቶም ይዛረብ።

እንተኾነ፡ በኹሪ ሓዎም ፈንቅል ብስግረ ዶብ ካብ ዓዲ ምስ ወጽአ፡ ንሳ ንኣዋርሕ ምስተኣስረት ከቢድ ጽምዋን ስነ-አእምሮኣዊ ጸቕጥን ከምዘጋጠሞምን ይሕብር።

ንድሩዕ ኣብ ከተማን ቃልስን ካብ ዝፈልጦ ተጣባቒ ሰብአዊ መሰላት ደስበለ መሓሪ፡ "ድሩዕ፡ ምእንቲ ናጽነትን ክብረትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ንእስነቱ ኣብ ማእሰርእትን በረኻን አሕሊፉዎ ከብቅዕ፡ ድሕሪ ናጽነት ከኣ ንግዝኣተ ሕግን ልዕልነትን፡ ንክብርን ሓርነትን ህዝቢ ዳግማይ መስዋእቲ ዝኸፈለ ጅግና እዩ" ክብል ርእይትኡ ሂቡ።

መሓሪ ይቕጽል፡ "ከም ልምዲ ክንድቅስ እንከለና ንወለድና ስዒምና፡ ደሓር ሕደሩ ኢልናዮም ኢና ናብ መደቂስና ንኸይድ ነይርና። ድሮ እታ ዝተኣስሩላ መዓልቲ ግን ኣቦይ ሰዓል ሒዙዎ ስለዝነበረ ደሓን ኣብኡ እንከለኹም ቻው ኢሉና፡ ነናብ መዳቕሶና ኬድና።

ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ንግሆ ማዕጾ ገዛና ብኸቢድ ይኹሕኳሕ'ሞ ኣደይ ክትከፍቶም ትኸይድ። ኣነ እውን ደድሕሪኣ ይስዕብ፡ ሽዑ፡ "ቀስ እባ በሉ" እናበለት ምስ ከፈተቶም "ኣበይ ኣሎ ድሩዕ፡ ኣበይ ኣሎ" ኢሎም ደፋፊኦምና ንውሽጡ ኣትዮም" ይብል።

ግን ድማ ድሩዕ ተረዲኡዎ ስለ ዝነበረ ተኸዳዲኑ ተቐሪቡ እዩ ጸኒሑ።

መንነቶም ሓቲቱዎም ካብ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ድሕነት ኣብርሃ ካሳ ዝተላእኩ ምዃኖም ይሕብሩዎ'ሞ እተን ናይ ዲያቤቲክ መድሃኒት ዝሕዘላ ንእሽቶ ቦርሳ ሒዙ ከም ዝወጽአን ኣብ መኪና ኣእትዮም ፌሮ ከም ዝገበሩሉን ይትርኽ።

እቲ ሽዑ ዝተፈጥረ ዕግርግርን ረበሻን ግን ነቲ ስድራ-ቤት ከምዝረበሾን ክሳብ ሕጂ ከም ስእሊ ከምዝረኣዮን ይዛረብ መሓሪ።

ድሩዕ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ዝተሰመዖ ነገር እቶም ናእሽቱ ደቁ ነቲ ምክልባት ምርኣዮም እዩ። ስለዝኾነ ከኣ "በጃኹም ነዞም ቖልዑት እለዩዎም" ይብል ከም ዝነበረ ይዝክር።

ገይሻ መጺኣ፡ ኣብ ገዝኦም ዝጸንሐት ዘመድ፡ "ስለምንታይ ትኣስሩዎ ኢላ ዓው ዓው ምስበለት፡ ሓደ ካብኣቶም ከምዝጸፍዓን ግን ንሳ ደፊራን ተቢዓን፡ "ኣጆኻ ድሩዕ ኣብ ጎድንኻ ኢና ዘሎና" ከም ዝበለቶ'ውን ዝኽሩ'ዩ።

ድሕሪ ማእሰርቱ ከኣ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ንገዛ መጺኡ፡ ቅያር ክዳን ፒጃማን ሸበጥን መድሃኒትን ሒዙሉ ከምዝኸደ፡ እንተኾነ፡ ዳሕራይ ተመሊሱ፡ እቲ ክዳን ኣይተፈቕደን ኢሉ ከም ዝመለሶ ይዛረብ።

ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዝነበረ ሓው፡ ፈንቅል ሃይለ፡ ምስቶም ሕቶ ዘልዓሉ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣብ ገልዓሎ ተኣሲሩ ስለዝነበረ ወላዲኡ እንታይ ከምዘጋጠሞ ዳሕራይ እዩ ሰሚዑ።

መሓሪ ወዲ 15 ዓመት ምስ ኮነ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ፡ ወላዲኡን ብጾቱን ዝተኣስሩሉ ምኽንያት ኣንቢቡ ከም ዝተረደአን፡ ኣቡኡን እቶም ሓቢሮሞን ዝተኣስሩ ሰበስልጣንን 'ዝሓለፈ ጉዕዞና ገምጊምና ኣካይዳና ነዐሪ፡ ሃገር ብሕግን ቅዋምን ትመሓደር፡ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ይሃሉ' ስለዝበሉ ከምእተኣስሩ፡ እቶም ጋዜጠኛታት ከኣ ርእይቶን ሓሳባትን እቶም ለውጥን ምምሕያሽን ዝሓተቱ ሰባት ኣብ ዓምዲ ጋዜጣታቶም ስለዘስፈሩ ከምዝተቐየዱ ምስፈለጠ፡ " እንቋዕ እባ ኣቦይ ከምቶም ዘጽቀጡ ኣየጽቀጡ" ከም ዝበለ ይዛረብ።

ኣማኒኤል ጠዓመ ካብ ለንደን፡ "ንጉጅለ 15ን ሓቢሮሞም ንዝተኣስሩ ካድራትን ጋዜጠኛታትን ኣብ እዋኑን ሰዓቱን ድምጺ ስለዘይኮንናዮም ኩሉ ሳዕ ይስመዓኒ እዩ። ሽዑ ህዝቢ እንታይ እዩ ዝግበር ዘሎ፡ ስለምንታይ ናብ ቤት ፍርዲ ዘይቀርቡ እንተዝብል፡ ብሓባር እቲ ዝኸውን ምተራእየ። ከምኡ ስለዘይገበርና ግን ብውልቀይ በዚ ኣጋጣሚ ይቕሬታ እሓትት" ብምባል፡ ንመሓሪ፡ በቲ ዝሓለፎ ከቢድ በሰላ ከይተጎናደበ ኣብ ትምህርቱን ህይወቱን ክነፍዕን ክብርትዕን ኣተባቢዑ።

ብዙሓት ካልኦት ተሳተፍቲ እቲ ዝኽሪ እውን ተመሳሳሊ ርእይቶን ውልቃዊ ጦብላሕታን ኣቕሪቦም።

ኣብዚ ቕንያት'ዚ፡ ብዙሓት ኣብ ግዳም ዝነብሩ ደቂ እቶም ኣብ ዒላዒሮ ተቐይዶም ከምዘለው ዝንገር፡ ግን ከኣ ካብ ዝእሰሩ ደሃዮም ዘይተሰምዐ፡ ሃለዋቶም ዘይፍልጥ ሰበስልጣን መንግስትን ጋዜጠኛታትን ነበር፡ ኣብ ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሓን ማሕበራዊ ሚድያታት ተዘክሮታቶም ይገልጹ ኣለው።

ካብ ማእሰርቲ ዘምለጡ ጋዜጠኛታትን ፈለጥትን መቓልስትን እቶም ብዘይ ንቡር መስርሕ ቤት ፍርዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለውን ከኣ ብቃለ መሕትት፡ ነቲ ሽዑ ዝነበረ ሃዋህውን እቲ ናብኡ ዘብጽሐ ፖለቲካዊ ወጥርን ምስክርነት ክህቡሎም ቀንዮም ኣለው።

ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ልደታ፡ ጋዜጠኛ ወላዲኣ ዝተኣስራ መንእሰይ ኣርያም ዳዊት እውን ድሕሪ ማእሰርቲ ኣቡኣ፡ ወላዲታ ንዘሕለፈቶ ከቢድ ብደሆን ኣብ ጉዕዞ ስደት ሰሃራን ባሕርን፡ ገና ቖልዓ እንከላ ምስ ወላዲታ ኣብ በረኻታት ሊብያ ብነጋዶ ደቂ ሰባት ተጨውየን ንዘሕለፈኦ መከራን ስቓይን፡ ነቲ ኩነታት ተለማሚዳ ንወላዲታ ንምትብባዕ ሕጉስቲ መሲላ ትቐርባን ከምዝነበረት ኣዘንትያ ኣላ።

ሓያሎ አሕዋትን ደቅን እቶም ኣብ ዒላዒሮ ተኣሲሮም ዘለው ከኣ ብተመሳሳሊ መገዲ ዝኽሮም ኣካፊሎም ኣለው።