እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቴክኖሎጂ፡ ጉግል ናይ ሕርሻ መሬት ዝሕልው ሮቦታት ይሰርሕ ኣሎ
የማናይ ኢድ ኩባንያ ጉግል ዝኾነ ኣልፋቤት ኣብ ተሓራሳይ መሬት ብምውፋር ኩነታት ነፍሲ ወከፍ ዘራእቲ ዝከታተሉን ህይወት ሓረስቶት ዘዘምኑን ሮቦታት ወግዓዊ ገይሩ።
እዞም ሮቦታት ኣብ ላዕሊ ኮይኖም ክከታተሉ ዝኽእሉ ኮይኖም፡ ኩነታት ተፈጥሮኣዊ ዕብየት እቶም ኣትኽልቲ ብዘይጻባእ መልክዑ ስርሖም ክሰርሑ ዝኽእሉ'ዮም።
እቲ ኩባንያ ከም ዝበሎ፡ ቀንዲ ዕላማ እዞም ሮቦታት ብዛዕባ እቶም ኣትኽልቲ እኹልን ዘተኣማምንን መረዳእታ ምእካብ እዩ።
ሓላፊ እቲ ፕሮጀክት ኤሊየት ግራንት "እዞም ሮቦታት ዓውዲ ሕርሻ ብምዝማን ንመጻኢ ዝህልወና ኣነባብራ ዘመናዊ ክኸውን ከም ዝገብሩ ንኣምን" ኢሉ።
ኣብ ዓለም ዘሎ ሕጽረት መግቢ ንምፍታሕን ዘላቒ ዝኾነ ውጽኢት ሕርሻ ንምፍጣርን እዞም ሮቦታት ሕጂ ናብ ስራሕ ክኣትው ከም ዝተገብረ ጉጅለ እቲ ምርምር ይገልጽ።
ይኹን'ምበር ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘለው ናውታት እቶም ሓረስቶት ዘድልዮም ሓበሬታ መሊኦም ዘቕርቡ ኣይኮኑን።
"ነፍሲ ወከፍ ተኽሊ ክንደይ ዝኣክል ማይን ንጥረ ነገርን ድልዮ ዝብል ምፍላጥ እንተኽኢልና፡ ከምኡ'ውን ኣየናይ ኣበይ መቺዎዎ ክዓቢ ይኽእል ዝብል ሕቶ ክንምልስ እንተኽኢልና፡ እቲ ሕርሻ ውጽኢታዊ ብዝኾነ መልክዑ ለዊጥናዮ ኣለና ማለት'ዩ" ይብል ኤሊየት።
ብተወሳኺ ሓረስቶት ሮቦታት ብዛዕባ ትሕዝቶ ሓመድን ኩነታት ኣየርን እኹል ሓበሬታ ክህልዎም ስለ ዝኽእልን፡ እቶም ሮቦታት ድማ እቲ ተኽሊ ብክንደይ ዝኣክል ቅልጣፈ ይዓቢ ምህላው ከርእዩ ብዝኽእል መልክዑ ተዳልዮም ኣለዉ።
እቲ በዓል ሞያ፡ "ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ እዞም ሮቦታት ኣብ ካሊፎርኒያን ሶይቢን ዝርከቡ ናይ ኢንጆሪ ሕርሻ መሬት፡ ብዛዕባ እቶም ዝባጽሑ ዘራእቲ ግልጺ ዝኾነ ምስሊ ክንረክብ ሓጊዞም'ዮም። ብተወሳኺ ክንደይ ዝኣክል ንጥረ ነገር ከም ዝተጠቐሙን ክንደይ ዝኣክል ናይ ጽሓይ ብርሃን የድልዮምን ዝብል መረዳእታ ረኺብና ኢና" ኢሉ።
እንተኾነ፡ እዞም ሮቦታት ብጉዳይ ሃገራዊ ድሕነትን ስለያን ተነቀፍቲ ኮይኖም ኣለው።
ምኽንያቱ መንግስታት እቲ መረዳእታ ከመይ ከም ዝእከብን ኣብ ጥቕሚ ከም ዝውዕልን ክፈልጡን ክቆጻጸሩዎን ምድላዮም ኣይተርፍን።
እቲ ኩባኒያ ከም ዝብሎ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣርጀንቲና፣ ካናዳ፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ኣመሪካን ኣብ ምድቓል ዘርኢ ምስ ዝተዋፈሩ ሓረስቶት ይሰርሕ ኣሎ።