ኮቪድ-19፡ ኮቪድ-19፡ ክልተ ጊዜ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ ኣብ ካልኣይ "ብጽንኩር ሓሚሙ"

ኣብ ኣሜሪካ ሓደ ካብ ኮሮናቫይረስ ዝሓወየ ውልቀሰብ ንኻልኣይ ጊዜ በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፈ ተፈሊጡ።

ኣብቲ ካልኣይ መልከፍቲ ድማ ኣዝዩ ሓደገኛ ከም ዝኾነ ዶኳትር ይሕብሩ።

እቲ ወዲ 25 መንእሰይ፡ መተንፈሲ ኣካላቱ ናብ ሰብነቱ እኹል ኦክስጂን ከመሓላልፍ ብዘይምኽኣሉ ናብ ሆስፒታል ክኣትው ተገዲዱ'ዩ።

ኣብዚ እዋን ከኣ ኣብ ጥዕንኡ ምምሕያሽ ተራእዩ'ሎ።

ንኻልኣይ ጊዜ ዘጋጥም መልከፍቲ ብዙሕ ዝተለመደ ኣይኮነን።

ክንድምንታይ ዝኣክል ሕማማት ናይ ምክልኻል ዓቅሚ'ዩ ነቲ ቫይረስ ክጻወሮ ዝኽእል? ኣብ ዝብል እውን ሕቶታት ይለዓሉ።

እቲ መንእሰይ ንኮሮናቫይረስ ከቃልዕዎ ዝኽእሉ ካልኦት ጸገማት ጥዕናን ጉድለት ዓቕሚ ምክልካል ሕማማትን ኣይነበርዎን።

መዓዝ እንታይ ኣጋጢምዎ?

  • 25 መጋቢት - ከም ምሕርሓር ጎሮሮ፣ ሰዓል፣ ሕማም ርእሲ፣ ዕውልውል (ስግድግድ) ምባልን ውጽኣትን ዝበሉ ምልክታት ተራእዮምዎ
  • 18 ሚያዝያ - ንመጀመርታ ግዜ ኮሮናቫይረስ ተረኺቡዎ
  • 27 ሚያዝያ - እቶም ቀዳሞት ምልክታት መሊኦም ጠፊኦም
  • 9 ን 26 ን ግንቦት - ክልተ ግዘ ምርመራታት ገይሩ ካብቲ ቫይረስ ነጻ ኮይኑ
  • 29 ግንቦት - እቶም ምልክታት ተመሊሶም ተራእዮምዎ፤ ኣብዚ ግዚ ረስኒ፣ ሕማም ርእሲ፣ ጸረውረውታ፣ ሰዓል፣ ስግድግድ ምባልን ውጽኣትን ኣጋጢምዎ
  • 5 ሰነ - ንካልኣይ ጊዜ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎ። 'ሂፖክሲክ' (ምትሓት ኦክስጂን ደም) ምስ ጸገም ኣተነፋፍሳ ኣጋጢምዎ

ተመራመርቲ ከም ዝብልዎ እንተኾይኑ እቲ ውልቀሰብ፡ ቅድሚ ሎሚ ሒዝዎ ዝነበረ ኮሮናቫይረስ ድቁስ (ዘይንጡፍ) ኮይኑ ብምጽናሕ መሊሱ ተላዒሉ ዘይኮነስ ንኻልኣይ ጊዜ ሓድሽ ረኽሲ'ዩ ኣጋጢምዎ ዘሎ።

"ዝረኸብናዮም ውጽኢታት፡ እቲ ዝሓለፈ ረኽሲ ነቲ ኣብ ቀጻሊ ከጋጥም ዝኽእል ክከላኸል ከም ዘይክእል ዝሕብሩ እዮም" ኢሉ ዶክተር ማርክ ፓንዶሪ ካብ ዩኒቨርሲቲ ቬቫዳ - ኣሜሪካ።

ብተወሳኺ ድማ "ንኻልኣይ ጊዜ ረኽሲ ከጋጥም ዝኽእለሉ ኩነታት፡ ንተፈጥሮኣዊ ዓቕሚ ምክልኻል ኮቪድ-19 ክንግንዘቦ ዝሕግዘና እዩ" ክብል ገሊጹ።

ካብቲ ሕማም ዝሓወዩ ሰባት'ውን ንመምርሒታት ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ማለት ኣካላዊ ርሕቐት ምዕቃብ፣ ምጥቃም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከምኡ ድማ ምሕጻብ ኢድ ከተግብሩ ኣተሓሳሲቡ።