ትግራይ: ወራር ዕስለ ኣምበጣ ናብ ኣርባዕተ ዞባታት ተጋፊሑ

እቲ ዕስለ ኣብ ዞባታት ደቡብ፣ ደቡብ ምብራቕ፣ ማእኸላይን ምብራቕን ከምዝኣተወ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

ብፍላይ ድማ ኣብ ዞባ ደቡብ ከቢድ ዕንወት ከምዘብፀሐ: ኣብቲ ቢሮ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ሚኪኤለ ምሩፅ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡

"ዋላ እኳ መንግስትን ህዝብን ብምትሕብባር: ብኬምካልን ብልማዳዊ ሜላታትን ምክልኻል ይግበር እንተሃለወ: እቲ ዕስለ ብብዝሒ እዩ ዝኣትው ዘሎ" ኢሉ፡፡

እቲ ዕስለ ብፍላይ ኣብ ዞባታት ደቡብን ደቡብ ምብራቕን ኣብ ልዕሊ 30 ሄክታር ዘራእቲ ከምዝዓለበ ዝገልፅ ኣይተ ሚኪኤለ ክንደይ ዝኣክል ዕንወት ኣብፂሑ ዝብል ግን ከቢድ ጉድኣት የብፅሕ ኣሎ ካብ ምባል ወፃኢ ብሰብሞያ ተረጋጊፁ ክሳብ ዝፅብፀብ: ኣብዚ እዋን እዚ ክንድ'ዚ ዝኣክል ዘራእቲ በቲ ዕስለ ተበሊዑ ንምባል ከምዘይከኣል ይዛረቡ፡፡

መኸተ ወራር ዕስለ ኣምበጣ ብዋናነት ብቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ ዝምራሕ ኮይኑ: ብምክትል ርእሰ ምምሕዳር ዝምእኸል ሓይሊ ዕማም እውን ከምዝጥምቶ ይግለፅ፡፡

ኣይተ ምክኤለ "ቅድሚ ሎሚ ለይቲ ወጋሕታ ተሲእኻ እዩ ኬሚካል ይንፀግ ነይሩ: ኣብዚ እዋን እዚ ምስቲ ምግፋሕ ተራእዩ ክኢላታት ምሸት ጀሚሮም ምሉእ ለይቲ ይንፀግ ኣሎ" ይብል፡፡

ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ናብቲ ዕስለ ዝኣተወሉ ብፍላይ ወረዳታት ራያ ጨርጨር፣ ራያ ኣለማጣ፣ ሕንጣሎን ወጀራትን ብምኻድ ኣብ ምክልኻል ይሳተፉ ኣለዉ፡፡

ኣብቲ ከባቢ ኣብ ምክልኻል እቲ ዕስለ ዝሳተፍ ዘሎ ኣይተ ሞላ ኣማረ ዘራእቲ ካብቲ ዕስለ ናይ ምትራፍ ዕድል ከምዘይብሉ ገሊፁ፡፡

ኣብ ደቡብ ትግራይ ብፍላይ ራያ ጨርጨር: ጣብያ ማሩ ቁሸት ባሶ ከቢድ ሓደጋ ከምዝወረዶም ሓረስቶት ንቢቢሲ ተዛሪቦም፡፡

ነባሪ እቲ ጣብያ ሓረስታይ ሓድሽ ካሕሳይ "ወላ ሓንቲ ንገብሮ ነገር የለን:: ግራትና ንኣምበጣ ኣረኪብና ኢና" ኢሎም፡፡

ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ቅድም ኢሉ ሰፊሕ ስራሕቲ ምድላው ብምክያድን ሰብ ሞያ ብምምዳብ ኣብ ዶብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን እናተሰርሐ ከምዝፀነሐ ኣይተ ሚኪኤለ ይገልፅ፡፡

ብኻልእ ገፅ: ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ተጋሩን ኤርትራውያንን ገንዘብ ብምብርካት ብ8000 ዶላር ካብ ቻይና 'ኢንዳስትርያል ድሮን' ዓዲጎም ናብ ትግራይ ከምዝለኣኹ ይፍለጥ፡፡

ኣይተ ሚኪኤለ እታ 'ድሮን' ኣብ ፈደራል ከምዘላ ዘድሊ ምስ ግምሩክን ትካል መዕርፎ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ብምዝርራብ ንኽትለኣኽ ፃዕሪ ከምዝተገብረ ይገልፁ፡፡

"ኮይኑ ግና ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ሰላም ዝርከብ ጉጅለ: ናብ ምንታይ ከምትውዕል ክነፃሪ ኢናብዝብል ስለዝሓዛ ክሳብ ሕዚ ኣይመፀትን" ይብል፡፡

ይኹን እምበር ብወገን መንግስቲ ፈደራል ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝሃቦ መብርሂ የለን፡፡

ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ዝርከቡ ተጋሩ ገንዘብ የበርክቱ ከምዘለዉን ዛጊድ ልዕሊ386 ሽሕ ዶላር ኣመሪካ ከምዝተዋህለለ እቲ ዝተኸፈተ ባንኪ ሒሳብ የርኢ፡፡

ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝውህለል ዘሎ ገንዘብ እውን: ብስም ቅድመ መጠንቀቕታ ግብረ መልስን ባንኪ ሒሳብ ተኸፊቱ ከምዘሎን ግን ድማ ንሓደ ወረዳ ጥራይ ምሃብ ይረአ ኣሎ ይብል ኣይተ ሚኪኤለ፡፡

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው: ኣብ ምምካት ዕስለ ኣምበጣ ኣሉታዊ ተራ ከምዘለዎ ዝገልፁ ኣካላት ኣለዎ፡፡

ወላ እኳ እቲ ወራር ብደረጃ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካን ከባቢኡን እንተተራኣየ: ኣብ መንጎ መንግስታት: ፈደራልን ክልልን ዝረአ ዘሎ ዘይምቅድዳው ነቲ ወራር ከጋድዶ ይረአ ኣሎ፡፡