ኣብ ታይላንድ፡ ኣውቶብስ ምስ ባቡር ብምግጫዋ 18 ሰባት ሞይቶም

መቑሰልቲ ካብ ዘጋጠሞም ሰባት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, እቲ ሓደጋ ምግጫው ሰንበት ንጉሆ'ዩ ኣጋጢሙ

ኣብ ታይላንድ ኣውቶቡስ ምስ ባቡር ስለዝተጋጨወት፡ ብውሕዱ 18 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት ብዙሓት ድማ ቆሲሎም።

እቲ ግጭት፡ ካብ ባንኮክ 50 ኪሜ ርሕቕ ኢሉ ሎሚ ሰንበት ንጉሆ እዩ ኣጋጢሙ።

ፖሊስ ታይላንድ ከምዝበሎ፡ እቶም ኣብ ኣውቶቡስ ዝነበሩ ተጓዓዝቲ ንሃይማኖታዊ ጽምብል፡ ናብ ናይ ‘ቡድሂስት’ ቤተመቕደስ እዮም እናተጉዓዙ ነይሮም።

ካብ’ቲ ቦታ ዝወጽኡ ስእልታት ከምዘርእይዎ፡ እታ ኣውቶቡስ ተገልቢጣን ኣዝያ ተሃስያን እያ።

ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት፡ ነታ ኣውቶቡስ ካብ’ቲ ሃዲድ ክኣልዩዋ ዓብዪ መልዓሊ ማሽን ከምዘድልዮም ገሊጾም ኣለዉ።

እቲ ሓደጋ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን፡ እታ ኣውቶቡስ 60 ሰባት ጽዒና ነይራ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ታይላንድ ፕራዩት ቻን-ኦ-ቻ ሓዘኑ ብምግላጽ ምርመራ ከምዝካየድ ኣፍሊጡ’ሎ።

ኣብ ታይላንድ ሓደጋ ትራፊክ ልሙድ እዩ።

ውድ ብጥዕና ዓለም ብ 2018 ዘውጸኦ ጸብጻብ ከምዘርእዮ፡ ታይላንድ ብሰንኪ ሓደጋ ትራፊክ ብዘጋጥም ሞት ካብ ዓለም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትስራዕ።