በፃሕቲ ዓዲ ሒዛ ኣብ ዝጠሓለት ጀልባ፡ ብውሑዱ 33 ሰባት ከምዝሞቱ ተረጋጊጹ

ብርክት ዝበሉ ወፃእተኛታት በፃሕቲ ዓዲ ሒዛ ኣብ ግዝኣት ፕሁኬት ዝጠሓለት ጀልባ፡ ህይወት ግዳያት ንምድሓን ኣለሻ ቀፂሉ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ብርክት ዝበሉ ወፃእተኛታት በፃሕቲ ዓዲ ሒዛ ኣብ ግዝኣት ፕሁኬት ዝጠሓለት ጀልባ፡ ህይወት ግዳያት ንምድሓን ኣለሻ ቀፂሉ ኣሎ

ኣብ ታይላንድ ግዝኣት ፕሁኬት፡ ወፃእተኛታት በፃሕቲ ዓዲ ዝሓዘት ጀልባ ድሕሪ ምጥሓላ፡ ዛጊድ ልዕሊ 33 ሰባት እንትሞቱ፡ ብርክት ዝበሉ ድማ ደሃዮም ጠፊኡ።

እዛ ብሓሙስ ድሕሪ ሰዓት 105 ወፃእተኛታት በፃሕቲ ሒዛ ትጓዓዝ ዝነበረት ጀልባ፡ ሓያል ማዕበል ብምግጣሙ እያ ጥሒላ ዘላ። ካብ ሞንጎም እዞም በፃሕቲ ዓዲ ዝበዝሑ ቻይናውያን ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ሰራሕተኛታት ህይወት ምድሓን እታ ሃገር፡ ዝጠሓሉ ግዳያት ንምድሓን ካብ ትማሊ ለይቲ ጀሚሮም ይረባረቡ ኣለዉ።

ይኹን እንበር ክሳብ ሕዚ ክንደየናይ ዝኣኽሉ ሰባት ከምዝደሓኑ ብዝርዝር ኣይተፈልጠን።

ፀብፃብ ኤ ኤፍ ፒ ንሓላፊ ህይወት ምድሓን ግዝኣት ፕሁኬት ብምፅራሕ ከምዝሓበሮ፡ ዛጊድ 33 ኣስከሬን ግዳያት ተረኺቡ። ሮይተርስ ድማ ቁፅሪ መወትቲ ክብ ከምዝብል ይሕብር።

ኣካል እታ ጀልባ ንምርካብ ዝግበር ኣለሻ እውን እናቐፀለ እዩ።

ትማሊ ሓሙስ ገፈፍቲ ዓሳ 48 ሰባት ከምዝደሓኑ፡ ሓንቲ ግዳይ ድማ እታ ጀልባ ካብ ዝጠሓለትሉ ነዊሕ ማይላት ርሒቓ፡ ካብቲ ማይ ክትወፅእ ከምዝኸኣለት፡ ኤ ኤፍ ፒ ፀብፂቡ።

ብድሕሪኡ እታ ግዳይ ናብ ሆስፒታል ተወሲዳ ሕዚ ዘላትሉ ኩነታት ግና ኣይተፈለጠን። ብሓፈሻ 37 ሰባት ኣብ ሆስፒታል እናተሓከሙ ይርከቡ።

ካብቶም ብሰራሕተኛታት ህይወት ምድሓን ካብ ሞንጎ ዝተረኸቡ ግዳያት፡ ብውሑዱ ሓደ ሰብ ብከቢድ ከምዝተጎድአ፡ ተገሊፁ፡ ታይላንድ 5 ሓምለ፡ 2018

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካብቶም ብሰራሕተኛታት ህይወት ምድሓን ካብ ሞንጎ ዝተረኸቡ ግዳያት፡ ብውሑዱ ሓደ ሰብ ብከቢድ ከምዝተጎድአ፡ ተገሊፁ።

ካልእ ግዳያት ንምድሓን ዝተዋፈረት ጀልባ 39 ሰባት ዘድሓነት እንትትኸውን፡ መብዛሕትኦም እቶም ተጓዓዝቲ ኣውሮጳውያን እዮም።

ኩነታት ኣየር ፅቡቕ ኣይኮነን ዝብል መጠንቀቕታ እናተውሃበ እንከሎ፡ እታ ጀልባ ንምንታይ ከምዝተጓዓዘት ከምዝፃረይ ተገሊፁ።

ኣማሓዳሪ ግዝኣት ፕሁኬት፡ ኖርፕሃት ፕሎድቶንግ ከምዝሓበርዎ፡ ነዞም ኣብዚ ባሕሪ ዝጠሓሉ ሰባት ንምድላይ፡ 10 ናእሽቱ ጀልባታት ኣብቲ ባሕሪ ተዋፊረን ኣለዋ።

ብሓፈሻ ዛጊድ 49 ሰባት ከምተረኸቡ ዝገለፁ እዞም ኣማሓዳሪ፡ 23 ሰባት ግና ክሳብ ሕዚ ደሃዮም ከምዘይተረኸበ ሓቢሮም።

"ሎሚ ኣጋ ምሸት ሓያል ንፋስ እዩ ነይሩ" ዝብሉ እቶም ኣማሓዳሪ፡ እዚ ሓደጋ ቅድሚ ምምጽኡ ብረቡዕ እውን፡ ሓያል ንፋስን ማዕበልን ብምንባሩ፡ መጠንቀቕታ ተዋሂቡ ከምዝነበረ ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ኣብ ታይላንድ ሓያል ዝናብ ዝዘንበሉ እዋን ብምዃኑ፡ ሓያል ዝናብን ማዕበልን ዘጋጥመሉ እዩ።