ውድብ መግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም ኮይኑ

ፕሮግራም መግቢ ዓለም (WFP) ሕቡራት ሃገራት፡ ጥምየት ንምጥፋእ ብዝገበሮ ጻዕሪ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም 2020 ኮይኑ።

ውድብ መግቢ ዓለም "ጥምየት ከም መሳርሒ ኩናትን ጎንጽን ከይከውን ኣብ ምክልኻል ቀላሲ ሓይሊ" ኮይኑ ሰሪሑ እዩ ክብል ኮሚቴ ነቤል ኖርወይ ገሊጹ፨

ንተዓዋቲ እዚ ሽልማት ዝወሃብ ገንዘብ 10 ሚልዮን ክሮና (1.1 ሚልዮን ዶላር) ምዃኑ ይፍለጥ።

መበል 101 ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም ዝኾነ ውድብ መግቢ ዓለም ሓሆሱ ገሊጹ ኣሎ።

"እዚ ሽልማት፡ ነቶም መዓልታዊ ኣብ ቅድሚት ኮይኖም፡ ንዝጠመዩ ልዕሊ 100 ሚልዮን ህጻናት፣ ደቂ ኣንስትዮን ሰብኡትን መግቢን ሓገዝን ንምቕራብ ዝሰርሑ ዘለዉ ሰራሕተኛታትና ኣፍልጦ ዝሃበ እዩ" ብምባል ኣብ ትዊተር ሓቢሩ።

መራሒ እቲ ትካል ደቪድ በስለይ ብወገኑ ነቲ ዜና ምስ ሰምዐ ከምዝሰንበደን ንምእማን ብዝኸብድ መልክዑ ከምዝተሓጎሰን ገሊጹ።

"ክትኣምኖ ዘጸግም'ዩ። ኣብ ሂወትካ እቲ ዝተሓጎስካሉ ግዜ ክብሃልዶ ሰሚዕካ ኣለኻ" ክብል ዘለዎ ስምዒት ገሊጹ።

"ሳላ'ቲ ከም ሓደ ቤተሰብ ዝኾነ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ድማ'ዩ። ኩናት፣ ጎንጽን ከቢድ ኩነታት ኣየርን ኣብ ዘለዎ ኣጸጋሚ ከባቢታት ዓለም እዮም ዘለዉ። ነዚ ከይጸገሞም ግን ይቕጽሉ ኣለዉ። እዚ ሽልማት ድማ ይግበኦም እዩ" ኢሉ።

211 ውልቀ ሰባትን 107 ትካላትን ነቲ ሽልማት ተሓጽዮም ነይሮም፤ ብመሰረት ሕጊ እቲ ሽልማት ዝህብ ፋውንዴሽን እቶም ንመዳእታ ዝቐረቡ ሕጹያት ን50 ዓመታት ዕላዊ ክግበሩ ኣይፍቀድን።

ውድብ ጥዕና ዓለምን ተማጓቲት ሓለዋ ኣከባቢ ግሬታ ቱምበርግን ካብቶም ክዕወቱ ተባሂሎም ትጽቢት ዝተገበረሎም ነይሮም።

ኣደመንበር እቲ ኖርወጃዊ ኮሚቴ ኖቤል፡ እቲ ኮሚቴ በቲ ናይ ሎሚ ዓመት ሽልማት ኣቢሉ "ብጥምየት ዝሳቐዩ ዘለዉ ሚልዮናት ትኹረት ዓለም ክረኽቡ" ከምዝደለየ ገሊጻ።

ብተወሳኺ ውድብ መግቢ ዓለም፡ ውሕስነት መግቢ መሳርሒ ሰላም ንምግባር ወሳኒ ተራ ይጻወት ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ኮቪድ-19 እውን ኣድላይነት እቲ ትካል ከምዘጉለሐ ተዛሪባ።

ንሃገራት ዓለም ሓገዝ መግቢ ዝገብር ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ውድብ መግቢ ዓለም፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ 88 ሃገራት ንዝርከቡ ሕጽረት መግቢ ዘጋጠሞም ኣስታት 100 ሚልዮን ሰባት ሓገዝ ገይሩ እዩ።

ኣብ 1961 (ኣወሮጳ) ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝነበረ ኣይዘንኣወር ብዘቕረቦ ሓሳብ ዝተጣየሰ እዚ ትካል፡ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ጎንጽን ስዒቡ ዘጋጥሙ ጸገማት ንምፍታሕ ክሕግዝ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ንኣስታት 20 ዓመታት ዝጸንሐ ኩነተ-ኩናት ኢትዮ-ኤርትራ ከብቅዕ ብዝተጻወቶ ተራ ተዓዋቲ እዚ ሽልማት ኮይኑ ኣሎ።