እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሜሪ ኩሪ፡ ክልተ ሽልማት ኖቤል ዝወሰደት ፈላመይቲ ሳይንቲስት
ሳይንቲስት፣ መሃዛይ፣ ኬሚስት፣ ነጋዳይን ደራስን ዝነበረ ስዊድናዊ ኣልፍሬድ ኖቬል፡ ብ1895 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ኣብታ ዝነብረላ ዝነበረ ውቅብቲ ፈረንሳዊት ከተማ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ስዊዲሽ-ኖርዌጃን ክለብ፡ ንሱ ካብዛ ዓለም ብሞት ምስተፈለየ እትኽፈት ደብዳበ ገዲፉ፡፡
ኣብቲ ዝቕጽል ዓመት ሕልፈት ኣልፍሬድ ኖቤል ምስተሰምዐ ዝተኸፍተት እታ ደብዳበ፡ ንህዝቢዓለም ዘገረመ ኑዛዜ ሒዛ ነበረት።
ኖቬል እቲ ብጽፍሩን ፍልጠቱን ዘኻዕበቶ ሃብቲ በብዓመቱ፡ ብዘርፊታት ፊዚክስ፣ ኬሚስትሪ፣ ሕክምና፣ ስነ-ጽሑፍን ሰላምን፡ ንህዝቢ ዝጠቅም ኣበርክቶ ንዝገበሩ ሰባት ብዘይ ዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ ዝሽልም ትካል መጣየሲ ንክኸውን'ዩ ከቲሙ ሓሊፉ፡፡
እነሆ ድማ ካብ 1901 ዓመተ ምሕረት ጀሚሩ፡ ሽልማት ኖቬል፡ ብስነ ቑጠባን ካልእ ዓውዲታትን ዝለዓለ ክብሪ ዝወሃቦ ሽልማት ኮይኑ ሓደ ክፍለ ዘበን አሕሊፉ'ሎ።
ናይ 2020 ዓመተ ምሕረት ሽልማት ኖቬል ድማ፡ እቲ ትማሊ ብዓውዲ ኬሚስትሪ ታሪኻዊ ዝተባህለ ሰረት ዘርኢ (ጂን) ንምዕራይ ዘኽእል መሳርሒ ንዝመሃዛ ክልተ ተመራመርቲ ደቂ ኣንስትዮ ፕሮፌሰራት፡ ኢማኑኤላ ቻርፐንተርን ጀኒፈር ዶውናን ብካልእ ዓውዲ ጸብለል ንዝበሉን ሽልማት ይወሃብ ኣሎ፡፡
ሽልማት ኖቤል እቲ ዝኸበረ ሽልማት ዓለምና እዩ እንተኢልና፡ ነቲ ሽልማት ክልተ ሻብ ንዝተዓወተሉ ሰብ ብኸመይ ምገለጽናዮ?
እቲ ተሸላሚ ፈላሚ ምስዝኸውንከ? እሞ ድማ ፊዚክስን ኬሚስትርን ብዝበሃሉ ከበድቲ ዓውዲታት? ሓደ ሕቶ ክንውስኽ፡ እታ መርኣያ እዚ ኹሉ ዓወት ዝኾነት ሰብ ቆልዑ ዘዕበየት ኣደ እንትትኸውንከ?
ስለዚ እያ እምበኣር ብልጽቲ ተመራማሪት ሜሪ ኩሪ ክትዝከር ተመሪጻ።
ሜሪ ኩሪ
ሜሪ ስክሎዶውስካ፡ ብ7 ሕዳር 1867 ዓመተ ምሕረት ኣብ ናይ ሎሚ ፖላንድ፡ ከተማ ዋርሶ ተወሊዳ፡፡
ሜሪ፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ብልዑል ወጽኢት ትዛዝም እምበር፡ ኣብቲ እዋን ዝነበራ ዩኒቨርሲቲታት ንደቂ ተባዕትዮ ጥራሕ ይቕበላ ስለዝነበራ ኣብተን ብሕቡእን ውሽጣ ውሽጥን ዘምህራ ዝነበራ 'ፈሎቲንግ ዩኒቨርሲቲስ' ክትቅጽል ተገዲዳ፡፡
ንሓሙሽተ ዓመታት ገዛ ገዛ እናዘረት ቆልዑት ተምህር ዝነበረት ሜሪ፡ ኣብ ትርፊ ግዜኣ መጻሕፍቲ ፊዚክስ፣ ሕሳብን ኬሚስትርን ብምንባብ ተሕልፎ ነይራ፡፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ዓበይቲ ዩኒቨርሲቲታት ወጻኢ ክትመሃር ዝነበራ ባህጊ ሰሚሩላ ኣብ 1891 ናብ ፓሪስ ተጓዒዛ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሰርቦነ ትምህርታ ቀጺላ፡፡
ተማሃሪት ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝነበረትሉ ግን ሓጋዚ ስለዘይነበራ ህይወታ ምቹእ ኣይነበረን። ዝበዝሕ እዋን ባንን ሻሂን እያ ትምገብ ነይራ። በዚ ድማ ብተደጋጋሚ ብሕጽረት ምግቢ ንዝመጽእ ሕማም ትቃላዕ ነበረት፡፡
እንተኾነ እቲ ጸገም ባህጊ ልባ ካብ ምፍጻም ኣይበደሃን፡፡ ኣብ 1893 ብፊዚክስ ብማስተርስ ዲግሪ ተመሪቓ። ድሕሪ 10 ዓመት ድማ ካብ ዩኒቨርሲቲ ፈረንሳ ዶክትሬት ዲግሪ ዝረኸበት ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ኮይና።
ሜሪ ኣብ 1895 ዓ/ም ፕሮፌሰር ፊዚክስ ምስዝነበረ ፈረንሳዊ ፔሪ ኩሪ ሓዳር መስሪታ፡፡ ሜሪን ፔሪን ብሓዳር ጥራሕ ዘይኮነስ ብሳይንስን ምርምርን እውን ተጣመሩ፡፡ ብሓባር ብዙሓት ምርምራት ኣካይዶም።
ፈረንሳዊ ኣንቶኒ ሄነሪ ባከረል፡ ኣብ 1896 ዓ/ም ናይ ገለ ኣካላት ጨረር ናይ ምፍናው ባህርያት 'ራድዮ ኣክቲቪቲ ምስረኸበ፡ ሜሪን ኩሪን ነቲ ክስተት ብዕምቆት ናይ ምምርማር ድልየት ሓዲሩዎም፡፡
ሃለዋት እቲ ባህርያት ኣብ ካልኦት ባእታታትን መኣድናትን ንምርካብ ኣብ ዘካየድዎ ሰፊሕ መጽናዕቲ ድማ ዩራኒናይት ዝተብሃለ ብዩራንየም ዝሃብተመ ማዕድን፡ ካብ ዩራንየም ዝሓየለ ጨረር ናይ ምፍናው ባህርያት ከምዘለዎ ኣረጋጊጾም፡፡
ኣብቲ እዋን ባህርያት ራድዮ ኣክቲቭ ዝነበሮ ብሕታዊ ባእታ ዩራንየም ከምዝኾነ እዩ ዝፍለጥ ነይሩ፡፡
እዞም ሰብኣይን ሰበይትን ተመራመርቲ፡ ቀጺሎም ድማ ካብ ማዕድን ዩራኒናይት፡ ቅድሚኡ ዘይፍለጡ ዝነበሩ ካብ ዩራንየም ዝሓየለ ባህርያት ሬድዮ ኣክቲቪቲ ዘለዎም ክልተ ባእታታት ኣውጺኦም፡፡ ሜሪ፡ ንትውልዲ ዓዳ ፖላንድ ንምዝካር ፖሊንየም ኢላቶ፤ እቲ ካልኣይ ባእታ ድማ ራድየም ኢሎምዎ፡፡
ባህርያት ሬድዮ ኣክቲቪቲ ዘለዎም ውሁዳት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ምርምራትን ኣብ ሕክምና ድማ ከም መንሽሮ ዝኣመሰሉ ሕማማት ንምሕካም ፍልፍል ጨረር ኮይኖም የገልግሉ ኣለዉ፡፡
ኣብ 1903 ዓ/ም ሄነሪ ባከረል፣ ሜሪ ኩሪን ፔሪ ኩሪን ኣብ ራድዮ ኣክቲቪቲ ብዘካየድዎ መጽናዕቲ ሰለስቲኦም ተዓወትቲ ሽልማት ኖቤል ፊዚክስ ኮይኖም፡፡ ሜሪ ፔሪ ድማ ብፊዚክስ ሽላማት ኖቤል ዝረኸበት ፈላሚት ጓል ኣንስተይቲ ኮይና፡፡
ብኽልተ ቖልዑት ዝተባረኸን ብሽልማት ኖቤል ዝተጸምበለን ሓዳር ሜሪ ኩሪን፡ ፔሪ ኩሪን ነዊሕ ኣይቀጸለን፡፡ ኣብ 1906 ፔሪ ኩሪ ብሃንደበታዊ ሓደጋ ካብዚ ዓለም ተፈልየ፡፡
ድሕሪ ሞት ፔሪ፡ ሜሪ፡ ኣብ ባእታታት ፖሊንየምን ራዲየምን ዝጀመርዎ ምርምር ንበይና ቀጺላቶ፡፡ ኣብ 1910 ራዲየም ዝበሃል ባእታ ምህላዉ ብዘረጋግጽ መልክዑ ብምፍራይ ነቲ ዝነበረ ጥርጣረታት ደምሰሰቶ፡፡ ባህርያት እቶም ዝተረኸቡ ሬድዮ - ኣክቲቭ ባእታታትን ውህዶቶምን ሰኒዳ ድማ ንዓለም እንሀ በለት፡፡
ኣብ 1911 ዓ/ም ድማ ባእታታት ፖሊንየምን ራድየምን ብምርካብ ንዕብየት ኬሚስትሪ ንዘበርከተቶ ዘይትካእ ተራ፡ ተዓዋቲት ሽልማት ኖቤል ኬሚስትሪ ኮይና፡፡ ብዘይካ ሜሪ ክሳብ ሕጂ ብዓውዲ ፊዚክስን ኬሚስትርን ክልተ ግዜ ሽልማት ኖቤል ዝተዓወተ ሰብ የለን፡፡
ሜሪ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፓሪስ ብመዓርግ ፕሮፌሰርነት ዝተቖጸረት ፈላመይቲ መምህር እውን እያ ነይራ፡፡
ሜሪ ብዝገበረቶ ልዑል ኣበርክቶን ምርምራትን፡ ብዙሓት ሽልማታት መዳልያታትን ረኺባን ኣብ ዓበይቲ ትካላት ምርምር እውን ብመሪሕነት ኣገልጊላ እያ፡፡
ንሽልማታ ምኽንያት ዝኾነን ሓደገኛ ምዃኑ ከይፈለጠት ሒዛቶ ትዘውር ዝነበረትን ባእታ ራድየም፡ ሉኪምያ ንዝተብሃለ ሓደገኛ ሕማም ደም ተቓሊዓ ከኣ ኣብ 1934 ዓ/ም ብሞት ተፈልያ፡፡
ቀዳምነትን ክብርን ተመራማሪት ሜሪ ኩሪ፡ ድሕሪ ሞታ እውን ጠጠው ኣይበለን፡፡ ኣስከሬና ኣብቲ ከም በዓል ሩሶን ቮልቴርን ዝኣመሰሉ ሊቃውንቲ ፈረንሳ ዝተቐበሩሉ፡ 'ፓንቲዮን ' ዝዓረፈ ክብርቲ ፈላሚት ጓል ኣንስተይቲ እያ፡፡
ብዙሓት ትካላት ትምህርቲ ንኽብሪ ሜሪ ኩሪ ብሽማ ተሰይሞም እዮም፤ ህይወታን ዓወታን ዝገልጹ መጻሕቲ ተጻሒፎም፡ ዶክመንተሪታት እውን ተሰኒዶም እዮም፡፡
እቲ ካልእ ዘደንቕ ድማ በኹሪ ጓላ ኢሪን ጆሊየት-ኩሪ ኣብ 1935 ዓ/ም ተዓዋቲት ሽልማት ኖቤል ኬሚስትሪ ኮይና ኣሰር ኣዲኣ ብምስዓባ እዩ።