ዶናልድ ትራምፕ፡ ‘ብሓቂ ፈታኒ’ መዓልታት ይጽበዮ ከምዘሎ ተዛሪቡ

ምንጪ ስእሊ, Trump/twitter
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ጥዕንኡ ደሓን ከምዘሎ፡ እንተኾነ፡ እተን ቀጸልቲ መዓልታት “ብሓቂ ፈተና” ዘለወን መዓልታት ከምዝኾና ተዛሪቡ።
እቲ ፕረዚደንት ብኮሮናቫይረስ ተታሒዙ፡ ናብ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ካብ ዝኣቱ ካልኣይ መዓልቱ ሒዙ'ሎ።
እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝበለ፡ ቀዳም ምሸት ኣብ ሆስፒታል ኮይኑ ብትዊተር ኣብ ዝዘርገሖ ተንቀሳቓሲ ስእሊ እዩ። “ክመጽእ ከለኹ፡ ደሓን ኣይነበርኩን፤ ሕዚ ግን ኣዝየ ደሓን ኣለኹ” ኢሉ።
ወሲኹ ድማ “ኣብተን ቀጸልቲ ውሑዳት መዓልታት ብሓቂ ፈተና ክህሉ ከምዝኽእል እግምት። ኣብዘን ቀጸልቲ መዓልታት እንታይ ከምዘጋጥም ክንርእዮ ኢና” ኢሉ።
ናብ ጎስጓስ መረጽኡ ክምለስ ከምዝደሊ'ውን ገሊጹ። ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብ’ቲ ኣብ ጥቅምቲ ዝካየድ መረጻ ምስ ጆ ባይደን እዩ ክወዳደር።
ፕረዚደንት ትራምፕ ብዓርቢ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዘ ምስተፈለጠ፡ ኣብ ናይ ምረጹኒ ጎስጓሱ ጽልዋ ከሕድር ከምዝኽእል ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ኩነታት ጥዕና ትራምፕ ከመይ ኣሎ?
ብቀዳም ንጉሆ፡ ሓኪሙ ዶክተር ኮንለ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ን 24 ሰዓተት ረስኑ ከምዘይነበሮን ኦክስጅን’ውን ከምዘየድለዮን ገሊጹ ነይሩ።
ቤተመንግስቲ ኣመሪካ፡ እቲ ፕረዚደንት “ውሑዳት መዓልታት” እዩ ኣብ ሆስፒታል ክጸንሕ እዩ ዝብል። ሓኪሙ ዶክተር ኮንለ ግን፡ እቲ ፕረዚደንት ካብ ሆስፒታል መዓዝ ክወጽእ ከምዝኽእል ግዜ ኣየቐመጠን።
ፕረዚደንት ትራምፕ ወዲ 74 ዓመት ስለዝመልኦን፡ ክብደቱ’ውን ካብ ዓቐን ንላዕሊ ዝበሃል ብምዃኑን በዚ ሕማም ናይ ምህሳይ ተኽእሎኡ ልዑል እዩ።
ብኮሮናቫይረስ ተለኺፋ ዘላ በዓልቲ ቤቱ ሜላንያ ትራምፕ፡ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና ዘላ ኮይና፡ ኣብ ቤተመንግስቲ ኮይና እያ ዕረፍቲ ትወስድ ዘላ።
ዛጊድ፡ ምስ ትራምፕ ቅርበት ዘለዎም፡ ንሜላንያ ትራምፕ ሓዊሱ 9 ካልኦት ሰባት በዚ ቫይረስ ተታሒዞም ከምዘለዉ ተፈሊጡ’ሎ።
ትራምፕ ኣዝዩ እንተሓሚሙ’ሞ ስርሑ ክፍጽም ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ እንተበጺሑ፡ ብግዚያውነት ስልጣን ዝሕዝ፡ ምክትሉ ማይክ ፔንስ እዩ።
ማይክ ፔንስ፡ ብዝተገበረሉ ምርመራ ካብ’ቲ ቫይረስ ናጻ ከምዝኾነ ተረጋጊጹ'ሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







