መረጻ 2013፡ ብጽሒት ስራሕ ኣባላት ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, NEBE
ንቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ብኣባልነት ካብ ዝመርሑ ሓደ ዝኾነ ጌታሁን ካሳ (ዶ/ር) ብሰኑይ 18 መስከርም 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ስልጣኑ ብድልየቱ ከም ዝለቐቐ ዝገልጽ ደብዳበ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ከም ዘእተወ ይዝከር።
ወይዘሪት ብርቱኳን ሚደቅሳ ኣካቢት እቲ ቦርድ እያ፤ ካልኦት ኣርባዕተ ኣባላት እውን ኣብቲ ቦርድ ኣለዉ።
ኣበራ ደገፉ (ዶ/ር)፣ ብዙወርቅ ከተተ፣ ውብሽት ኣየለን ጌታሁን ካሳን (ዶ/ር) ይበሃሉ።
ኩሎም ኣብ ወርሒ ሰነ 2011 ኣ.ኢ ብኣባልነት ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ዝተመዘዙ እዮም።

እጃም ኣባላት ቦርድ መረጻ እንታይ እዩ?
ሓሙሽተ ኣባላት ዘለውዎ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ መረጻን ህዝበ ውሳነን ብዝምልከተን ዝለዓለ ስልጣን ዝሓዘ ኣካል እዩ።
ነዚ ስልጣን ተጠቒሙ ድማ ዓበይቲ ዝበሃሉ ውሳነታት ከሕልፍ ከም ዝኽእል ይግለጽ።
ብመሰረት ኣዋጅ መጣየሺ ቦርድ መረጻ 1133/2011 እቲ ቦርድ ንሕገ መንግስትን ሕጊ መረጻን ተኸቲሎም ንዝካየዱ መረጻታትን ህዝበ ውሳነታትን ዘይሻራዊ ብዝኾነ መገዲ ከፈጽም ትጽቢት ይግበር።
መሪሕነት ቦርድ መረጻ ከኣ ኣብ መስርሕ መረጻ ንውጽኢት ዘዛብዕ ጥሕሰት ሕጊ ተፈጺሙ ኢሎም እንተኣሚኖም ነቲ ውጽኢት ናይ ምስራዝን ካልእ መረጻ ንኽካየድ ናይ ምውሳንን ስልጣን ኣለዎም።
ውጽኢት ወግዓዊ ቅድሚ ምዃኑ'ውን የጽድቖ።
ሕግታት መረጻ ክፍጸም ምግባር፣ ንፖለቲካዊ ውድባት ምቁጽጻር፣ ንፖለቲካዊ ውድባት ዝወሃብ ድጎማ ምክፍፋል፣ ንተዓዘብቲ መረጻ ፍቓድ ምሃብን ምቁጽጻርን፣ ናውቲ መረጻ ምድላው ከምኡ'ውን በጀት ኣዳልዩ ኣብ ስራሕ ክውዕል ምግባር ዝብሉ ካብቶም ነቲ ቦርድ ዝተወሃቡ ሓላፍነት ስራሕ ይጥቀሱ።
ኣባላት'ቲ ቦርድ ብኸመይ ይምረጹ?
ብቐዳምነት ቀዳማይ ሚንስትር እታ ሃገር ንሕጹያት ኣባላት ቦርድ ዝምልምል ኮሚቴ የጣይሽ።
እቲ ኮሚቴ ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዝውከሉን ዘይሻራዊ ዝኾኑን ውልቀሰባት ብኣባልነት ዝሓቐፈ ክኸውን ኣለዎ።
ካብ ትካላት ሃይማኖት፣ ኣካዳሚ ሳይንስ፣ ኮንፌደሬሽን ሰራሕተኛታት፣ ማሕበራት ንግዲ፣ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ከምኡ'ውን ሲቪክ ማሕበራትን ዓበይቲ ዓድን ዝምረጹ ሰባት ኣባላት እቲ ኮሚቴ ክኾኑ ትጽቢት ይግበር።
እቲ ኮሚቴ ድማ ኣባላት ቦርድ መረጻ ክኾኑ ዝኽእሉ ሕጹያት ካብ ህዝቢ፣ ውድባት ፖለቲካብ ሲቪል ማሕበራትን ብጥቆማ ይቕበል።
ኣባላት ቦርድ ክኾኑ ዝኽእሉ ሕጹያት ብምፍላይን ፍቓዶም ብምሕታትን ድማ ናብ ህዝቢ ወግዓዊ ብምግባር ናብ ቀዳማይ ሚንስትር የቕርብ።
እቲ ቀዳማይ ሚንስትር ዝርዝር ሕጹያት ካብቲ ኮሚቴ ምስበጽሖ ኣብ ዙርያ እቶም ዝቐረቡ ሕጹያት ምስ ተቓወምቲ ውድባት ፖለቲካ ይዝትይ።
ብድሕሪ'ቲ ዘተ ድማ ነቶም ሕጹያት ናብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ብምቕራብ ሹመቶም የጽድቕ።
ኣባላት ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ በዓል መን'ዮም?
ወይዘሪት ብርቱኳን ሚደቅሳ ኣካቢት እቲ ቦርድ ኮይና፤ ኣበራ ደገፉ (ዶ/ር)፣ ብዙወርቅ ከተተ (ወ/ት) ፣ ኣይተ ውብሽት ኣየለን ጌታሁን ካሳን (ዶ/ር) እዮም።
ብርቱካን ሚደቅሳ- ኣካቢት ቦርድ
ካልኣይ ዲግሪኣ ብምሕደራ ህዝቢ ካብ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ረኺባ። ኣብ ኢትዮጵያ ዳኛ ፌደራል ቤት ፍርዲ ኮይና ኣገልጊላ እያ።
ጠቕሊላ ናብ ደገ ቅድሚ ምኻዳ ድማ ኣባል ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ብምዃን ትነጥፍ ምንባራ ይፍለጥ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብ1997 ንዝተኻየደ ሃገራዊ መረጻ ስዒቡ ብዝተፈጠረ ዘይምርግጋእ ብተደጋጋሚ ተኣሲራ ነይራ።
ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ'ውን ተፈሪድዋ።
ካብ ማእሰርቲ ምስተፈትሐት ከኣ ናብ ኣሜሪካ ብምኻድ ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ኣካይዳ።
ብድሕሪ ናይ 7 ዓመት ናብራ ስደት ኣብ 2011 ኣ.ኢ ናብ ኢትዮጵያ ዝተመለሰት ወይዘሪት ብርቱኳን ንቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ክትመርሕ ተሸይማ።
ውብሸት ኣየለ - ምኽትል ኣካቢ ቦርድ
ኣቶ ውብሸት ኣየለ ካብዩኒቨርሲቲ አዲስ አበባ ብሕጊ ተመሪቑ። ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ድማ ብዳኝነት ኣገልጊሉ።
ጸኒሑ ግን ካብ ዳኝነት ብምውጻእ ናይ ብሕቱ (ውልቁ) ትካል ከፊቱ ብኣማኻሪ ሕግን ጠበቓነትን ሰሪሑ።
ንሱ ንቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ብምምኻር፣ ንመድረኻት ዘተ ውድባት ፖለቲካ ብምትሕብባር ከምኡ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት እቲ ቦርድ ብሞይኡ ተሳትፎ ክገብር ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ሲቪክ ማሕበራትን ካልኦት ማሕበራዊ ምንቅስቓሳትን ድማ ዝለዓለ ተሳትፎ ከም ዝገብር ይግለጽ።
ኣበራ ደገፋ (ዶ/ር) - ኣባል ቦርድ
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ፕሮፌሰር ሕጊ እዩ። ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ከኣ ብሶሻል ወርክን ሶሻል ዴቨሎፕመንትን ዶክትሬት ዲግሪኡ ረኺቡ።
ብተወሳኺ ድማ ኔዘርላንድስ ኣብ ዝርከብ 'ኢንስቲትዩት ፎር ሶሻል ስተዲስ' ብዓለም ለኸ ሕግን ልምዓትን ተመሪቑ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብመምህርነት ካብ ምግልጋል ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ሓላፍነታት ስራሕ ከም ዘገልገለ ዝዝረበሉ ዶክተር ኣበራ፤ ኣብ ሚንስትሪ ፍትሒ ጉባኤ ምምሕዳር ጠበቓታትን ኦሮሚያ ናይ ሕጊ ጆርናልን ብኣባልነት ቦርድ ሰሪሑ።
ኣባል ቦርድ መረጻ ኮይኑ ናብ መዝነት ቅድሚ ምምፍኡ ኣብ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣማኻሪ ጉዳያት ፍትሒ ከምኡ'ውን ኣባል ኮሚሽን ምምሕዳር ወሰንን ጉዳያት መንነትን ኮይኑ ነይሩ።
ብዙወርቅ ከተተ (ወ/ሪት) - ኣባል ቦርድ
ብስነ-ቋንቋ ካልኣይ ዲግሪ ዘለዋ ብዙወርቅ ኣብ ኩባ ሃቫና ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ ናይ ደገ ቋንቋታት'ያ ትምህርታ ተኸታቲላ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ዕዮ ኣገልጊላ እያ። ኮሚሽን ምክልኻል ሓደጋን ቅድመ ድልውነትን፣ ቴለቪዥን ኢትዮጵያን ኣክሽን ኤይድ ኢንተርናሽናልን ገለ ካብቶም ዘገልገለትሎም'ዮም።
ኣብ ኣተኣላልያን ምክልኻልን ጎንጺ ኣድሂቡ ንዝንቀሳቐስ ናይ ጀርመን ኣማኻሪ ትካል ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ኣተሓባባሪት ፕሮጀክት ኮይና ሰሪሓ።
ሰናይ ምሕደራ፣ ህንጸት ዓቕምን ሲቪካዊ ተሳትፎን ኣብ ምጥንኻር ኣድሂቡ ዝሰርሕ 'ዜጋ ንዕብየት' [ዜጋ ለዕድገት] ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል መስራቲትን ኣዶ መንበር ቦርድን ብምዃን'ውን ኣገልጊላ።
ጌታሁን ካሳ (ዶ/ር) - ኣባልቦርድ
ካብ ዌብሳይት ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ ዶክተር ጌታሁን ብ2010 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዶክትሬት ዲግሪኡ ረኺቡ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ሓላፍነታት ዘገልገለ ኮይኑ፡ ኣብ ትግራይ ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ፣ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት መቐለን ኣዲስ ኣበባን ብመምህርነትን ዲን ኮሌጅን፣ ኣብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ድማ ብዋና ዳይሬክተርነት ሰሪሑ።
ኣብ ውሽጢ ሃገርን ደገን ዝተፈላለዩ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፋት ንሕትመት ኣብቂዑ'ዩ።
ዶክትር ጌታሁን ብኣባልነት ቦርድ መረጻ ካብ ዝሽወም ኣብ ስራሕ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ቕነ ብፍቓዱ መልቀቒ ስራሕ ኣቕሪቡ'ሎ።
ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተናውሐ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ ኣብ ሓድሽ ዓመት 2013 ዓ.ም ንኽካየድ ምድላዋት ክውገኑ ኣብ ዝተወሰነሉን እቲ ቦርድ ምድላው ኣብ ዝጀመረሉን እዋን ሓደ ካብ ኣባላት ቦርድ ዝኾነ ዶክተር ጌታሁን ካብ ሓላፍነቱ ንምልቃቕ ምውሳኑ ንብዙሓት ሕንቅሕንቅሊተይ ኮይኑ ይርከብ።
ንሱ ካብ ኣባልነት ቦርድ ንምልቃቕ ከም ዝወሰነ ብምግላጽ ናብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ሕቶ ካብ ምቕራብ ብዝዘለለ ምኽንያቱ እንታይ ከም ዝኾነ ኣይገለጸን።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







