ሰራዊት ኢትዮጵያ 'ናይ ሓደራ' መንግስቲ ክምስርቱ ንዝሓስቡ ስጉምቲ ከም ዝወስደሎም ኣጠንቂቑ

ምክትል ኢታማጆር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፡ ክሳብ ምርጫ ዝካየድ ብዘይካ እዚ ዘሎ መንግስቲ ካልእ መንግስቲ ከምዘይህሉ ተዛሪቡ።

ኣብ ልዕሊ እቶም ብዘይምርጫ "መሰጋገሪ መንግስቲ" ወይ "ናይ ሓደራ መንግስቲ" ንምምስራት ዝጽዕሩ ወገናት ዘይሕገመንግስታዊ ስለዝኾነ "ስጉምቲ ክንወስድ ኢና" ክብል'ውን ኣጠንቂቑ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ብስም "ፌደራሊስት ሓይልታት" ዝፍለጥ ፖለቲካዊ ምትእኽኻብ፡ ዕድመ ስልጣን መንግስቲ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ወርሒ ምስ ኣብቀዐ፡ ብኪኢላታት ዝቐውም "ናይ ሓደራ መንግስቲ" ክምስረት ዝጽውዕ መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንኣስታት ሓደ ዓመት ምንውሑ ኣብታ ሃገር ፖለቲካዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ'ዩ።

ነቲ ምንዋሕ ዝተቓወመ ገዛኢ ሰልፊ ክልል ትግራይ ዝኾነ ህወሓት፡ ፌደራላዊ መንግስቲ "ዘይሕጋዊ" ዝበሎ ክልላዊ ምርጫ ኣካይዱ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ስልጣን ተቖጻጺሩ ይርከብ።

ብድሕሪ ቅትለት ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ብዝተወለዐ ናዕቢ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝርከቡ ከም ብዓል ጀዋር መሓመድን ልደቱ ኣያሌውን ዝበሉ ፖለቲከኛታት ብወገኖም፡ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረት'ዮም ዝጽውዑ ነይሮም- ቅድሚ ምእሳሮም።

ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ሚኒስትሪ ሓለዋ ጥዕና ኢትዮጵያ፡ ነቲ ለበዳ ኣብ ግምት ብዘእተወ ኣገባብ ምርጫ ክካየድ ከምዝኽል ድሕሪ ምግላጹ፡ ፓርላማ ኢትዮጵያ ምርጫ ክካየድ ከም ዝኽእል ገሊጹ'ሎ።

ኣቐዲሙ፡ ባይቶ ፌደረሽን ንዕድመ ፌደራላዊን ክልላውን መንግስታት እንተወሓደ ንሓደ ዓመት ክናዋሕ ምውሳኑ ይዝከር።

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ግን ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

ጀነራል ብርሃኑ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ፖለቲካዊ ስልጣን ክርከብ ዝኽእል ብመንገዲ ምርጫ ጥራይ ምዃኑ ተዛሪቡ።

'ኣባላት እቲ ሰራዊት ገንዘብ ህዝቢ ይምንዝዑ ኣለዉ' ንዝብል ክሲ ድማ፡ ሰራዊት ጥራይ ዘይኮነ ኩሎም ናይ ጸጥታ ኣካላት ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣብ ኢድ ሰባት ዝጸንሐ ገንዘብ ክሕዙ ሓላፍነት ከምዝተዋህቦም ብምጥቃስ፡ እቲ ገንዘብ ንምህናጽ ሓይልታት ጸጥታ ክውዕል'ዩ ከምዝተባህለ ኣረጋጊጹ።

እቲ ውሳነ፡ ኣብታ ሃገር ስክፍታት ፈጢሩ ከምዘሎ ጸብጻባት ይገልጹ። ሓይልታት ጸጥታ ጥረ ገንዘብ ካብ ሰባት ይምንዝዑ ኣለዉ ዝብል ክስተት ክቐርብ ጸኒሑ'ዩ።

'ሰራዊትና መሳርሒ ፖለቲካ ኣይክኸውን'ዩ'

ሓላፊ ስርሒታት ሰራዊት ምክልኻል ዝኾነ ጀነራል፡ ምስ ፋና ኣብዘካየዶ ቃለመሕትት፡ "ሰራዊትና ዝኾነ ጫቑጫቕ ስለዝበለ ዝፈርስ፣ ዝብተንን ወገን ሒዙ ዝስለፍን ዓይነት ሰራዊት ኣይኮነን" ክብል እቲ ፌደራላዊ ሰራዊት ኣብ ዘተኣማምን ኩነታት ከምዝርከብ ገሊጹ።

"ብናይ ፖለቲካ ፓርቲ፣ ናይ ሓደ ሓደ ኣክቲቭትታትን ጋዜጠኛታትን ጫቑጫቕ ዝናወጽ ዓይነት ሰራዊት ኣይኮነን። ሰራዊት ናይ ፖለቲካ ፓርቲ መሳርሒ ክኸውን ይክእልን'ዩ" ኢሉ።

ንሱ፡ ጋዜጠኛታት ብዛዕባ'ቲ ሰራዊት ክጽሕፉ የብሎምን ክብል'ውን ኣጠንቂቑ።

"ናይ ሰራዊት ምስጢር 'ካብ ውሽቲ ዝረኸብናዮ' እናበሉ ንጻላኢ ኣሕሊፎም ዝሃቡ ጋዜጠኛታት ኣለዉ" ድሕሪ ምባል ካብ 20 ክሳብ 25 ዓመት ዘቕጽዕ ነገር ዝጸሓፉ ኣለዉ ክብል ከሲሱ።

ብዛዕባ ታሪኽ ሂወት ይኹን ብቕዓት ዝኾነ ወታሃደራዊ ጀነራል ክጽሕፉ የብሎምን ክብል'ውን ኣፈራሪሑ'ሎ።