እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤየርባስ፡ ብሃይድሮጅን ዝሰርሓ ትኪ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዘፍሪ ገሊጹ
ዓርሞሸሽ መፍረ ነፈርቲ ኤየርባስ ናይ መጀመርታ ብሃይድሮጅን ዝሰርሓ ትኪ ኣልቦ ነፈርቲ መጓዓዝያ ነዲፉ ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።
እተን ነፈርቲ ኣብ 2035 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ኣብ ስራሕ ክዋፈራ ውጥን ኣውጺኡ ይዓዪ ከም ዘሎን ሓቢሩ።
ላዕለዋይ ሓላፊ ኤየርባስ ጉይላመ ፋውሪ እቲ ውጥን ኣብ ታሪኽ ነፈርቲ መጓዓዝያ 'ታሪኻዊ' እዩ ኢሉ።
እቲ ሓላፊ ብምስዓብ እዘን ነፈርቲ ሃይድሮጅን ስለ ዝጥቀማ እቲ ካብ ነፈርቲ ዝስዕብ ዝነበረ ብከላ ኣየር ብዓብዪ ክጎድል ከም ዝኾነ እዩ ዝሕብር።
ተመራመርቲ ግን ብሃይድሮጅን ዝሰርሓ ነፍርቲ ክትሰርሕ ምሕሳብ ሓዲሽ ሓሳብ ከም ዘይኮነ’ዮም ዝገልጹ።
ኤየርባስ ግን እዘን ነፈርቲ ንምስራሕ ሰለስተ ዓይነት ንድፊ ኣዳልዩ ከም ዘሎ እዩ ዝሕብር።
200 ተሳፈርቲ ሒዛ ክሳብ 2000 ማይልስ ክትጉዓዝ ትኽእል‘ቱርቦፋን'፣ ፍርቂ ተሳፈርቲ ናይ ቱርቦፋን ክትሕዝ ትኽእል 'ቱርቦፕሮፕ’፣ እታ ሳልሰይቲ ድማ ‘ብለንድድ ዊንግ ቦዲ’ ኢሉ ሰምይወን ኣሎ።
እዘን ሰለስተ ንድፍታት ነፈርቲ፡ ኩለን ፈሳሲ ሃይድሮጅን ዝወስዳ ኮይነን ካብቲ ሃይድሮጅ ዝፍጠሩ ዋህዮታት ድማ ነተን ነፈርቲ ኤሌክትሪካዊ ጽዓት ከመንጭዉ’ዮም።
እንተኾነ እዘን ነፈርቲ ብቅልጡፍ ናብ መዓላ ንኽውዕላ፡ መዓርፎ ነፈርቲ መምልኢ ሃይድሮጅን ዝኸውን ትሕተ ቅርጺ ከተኣታትዋ ከም ዘድሊ ላዕለዋይ ሓላፊ ኤየርባስ ጉይላመ ፋውሪ ሓቢሩ።
"ብሃይድሮጅን ዝሰርሓ ነፈርቲ ንምትእትታው ኩለን መንግዲ ኣየራትን መዓርፎ ነፈርትን ወሳኒ ዝኾነ ስጉምቲ ክወስዳ ከድልየን እዩ" ይብል።