ሱዳን፡ ካብ መዝገብ ሽበራ ኣመሪካ ክትወጽእ ምስ ኣሜሪካ ትሸማገል ኣላ

ሱዳን፡ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣሜሪካ ንምዝርራብ ላዕለዎት ልኡኻት ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከም ዝለኣኸት ኣፍሊጣ።

ሱዳን ክሳብ ሎሚ፡ ኣብ መዝገብ ኣመሪካ 'ንሽበራ ድጋፍ ትገብር እያ' ብዝብል ሰፊራ እትርከብ ኮይና፡ ካብ'ዚ መዝገብ ክትወጽእ እያ ትጽዕር ዘላ።

ጉጅለ ልኡኽ ሱዳን፡ ብፕረዚደንት ልኡላዊ ቤት ምኽሪ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝኾነ ሌተናንት ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣል-ቡርሃን ዝተመርሐ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ኣል-በሽር ዝመርሖ ዝነበረ መንግስቲ ሱዳን፡ ምስ ኣመሪካ ዝነበሮ ርክብ ሓርፋፍ እዩ ነይሩ።

እቲ ሕዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ሱዳን ግን፡ ኣመሪካ ካብ'ዚ መዝገብ ክትኣልዮ ተስፋ ገይሩ'ሎ።

ሱዳን ኣብ'ዚ መዝገብ ብምስፋራ፡ ናይ ዕዳ ስረዛ ክትረክብን ዓለማዊ ወፍሪ ክትስሕብን ኣጸጊሙላ እዩ ነይሩ።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ ካብ'ዚ መዝገብ እንተደኣ ተኣልያ ዓለማዊ ልቓሕን ወፍርን ክትረክብ ትኽእል እያ ማለት እዩ።

ኣመሪካ ድማ፡ ሱዳን ካብ'ዚ መዝገብ ክትወጽእ እትኽእል፡ ንስድራ ኣመሪካውያን ግዳያት ግብረ ሽበራ 330 ሚሊዮን ዶላር ምስ ከፈለት እዩ ትብል።

ካብ'ዚ ብተወሳኺ ድማ፡ ምምሕዳር ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ሱዳን ምስ እስራኤል ዘለዋ ርክብ ክተመሓይሽ ይደልያ።

ኣብ ቀረባ እዋን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፒዮ ናብ ሱዳን ምብጻሕ ዝገበረ ኮይኑ፡ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ናብ ሱዳን ምብጻሕ ክገብር እንከሎ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት እዩ።

ኣመሪካ፡ ንሱዳን ኣብ መዝገብ ሽበራ ዘእተወታ ብ 1993 ኮይኑ፡ ንመራሒ ኣል-ቃዒዳ ኦሳማ ቢን ላደን ሓዊሱ፡ ንኣሸበርቲ ትድግፍ እያ ብዝብል እዩ።

መራሒ ኣል-ቃዒዳ ኦሳማ ቢን ላደን፡ ኣብ 1990ታት ኣብ ሱዳን ንሓሙሽተ ዓመታት ዝተቐመጠ ኮይኑ፡ መንግስቲ ኣል በሽር እዩ ኣጋይሽዎ።

ኣብ 2000፡ ሓንቲ ናይ ኣመሪካ ወተሃደራዊት መርከብ ኣብ የመን መጥቃዕቲ ተፈጺምዋ፡ 17 መርከበኛታት ኣመሪካ ተቐቲሎም እዮም።

እቶም ክልተ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ኣብ ሱዳን ዝሰልጠኑ ብምንባሮም ድማ፡ ኣመሪካ ንሱዳን እያ ተሓታቲት ገይራ።

ሱዳን፡ ኣብ'ቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ንስድራ እቶም ግዳያት ካሕሳ ክትከፍል ተሰማሚዓ እያ።