እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ቲክቶክን ዊቻትን ክትእግድ'ያ
ኣመሪካ ካብ ሰንበት ጀሚሩ ማሕበራዊ መራኸብታት ዊቻትን ቲክቶክን ካብ መኽዝን መተግበሪታት እታ ሃገር ክትእግዶም'ያ።
እቲ ስጉምቲ ተጠቀምቲ ነቶም ናይ ጽሑፍን ምስልን መተግበሪታት ኣብ ዝኾነ መጥቀሚ ኣውሪዶም ከይጥቀሙሎም ዝእግድ ከም ዝኸውን ቤት ጽሕፈት ንግዲ እታ ሃገር ገሊጹ።
ምምሕዳር ትራምፕ ከምዝብሎ፡ እቶም ኩባኒያታት ስግኣት ሃገራዊ ድሕነትን ካብ ምዃኖም ብተወሳኺ መረዳእታ ተጠቀምቲ ናብ ቻይና ከልሕኹ ዝኽእሉ'ዮም ተባሂሉ ይስጋእ።
ቻይና ኮነት ኩባኒያታት ዊቻትን ቲክቶክን ግን ነዚ ይነጽጉዎ።
ሚኒስትር ቤት ጽሕፈት ንግዲ ኣመሪካ ዊልቡር ሮስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ብመሰረት መምርሒ ፕሬዝደንት፤ ሃሳዪ እካበ ውልቃዊ መረዳእታ ዜጋታት ኣመሪካ ንምቅላስ ኣገዳሲ ስጉምቲ ወሲድና ኣለና" ኢሉ።
እቲ ካብ ዊቻትን ቲክቶክን ዝበጽሕ ስግኣት ሓደ ዓይነት ከም ዘይኮነ ዝጠቅስ እቲ ቤት ጽሕፈት ክልቲኦም ግን "ሰፊሕ ናይ ውልቀሰባት መረዳእታ" ኣኪቦም'ዮም ይብል።
ዊቻት ካብ ሰንበት ጀሚሩ ዝዕጾ ኾይኑ፡ ተጠቀምቲ ቲክቶክ ግን ክሳብ 12 ጥቅምቲ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ ነቲ መተግበሪ እናተጠቐሙ ክጸንሑ'ዮም።
ግን ድማ ኦራክልን ወናኒ ቲክቶክ ባይትዳንስን ኣብ ስምምዕ እንተበጺሖምን ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ እንተኣጽዲቑዎን እቲ መተግበሪ ኣይክዕጾን።
እንተኾነ ሕጂ'ውን ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ስምምዕ ከጽድቖ ተኽእሎ ኣሎ'ዶ ዝብል ኣይፍለጥን።
ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ብተደጋጋሚ እቶም መተግበሪታት ሓደገኛታት'ዮም ዝብል ነቐፌታ ከቕርብ ጸኒሑ'ዩ።
ሎሚ መዓልቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ንግዲ ኣመሪካ ዝወጽአ መግለጺ ገዛኢ ሰልፊ ቻይና "ሃገራዊ ድሕነት፣ ፖሊሲ ጉዳይ ወጻእን ቑጠባን ኣመሪካ ንምህዳድ ተጠቒሙሎም'ዩ" ክብል ይነቅፍ።
ባይትዳንስ ካብ ኣመሪካን ሲንጋፑርን ወጻእ ኣብ ቻይና ዝኾነ ዓይነት መረዳእታ ተጠቀምቲ ከምዘይብሉ ክገልጽ እንከሎ፡ ንዊቻት ዝውንን ቴንሴንት ድማ ኣብቲ መተግበሪ ዘለው መልእኽታት ውልቃዊ'ዮም ኢሉ።
ቲክቶክ ኣብ ኣመሪካ ሚሊዮናት ተጠቀምቲ ዘለውዎ ኮይኑ፡ ካብ ቻይና ወጻእ ዘለው ቢሊዮናት ዝቑጸሩ ተጠቀምቲ ዊቻትን ግን ክንደይ ምዃኖም ኣይፍለጥን።
ህንዲ ንቲክቶክን ዊቻትን ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ስርሓት ቻይና ዝኾኑ መተግበሪታት ኣጊዳ'ያ።
መንግስቲ ህንዲ፡ እቶም መተግበሪታት "ንሉእላውነትን ውህደትን ከምኡ'ውን ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ስግኣት'ዮም" ክብል ይኸሶም።