ሸውዓተ ግዜ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝሃደመ ዕሉል ቀታሊ ንሻውዓይ ግዜ ተታሒዙ

ሰብ ቀቲሉ ኣብ ማእሰርቲ ዝነበረ ጁሰፐ ማስቲኒ ንሻውዓይ ግዜ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ድሕሪ ምህዳሙ ኣብ ሓደ ደምበ ናይ ኣባጊዕ ከም ዝተረኸበ ፖሊስ ዓዲ ጣልያን ሓቢሮም።

ጁሰፐ ማስቲኒ ዝያዳ በቲ ጆኒ ዘ ጂፕስይ ዝብል ቅጽል ስሙ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብቲ ኣብ ሳርድንያ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ንግዙኡ ካብቲ ብጽኑዕ ተኣሲሩሉ ዝነበረ ፍሉይ ክፍሊ ምስ ካልኦት እሱራት ምስ ተሓወሰ’ዩ 6 መስከረም 2020 ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ተሰዊሩ።

ንሱ፡ 6 መስከረም 2020 ካብ ቤት ምእሰርቲ ምስ ሃደመ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ከተማ ሳሳሪ ኣብ ዝርከብ ሓደ ናይ ሕርሻ ቦታ ከም ዝኣተወ ፖሊስ ክፈልጥ ስለ ዝኸኣለ’ዩ ክተሓዝ ክኢሉ።

ጁሰፐ ማስቲኒ መጀመርታ ኣብ 1987 ካብ ቤት ምእሰርቲ ከም ዝሃደመን ካብ ወዲ 11 ዓመት እንከሎ ጀሚሩ ገበናት ብምፍጻም ከም ዝተተሓሓዞ’ዩ መዛግብቱ ዝሕብር።

ጁሰፐ ማስቲኒ ኣብ 1987 ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ሃደመ ክልተ ዓመት ካብ ፖሊስ እናሀደመ እዩ ኣሕሊፍዎ።

ኣብቲ ካብ ፖሊስ ዝሃድመሉ ዝነበረ እዋን ድማ ሓደ ፖሊስ ቐቲሉ፡ ሓንቲ ትሕቲ ዕድመ ቆልዓ ጨውዩን ብዙሕ ግዜ ገበናት ስርቂ ኣካይዱን።

ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ዝሃደመሉ፡ ፖሊስ ከተማታት ሳሳሪ ካግላርያን ሮማን ኣብ ምትሓዙ ተዋፉሮም ብሰሉስ ከም ዝሓዝዎ ተገሊጹ።

ማስቲኒ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ምስ ሃደመ፡ ንኸይልለ ጸጉሩ ሕብሪ ከም ዘስተዮን ምስ ተተሓዘ “ንፍቅረይ ክብል እየ ካብ ቤት ማእሰርቲ ሃዲመ” እኳ እንተበለ ተወሳኺ መብርሂ ግን ከም ዘይሃበ ፖሊስ ሓቢሮም።

ፖሊስ ምስ መጽኡ ብዘይ ዝኾነ ተቃውሞ ኢዱ ከም ዝሃበን ዝኾነ ብረት ከም ዘይነበሮን’ውን እቶም ፖሊስ ሓቢሮም።

ዋና እቲ ሕርሻ ዝኾነ ወዲ 51 ዓመት ሎሬንዚ ፓነኒ’ውን ንሓደ ዕሉል ገበነኛ ኣዕቊብካ ዝብል ክሲ ቀሪብሉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ኣሎ።

ማስቲኒ ቅድሚ ሕጂ ሓሙሽተ ግዜ ካብ ቤት ማእሰርቲ ሰሜን ዓዲ ጣልያን ክሃድረም እንከሎ ሓደ ግዜ ድማ ንግዜኡ ተባሂሉ ምስ ተፈተሐ ተሰዊሩ ምንባሩ ፖሊስ ሓቢሮም።