እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሴኔተራት ኣመሪካ፡ ጀዋር መሓመድን መሓዝቱን ክፍትሑ ጸዊዖም
ክልተ ሰኔተራት ኣመሪካ፡ ጀዋር መሓመድን ካልኦት እሱራት ፖለቲካን ካብ ቤት ማእሰርቲ ክፍትሑ ጸዊዖም።
ኣብ ኣመሪካ ጽልዋ ከምዘለዎም ዝእመነሎም እዞም ክልተ ሰኔተራት፡ እዚ ጻውዒት ዝገበሩ ናብ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ዘሰደድዎ ደብዳበ እዩ።
እቶም ሴኔተራት፡ ኣብቲ ደብዳበኦም፡ ከምዚ ክብሉ ስግኣቶም ገሊጾም።
"እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተልዓለ ናዕቢን ንዕኡ ስዒቡ፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተወስደ ስጉምቲን ነቲ መጺኡ ዝነበረ ለውጢ ዝሃሲ እዩ" ኢሎም።
ኣብ ውሽጢ'ዚ ሰሙን፡ 20 ኣባላት ኮንግረስ ኣመሪካ፡ ኢትዮጵያ ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ተምርሕ ከምዘላ: ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጽዕንቶ ከፈጥር ምሕታቶም ዝዝከር እዩ።
እቲ ሓድሽ ደብዳበ እንታይ እዩ ዝብል?
እቲ ብኣሚ ክሎቡቻርን ቲና ስሚዝን ዝተብሃሉ ሴናተራት ዝተጽሓፈ ደብዳበ፡ ስሙይ ፖለቲከኛን ወናኒ ዓብዪ ሚድያን፡ ጃዋር መሓመድን መሓዝቱን ብዝምልከት ስግኣት ከምዝሓደሮም ዝይገልጽ እዬ።
እቲ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ንስሙይ እሱር ፖለቲካ ጃዋር መሓመድን መቕርቡን መሳርሕቱን ሚሻ ቺሪን 'ግቡእ ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ' ከምዝግበረሎም ንምርግጋጽ ኣድላይ ስጉምቲ ክወስድ ይሓትት።
እቶም መሓዙት፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ሙሉእ ሰብኣዊ መሰሎም ንከኽበረሎም ዝከኣሎ ኩሉ ሓገዝ ክገብር ድማ ሓቲቶም።
ጃዋር መሓመድ፡ ኣብ ግዝኣት ሚኒሶታ ኣመሪካ፡ ኮይኑ ኣንጻር ኢህወዴግ ቃልሲ ብማሕበራዊ ሚድያ ዘካየደ ኾይኑ፡ ኣብኡ እናሃለወ ድማ፡ ዓብዪ ሚድያ ኦኤምኤን፡ ኣጣይሹ።
'ኣብ ሰቖቓ ኢና ዘለና'
ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመጽአ ለውጢ፡ ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ ዝተገብረ ምትሕንፋጽን ናቱ ኣበርክቶ ብዙሕ ከምዝኾነ እዩ ዝንገር።
መጀመርታ፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ካብ ሚኒስተርንት ምክልኻል ሃገር ዝተሰጎገ ኣይተ ለማ መገርሳ ቀዳማይ ሚኒስተር ንክኸውን፡ ድሌት ዝነበሮ፡ ጃዋር መሓመድ፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ብዝነበረ ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ክትካእ ምርኣዩ ሕጉስ ኣይነበረን።
ይኹን'ምበር፡ ድሒሩ ነቲ ዝተጀመረ ለውጢ ክድግፍ ጀሚሩ ነይሩ።
እንተኾነ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝኸዶ ክያዶ ስለዘየሐጎሶ፡ ምንቃፍ ጀሚሩ። ብፍላይ ሃገራዊ መረጻ ዝተናወሐሉ መገዲ ነጺጉ።
ብዙሓት ደገፍቱ፡ ብዚ ምኽንያት ኣብ ዓይኒ ጸላኢ ከምዝኣተወ እዮም እዮም ዝኣምኑ።
ጃዋር፡ ኣብቲ ንቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ዝተልዓለ ናዕቢ፡ ምስ ቅትለት ሓደ ፖሊስ ተዛሚዱ እዩ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ።
ምስኡ ድማ፡ በቀለ ገርባን ካልኦት ልዕሊ 35 ኣባላት ናቶም ፓርቲ ዝኾነ ፌዴራላዊ ኮንግረስ ኦሮም [ኦፌኮ] ተኣሲሮም።
ውድቡን ደገፍቱን፡ ኮነ ተባሂሉ ብፖለቲካዊ ኣራኣእይኡ ከምዝተዳጎነ እዮም ዝገልጹ።
ሂዩማንራይተስ ዎችን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን እቶም 'እሱራት ፖለቲካ' ሰብኣዊ መሰሎም ክሕሎን ክፍትሑ ሓቲቶም እዮም።
በዓልቲ ገዝኡን ኣደ ጓሉን ንጃዋር መሓመድ ዝኾነት ፡ ኣርፋሰ ገመዳ፡ በዓል ገዘኣ ንልዕሊ ሸውዓተ ሰሙን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝጸንሐሉ እዋን፡ ኣብ 'ሰቖቓ' ከምእትርከብ ንትካል ሚድያ ፎክስ ተዛሪባ።
"ብውልቀና ኣብ ጭንቂ ኢና ንርከብ። ከም ተወላዲት ኦሮሞ ድማ፡ ህዝብና ኣብ ከቢድ ኩነታት እዩ ወዲቑ" ኢላ።
ኣርፋሰ፡ ወሲኻ ድማ፡ "ጃዋር ዝፈጸሞ ገበን የለን። እሱር ፖለቲካ እዩ። ብሰንኪ ፖለቲካዊ እምነቱ እዮም ዳጒኖምዎ ዘለዉ" ኢላ።