ታንዛንያ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዝተልዓለ ባርዕ ዓሰርተ ተምሃሮ ሞይቶም

ኣብ ሰሜን ምዕራብ ታንዛንያ ዞባ ካጌራ፡ ኣብ መደቀሲ ተምሃሮ ብዝተልዓለ ባርዕ ሓዊ ዓሰርተ ተምሃሮ ሞይቶም።

ካልኦት ሸውዓተ ተምሃሮ ድማ ብፅኑዕ ተጎዲኦም ኣብ ሕክምና እዮም ዝርከቡ።

እቲ ባርዕ ሓዊ ካብ ሽዱሽተ ክሳብ ዓሰርተ ዕድመኦም ኣወዳት ኣብ ዝነብሩሉ መደቀሲ ዝተላዓለ ኮይኑ፡ ፖሊስ መንቀሊ እቲ ባርዕ የፃርይ ኣሎ።

ኣካላት ናይቶም በቲ ባርዕ ዝሞቱ ተምሃሮ ምፍላይ ከምዘይተኽኣለ ዝገለፀ ኮምሽነር ወረዳ ክየርዋ፡ መንነቶም ንምፍላይ ምርመራ ሰረት ዘርኢ ክግበር ምኻኑ ሓቢሩ።

ኣብቲ ዞባ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘጋጥም ባርዕ ሓዊ ልሙድ እንትኾን፡ ኩነታት ድሕነት ክመሓየሽ ፃውዒት እናተገበረ እዩ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ከተማ ዳሬሰላም ኣብ ሓደ እስላማዊ ቤት ትምህርቲ ብዝተልዓለ ባርዕ ሓዊ ሰለስተ ተምሃሮ ሞይቶም እዮም።