ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ዝሞቱ ኣመሪካውያን 'ኣናዒቑ'

ትራምፕ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ህይወቶም ዝሰኣኑ ኣመሪካውያን ወተሃደራት 'ክሱራት' ከምኡ ድማ 'ዓያሹ' ክብል ከምዘናሸዎም ዘቃልዐ ጋዜጠኛ፡ ትራምፕ ይሕነየሉ ኣሎ።

በቲ ተግባር ዝተቖጠዐ ትራምፕ፡ ነቲ ጋዜጠኛ ‘ሓሰኻ ዕነ’ ኢሉ ከምዝጸረፎ ሚድያታት ይጽሕፉ ኣለዉ።

እቲ ትራምፕ ኢልዎ ዝተብሃለ ቃል፡ ኣብ ኣትላንቲክ ዝተብሃለ መጽሄት እዩ ተጻሒፉ።

ትራምፕ ግን፡ ነቲ ተግባር፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ 2016 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ፡ መታን ክሰዓር 'ምስ ሩስያ ተሻሪኹ' ብዝብል ይቐርበሉ ምስ ዝነበረ ክስታት ኣመሳሲልዎ።

እቲ ትራምፕ ኢልዎ ተባሂሉ ዘካትዕ ዘሎ ቃል፡ ኣሶሼትድ ፕሬስ እውን ኣረጋጊጽዎ እዩ።

'ቨተራንስ ግሩፕ' ዝበሃል ዓብዪ ጉጅለ ኣመሪካ ድማ፡ ነቲ ናይ ትራምፕ ዘረባ ኮኒንዎ ኣሎ።

ካልእ 'ፕሮግሮሲቭ ግሩፕ' ዝበሃል ጉጅለ ድማ፡ ናይ ሓደ ዝተቐትሉ ሙሉእ ስድራ ዘርኢ ቪድዮ ፡ “መስዋእቲ ምዃን ማለት እንታይ ድዩ?” ዝብል ኣርእስቲ ሂቡ ዘርጊሕዎ።

ትራምፕ ምስ ወተሃደራት ኣመሪካ፡ ጽንኩር ዝበሃል ርክብ ከምዝነበሮን ከምዝፍቶን እዩ ዝዛረብ ነይሩ።

ዳርጋ ሰለስተ ናይ ሓሙሽተ ኢድ ኣባላት ምክልኻል ሃገር ኣመሪካ፡ ንሰልፊ ሪፐብሊካን ከምዝፈትው ገለ መጽናዕቲ ኣርእዩ ነይሩ።

ሕዚ ግን፡ በዚ ኣበሃህልኡ ብዙሓት ከይቅየሙዎ ተሰጊኡ ኣሎ።

ትራምፕ እንታይ እዩ ኢሉ?

መጽሄት ኣትላንቲክ ከምዝብሎ እንተኾይኑ፡ ትራምፕ ኣብ 2018 ኣብ ፓሪስ ይጽምበል ኣብ ዝነበረ መዘክር መበል 100 ዓመት ቀዳማይ ኲናት ዓለም፡ ናብ'ቲ ኣብ ጥቓ ፓሪስ ዝርከብ መቃብር ወተሃደራት ኣመሪካ ክኸይድ ኣይደለየን ነይሩ።

ነቲ መቓብር ‘ብክሱራት ዝተመልአ’ ድማ ኢልዎ ተባሂሉ።

ኣብቲ እዋን ሓያል ዝናብ ከምዝነበረን ‘ጨጉረይ ክበላሸወኒ እዩ’ ብዝብል ናብ'ቲ ናይ መቓብር ስፍራ ክኸይድ ከምዘይደለየ ዝጠቐሰ እቲ መጽሄት፡ ኣርባዕተ ምንጭታት ጠቒሱ እዩ።

ብተወሳኺ፡ ትራምፕ ናብቲ መቓብር ክኸይድ ዘይደለየሉ ምኽንያት፡ ነቶም ኣብቲ ኲናት ዝሞቱ ወተሃደራት ኣመሪካ ምዝካር ኣድላይ እዩ ኢሉ ስለዘይኣምን ምዃኑ እዩ ተገሊጹ።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ቤላ ዉድ እናተብሃለ ኣብ ዝጽዋዕ ቦታ ምስ ወተሃደራት ጀርመን [ሂትለር] እንትዋግኡ ህይወቶም ንዝሰኣኑ 1800 ወተሃደራት ኣመሪካ ድማ ‘ዓያሹ’ ከምዝበሎም እቲ መጽሄት ወሲኹ ገሊጹ።

እቲ መጽሄት ስም ምንጭታት ኣይጥቀስ 'ምበር፡ ‘ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣመራርሓ’ ከምዝተዛረብዎ እዩ ዝገልጽ።

ርግጽ እቲ ትራምፕ ኢልዎ ዝተብሃለ፡ ኣማኻሪ ነበር ትራምፕ፡ ጆን ቦልተን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘጽኦ መጽሓፍ’ውን ተቓሊዑ እዩ።