እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘት ስደተኛ፡ ኣብ ሄሊኮፕተር ሓሪሳ
ኣብ ጣልያን፡ ሓንቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘት ስደተኛ፡ ብሄሊኮፕተር ናብ ሆስፒታል እናተወሰደት እንከላ ሓሪሳ።
እታ ስደተኛ፡ ኣብ ደሴት ላምፔዱሳ ካብ ዝርከብ ልዕሊ ዓቐን ስደተኛታት ዝተሸከመ ግዚያዊ መዕቆቢ፡ ዝሓሸ ሕክምና ናብ እትረኽበሉ ቦታ እናተወሰደት እንከላ እያ ኣብ’ታ ሄሊኮፕተር ሓሪሳ።
እታ ኣደ፡ ሕርሲ ምስ ጀመራ ምርመራ ኮሮናቫይረስ ዝተገበረላ ኾይኑ፡ በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዘት ድማ ተፈሊጡ።
ሮይተርስ ከምዝበሎ፡ እታ ኣደ ኣብ’ቲ ልዕሊ ዓቐን ዝተጻበበን፡ ካብ’ቲ ክሽከሞ ዝኽእል መጠን 10 ዕጽፊ ስደተኛታት ዝተሸከመን ግዚያዊ መዕቆቢ እያ ጸኒሓ።
ድሕሪኡ ኸኣ፡ ኩነታታ ዘሻቐሎም ሰብመዚ፡ ካብ’ቲ መዕቆቢ ወጺኣ ኣብ ከተማ ፓርሌሞ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ክትኸይድ ገይሮም።
ካብ’ቲ መዕቆቢ ተበጊሳ ናብ ሆስፒታል ክትበጽሕ፡ ናይ ሓደ ሰዓት በረራ ይጽበያ ነይሩ፡ እታ ኣደ ግን ከይተሓሰበ ኣብ ውሽጢ እታ ሄሊኮፕተር እያ ሓሪሳ።
እታ ስደተኛ ካበይ ከምዝኾነትን ‘ወዲ ዶ ጓል ሓሪሳ?’ ዝብልን ኣይተገለጸን፤ እንተኾነ እታ ኣደ ምስ ውላዳ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ኣብ ሆስፒታል እዮም ዘለዉ።
ብኻልእ ወገን፡ ካብ ባሕሪ ዝደሓኑ 27 ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ፡ ነቶም ዝጸዓነቶም ስደተኛታት ክተራግፍ ክፍቀደላ ደጊማ ሕቶ ኣቕሪባ ኣላ።
እታ ናይ ንግዲ መርከብ ብማልታ ሕቶ ቀሪቡላ ነቶም ስደተኛታት፡ ኣብ መፈለምታ ወርሒ መስከረም ካብ ባሕሪ ምስኣድሐነቶም፡ ክሳብ እዚ እዋን ኣብ ባሕሪ ሰንፈላል ኮይና እያ እትርከብ።