ኣብ ትምህርቲ ውሳነ መንግስቲ ፌደራል፡ ኣብ ትግራይ ተፈጻሚ ንምግባር ይዝተየሉ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዓለም ብለበዳ ኮሮናቫርስ ናብ ስግኣትን ቅልውላውን ክትኣትው ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን ብቐዳምነት ካብ ዝተወሰዱ ስጉምትታት እቲ ሓደ ኣብያተ ትምህርቲ ምዕጻው እዩ።
ኢትዮጵያ'ውን ሓንቲ ካብተን ኣብያተ ትምህርቲ ብኣጋ ክዕጸዉ ዝወሰናን ክሳብ ሎሚ ተምሃሮአን ናብ መኣዲ ትምህርቲ ዘይመለሳን ሃገራት ዓለም ኮይና'ላ። እቲ ዝተኣጓጎለ ግዜ ትምህርቲ ዝባኸነ ኮይኑ ንኸይሓልፍ ብዝብል ድማ ተምሃሮ ናብቲ ዝቕጽል ክፍሊ ብዘይፈተና ክሰግሩ ከምዝተወሰነ ይዝከር።
ዘመነትምህርቲ 2013
ሚንስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ወግዓዊ ከምዝገበሮ ነቲ ዝመጽእ ዘሎ ዘመነ ትምህርቲ ምዝገባ ተምሃሮ ክጅምር ኣብ ውሳነ ተበጺሑ'ዩ።
ኣብታ ሃገር ዝርከባ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ካብ 20 ነሓሰ 2013 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ምዝገባ ክጅምራ መምርሒ ተዋሂቡ'ሎ።
ኣብቲ ሚንስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ህዝባዊ ርክባት ወይዘሮ ሃረጓ ማሞ ከምዝሓበረቶ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ንለብዒ እቲ ቫይረስ ብዘየሳጥሕ መገዲ ኩነታት ኣመቻችየን ምዝገባ ከካይዳ'ዩ ተወሲኑ።
"እቲ ምዝገባ ኣብ ዝካየደሉ እዋን ብፍላይ እተን ብዙሕ ቁጽሪ ተምሃራይ ዘለወን ኣብያት ትምህርቲ ንምክልኻል ኮሮናቫይረስ ቆላሕታ ብምሃብ ከካይዳ ኣለወን" ትብል።
ኣብያተ ትምህርቲ መጽረዪ ኢድ ሳኒታይዘር ከዳልዋ፤ ተምሃሮን ወለድን ድማ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ገይሮም ክመጽኡ፤ ማይን ሳሙናን ብምቕራብ ከኣ እናተሓጸቡ ክኣትዉ ምግባር ከምዘድልይ ተረድእ።
መሰርሕ ምምሃር ምስትምሃር ምስተጀመረ ክግበሩ ኣብ ዘለዎም ነገራት ኣድሂቡ ዝሰርሕ ሓደ ጉጅለ ከምዝቖመ'ውን ወይዘሮ ሃረጓ ሓቢራ።
ምድላውኣብትግራይ?
ትግራይ ብመሰረት እቲ ካብ ሚንስትሪ ትምህርቲ ዝተወሃበ መመርሒ ንዘበነ ትምህርቲ 2013 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ምዝገባ ተምሃሮ ክትጅምር ቅድመ ምድላው ከምዝወገነት ካብ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
"እቲ ወሳናይ ነገር ምስ ምክልኻል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝተሓሓዝ ዝግበር ቅድመ ምድላው እዩ። እቲ ኸይዲ ምምሃር ምስትምሃር ክቕጽል'ዶ ይኸውን? ዝብል ግን ዓብዪ ሕቶ እዩ" ይብል ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ዶክተር ገብረመስቀል ካሕሳይ።
ይኹን እምበር ኣብቲ ክልል ዘድልይ ምድላው ይግበር ከምዘሎ ንቢቢሲ ሓቢሩ'ሎ። ብቐዳምነት ድማ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ለብዒ እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ክግበር ኣብ ዝግባእ ጥንቃቐ ሰነድ ከምዝተዳለወ ገሊጹ።
"እዚ ሰነድ ከኣ ተምሃሮ ማስክ [መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን] ክገብሩ፤ መእተዊ ማዕጾ ሓደ እንተነይሩ ተወሰኽቲ ክዳለዉ ምግባር፤ ከምኡ'ውን መዕቀኒ ረስኒ ሰብነት ክህሉ ድዩ? ዝብሉን ካልኦትን ዘካተተ እዩ" ይብል ካብ ዝተገበሩ ቅድመ ምድላዋት ክገልጽ ከሎ።
ብዘይካ'ዚ ኣብ ሓደ መምሃሪ ክፍሊ ዝመሃሩ ዝነበሩ ተምሃሮ ቁጽሮም ክንክይ ብምግባር ነቲ ክፍጠር ዝኽእል ጽዑቕ ምትእኽኻብ ንምንካይ ተሓሲቡ እዩ።
"ኩለን ኣብያተ ትምህርትና ፈቲሽና ኣብ ኽፍሊ ክንደይ ተምሃራይ ክመሃር ከምዝኽእል ሰለስተ ኣማራጽታት ዝሓዘ ካልእ ዓብዪ ሰነድ'’ውን ተዳልዩ'ሎ። ኣብ ሓደ ክፍሊ ክሳብ 30 ተምሃሮ ጌርካ፤ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ፈረቓ ከምህራ ዝኽእልኸ ኣየኖት ኣብያተ ትምህርቲ እየን? ካብ ሰኑይ ክሳብ ሰኑይ ከምህራ ዝኽእላኸ? ዝብሉን ካልኦትን ዝርዝር ሰነድ ተዳልዩ’ሎ” ኢሉ ዶክተር ገብረመስቀል።
“ውሑስ እንተኾይኑ ደቀይ ናብ ቤት ትምህርቲ ክልእኽ እየ”
ነባሪ ከተማ መቐለ ኣይተ ክብሮም ኢታይ ክልተ ደቁ ተምሃሮ 11ን 4ይን ክፍሊ እዮም። ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይት ዝመሃሩሉ ቤት ትምህርቲ ካብ ዝዕጾ ንደሓር ኣብ ገዝኦም ብሬድዮ፣ ቴሌቪዥንን ካልእ መገዲን ትምህርቶም ክከታተሉ ምጽንሖም ይዛረብ። ብዘይካ’ዚ ደቁ ግዚኦም ከይባኽን መጻሕፍቲ እናንበቡን ናይ ርሕቐት ትምህርቲ እናተኸታተሉን ዝከኣሎም ይጽዕሩ።
እንተኾነ እዚ ኩሉ ማዕረ ምስቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ውዒልካ ዝርከብ ፍልጠት ክወዳደር ከምዘይኽእል ኣይተ ክብሮም ይገልጽ። ንዘመነ ትምህረቲ 2013 ኣ.ኢ ምዝገባ ተምሃሮ ክጅመር ምዃኑ ድማ ከምዝቕበሎ ይዛረብ።
“ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ትምህርቲ ክጅመር እዩ ይበሃል ኣሎ። ኣብ ምጅማሩ ዝኾነ ዓይነት ቅሬታ የብለይን። ግን ድማ ክሕሰበሎም ዝግባእ ነገራት ኣለዉ። ንኣብነት ኣብ ሓደ ክፍሊ 70 ተምሃሮ እንተነይሮም ናብ 35 ነኪኻ እንተዝጅመር ጸቡቕ ይመስለኒ” ክብል ስክፍትኡ የረድእ።
ኣድላዪ ዝኾነ ጥንቃቐ ብምግባርን ኣብ ሓደ ወንበር ሓደ ተምሃራይ ኮፍ ዝብለሉ ኩነታት ብምምችቻውን እቲ ምምሃር ምስትምሃር እንተጀሚሩ ሕጉስ ከምዝኸውን ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብ ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ መቐለ ሕብረተሰብ ኣብ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ድኹም ዝኾነ ጥንቃቐ የርእይን ከምዘሎ ስክፍትኡን ትዕዝብቱን ይሕብር ኣይተ ክብሮም። እዚ ኩነታት ከኣ ምስ ምጅማራ ትምህርቲ ከቢድ ሓደጋ ዘስዕብ ከይኸውን የጠንቅቕ።
“ንጽባሕ ብምሕሳብ፤ ንደቅናን ተምሃሮን ሓሊና ኩሉ እንገብሮ ምንቅስቓስ ጥንቃቐ ብዝተመልኦ ክኸውን ከምዝግባእ ክዛረብ እደልይ። ስለዚ እኹል ዝኾነ ቅድመ ምድላው እንተተገይሩን ውሑስ ዝኾነ ኩነታት እንተሃልዩን ደቀይ ናብ ቤት ትምህርቲ ንምልኣኽ ድልው እየ” ኢሉ።
ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ዶክተር ገብረመስቀል ብድሕሪ ምዝገባ ስሩዕ ዝኾነ ትምህርቲ መዓዝ ከምዝጅመር ንጹር መዓልቲ ምቕማጥ ከምዘይከኣል ብምሕባር ነቶም ምስ ምክልኻል ለብዒ ኮቪድ-19 ብዝተሓሓዝ ኣብ ዝተገበሩ ምድላዋት ንምፍጻም ግን ብድሆታት ክህልዉ ከምዝኽእሉ የረድኡ።
“ንዘለዉና ከባቢያዊ ጸጋታት ብምርኣይ ግዚያዊ መምሃሪ ክፍልታት ክነዳልው ንኽእል ኢና። ግን ከኣ ብድሆታት ከምዝህሉ ፍሉጥ’ዩ። ንኣብነት ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ዝነበሩ 60 ተምሃሮ ናብ ክልተ እንተመቒልናዮም ሕጽረት መምህራን ከጋጥም ከምዝኽእል ርዱእ እዩ” ይብል።
ይኹን’ምበር ነዚ ብድሆ ኣብ ግምት ዘእተወ ሰነድ ከምዝተዳለወ ገሊጹ’ሎ።
ብዘይፈተና ምስጋር
መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሰሙናት ወግዓዊ ከምዝገበሮ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ትህርቶም ዝተኣጓጎሎም ተምሃሮ ናብቲ ዝቕጽል ክፍሊ ብዘይፈተና ክሰግሩ ተወሲኑ’ዩ።
እዚ ውሳነ ንናይ 8ይን 12ን ክፍሊ ተምሃሮ ኣይሃውስን።
ኣቦ ክልተ ተምሃሮ ዝኾነ ኣይተ ክብሮም ግን ነዚ ውሳነ ከምዘይቕበሎ’ዩ ዝገልጽ። ነዚ ዝብለሉ ምኽንያት ከኣ ፍርቂ ዓመት ዘይመልእ ግዜ ተማሂሮም ናብ ዝቕጽል ክፍሊ ይስገሩ ምባል ኣብ ተምሃሮ ጽልዋ ከምዝህልዎ ብምስጋእ ከምዝኾነ የረድእ።
“እዚ ጌጋ ውሳነ ይመስለኒ። ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን ንተምሃሮ ኣብ ገዛ ዝግበረሎም ዝነበረ ሓገዝን ክትትልን ትሑት’ዩ ነይሩ። ስለዚ ኣብታ ዝነበርዎ ደጊሞም እንተዝቕጽሉ’የ ዝብል ኣነ። ናብቲ ዘይፈልጥዎ ዝቕጽል ክፍሊ ክኣትዉ ከለዉ ስለዝኸብዶም ጽቡቕ ውጽኢት ከምጽኡ ኣይክእሉን” ይብል ኣይተ ክብሮም።
ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ “11ን 4ይን ክፍሊ መሃሩ ደቀይ ናብ ዝቕጽል ክፍሊ ይስገሩ እንተተባሂሉ ናብ ዘይፈልጥዎ ትምህርቲ ስለዝኣትዉ ክኸብዶም ይኽእል እዩ። ስለዚ እንተዝድገም እየ ዝብል ኣነ” ክብል ሓሳቡ ገሊጹ።
ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ዶክተር ገብረመስቀል ንውሳነ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ትግራይ ተፈጻሚ ንምግባር ምስ ህዝቢ ዘተ ምግባር ኣገዳሲ ስለዝኾነ ብደረጃ ክልል ዳህሳስ ከምዝተኻየደ ይገልጽ።
“ሕብረተሰብ እንታይ ከምዝብል ክንፈልጥ ግድን እዩ። ደቁ ስለዝኾኑ ነቲ ውሳነ ክቕበሎ እንተኾይኑ ክዝትየሉ ግድን ይመስለኒ። ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ብጭቡጥ ክፈልጡ ዝኽእሉ ተምሃሮ፣ ወለዲን መምህራንን እዮም። ስለዚ ኣብ ውሳነታትን ካልኦት ዝስርሑ ስራሕትን ክተማኽሮም ይግባእ” ክብል የረድእ።
ካብ ህዝቢ ኣብ ዝተወሃበ ርእይቶ እቲ ዝበዝሕ “ደቅና ኣብ ዝነብርዎ ክፍሊ መከሓሓሲ ትምህርቲ ከይተወሃቦም ናብ ዝቕጽል ክፍሊ ክሰግሩ የብሎምን” ዝብል ከምዝኾነ ድማ ሓቢሩ ዶክተር ገብረመስቀል።
“ውሑዳት እዮም እምበር ‘እንተሰገሩ ጸገም የብሉን’ ዝበሉ እውን ኣይተስኣኑን። መከሓሓሲ ትምህርቲ ማለት ከኣ ዋላ ኣብ ዝተደራረበ ጊዜ ነቲ ዝነበሩሉ ክፍሊ ዝግባእ ትምህርቲ ክወሃቦም ምግባር’ዩ” ኢሉ።
እቲ ዝተኻየደ ዳህሳስ ምስተጠርነፈ ውጽኢቱ ኣብ ቀረባ እዋን ወግዓዊ ከምዝግበር’ውን ኣዘኻኺሩ’ሎ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







