እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኬንያዊት ጋዜጠኛ ቪክቶርያ ሩባዲሪ ተዓዋቲት ሽልማት ቢቢሲ ኮምላ ዱሞር ኮይና
ኬንያዊት ጋዜጠኛ ምርምርን ኣቅራቢት ዜናን ቪክቶርያ ሩባዲሪ ተዓዋቲት ሽልማት ቢቢሲ ኮምላ ዱሞር 2020 ኮይና።
ሩባዲሪ ኣብ መደበር ተለቪዥን ሲቲዝን ቲቪ ናይ ኬንያ ትሰርሕ ኮይና ኣብቲ ማዕከን ዜና ኣቐራቢት ዜናን ኣዳላዊት ምርምራዊ [ሰነዳዊ] ዶከመንታሪታት እያ።
ሩባዲሪ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ናይ ጋዜጠኝነት ክትሰርሕ እትኽል ኮይና ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቓ ሓንቲ ካብቶም ብዙሓት ደገፍቲ ዘለወዎም ውሑዳት ጋዜጠኛታት እያ።
ንሳ ንህሉው ጉዳያትን ፖሎቲካን ኣመልኪታ ምስ ብዙሓት መራሕቲ ቃለ መሕተት ዝገበረት’ውን እያ።
ሽልማት ኮምላ ዱሞር፡ ነቲ ኣብ መበል 41 ዓመቱ ኣብ 2014 ብሃንደበት ዝሞተ ውሩይ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ወርልድ ሰርቪስ ዝነበረ ኮምላ ዱሞር ንምዝካር ተባሂሉ ዓመታዊ ዝውሃብ ሽልማት እዩ።
ሩባዲሪ ካብ ኬንያ ካልኣይቲ ብደረጃ ኣፍሪቃ ድማ ሻድሸይቲ ተዓዋቲት እዚ ሽልማት ኮይና ኣላ።
ቅድሚ ሕጂ ሶሎሞን ሰርዋንጃ፡ ዋይሂንጋ ምዋሩ፡ ኣሚና ዮጉባ፡ ዲዲ ኣኪንየሉረ ከምኡ’ውን ናንሲ ካኩንዲራ ተዓዊተምሉ ነይሮም።
ሩባዲሪ ነዚ ሽልማት ስለዝተዓወተትሉ ንሰለስተ ኣዋርሕ ፍሉይ ስልጠና ብምውሳድ ኣብ ራድዮ ተለቪዥንን ‘ኦንላይንን’ ቢቢሲ ብምስራሕ ተመክሮኣ ክትለዋወጥ ዘኽእል ዕድል ክህልዋ እዩ።
ሩባዲሪ “ኮምላ ኩሉ ዘማልአ ጋዜጠኛ’ዩ ነይሩ። ኣነ ድማ ብእኡ ኣዝየ’የ ዝምሰጥ ነይረ” ኢላ።
ንሳ ብምስዓብ፡ " ምስ ቢቢሲ ተሓዊሰ ክምሃርን ተመክሮ ክለዋወጥን ዕድል ስለዘለኒ ምስ ኣብ ውሽጢ ሃገር፤ኣህጉርን ዓለምን ዘለዎ ተኸታተልቲ ንኽራኸብን ዛንታ ንኽነግርን ዘኽእል ዕድል እዩ” ኢላ።
ዳይረክተር ቢቢሲ ወርልድ ሰርቪዝ ጃሚ ኣንገስ “ቪክቶርያ ዓሚቕ ክእለታ ኣብ ቢቢሲ መጺኣ ከተርእዮ እያ” ኢሉ።
ጃሚ ኣንገስ ብምስዓብ “ ኮምላ ዘይተነገሩ ዛንታታት ኣፍሪቃ ኣብ ምንጋር ፍሉይ ተውህቦ ዝነበሮ ጋዜጠኛ እዩ ነይሩ፡ ቪክትቶያ’ውን በቲ ናታ መነጽር ገይራ ዛንታታት ናብ ተዓዘብቲ ከተቕርብ ኢና ትጽቢት ንገብር” ኢሉ።