መረፃ ኬንያ፡ በዓለ ሲመት ፕረዚደንት ኬንያ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ሓለዋ

ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ንኻልኣይ ጊዜ ድሕሪ ምምራጹ ሎሚ መዓልቲ ቃለ-መሓላ ኣብ ዝገብረሉ መዓልቲ ኣብታ ሃገር ሓለዋ ጸጥታ ክብ ኢሉ'ሎ። ልዕሊ 20 መራሕቲ ሃገራትን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስታትን ኣብቲ ጽምብል ክሳተፉ ድማ ትጽቢት ይግበር።

ፖሊስ ኣብቲ መዓልቲ ዝኾነ ይኹን ሰላማዊ ሰልፊ ከይግበር እኳ እንተጠንቀቑ፡ እቲ ካብ ዳግማይ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ኢዱ ዝሰሓበ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ራይላ ኦዲንጋ ግን ደገፍቱ ንሰልፊ ክወጽኡ ጸዊዑ'ሎ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ንውጽኢት ናይቲ ኣብ ነሓሰ ዝተገብረ ፕረዚደንታዊ ምርጫ "ምጥፍፋእ" ነይሩዎ ብምባል ሰሪዙዎ'ዩ። ኣብቲ 39 ሚእታዊት ካብ ኣድመጽቲ ዘድመጽሉ ናይ 26 ሕዳር ዳግማይ ምርጫ ድማ ኡሁሩ ኬንያታ 98 ሚእታዊ ድምጺ ብምርካብ ተዓዊቱ።

ጽምብል ኣብ እዋን ዓቢ ምግምማዕ

ኣዳለውቲ ናይቲ ሰሉስ ንግሆ ሰዓት ናይ ንግሆ ኣብ ሓደ ናይ ናይሮቢ ስታዲዮም ዝግበር ጽምብል 60,000 (ሱሳ ሽሕ) ህዝቢ ክሳተፎ ትጽቢት ይገብሩ። ነቶም ኣብ ውሽጢ ኣትዮም ክዕዘቡ ዕድል ዘይረኽቡ ድማ ካብቲ ስታዲዮም ወጻኢ ዓበይቲ ተለቪዥናት ተተኺለናሎም ኣለዋ።

ተጠባባቒ ፕረሲደንት ዊሊያም ሩቶ'ውን ኣብቲ እዋን ቃለ-መሓላ ክፍጽም እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ናታንያሁ፣ ፕረሲደንት ዮወሪ ሙሰቬኒ ናይ ኡጋንዳን ፕረሲደንት ፖወል ካጋመ ናይ ርዋንዳን ገለ ካብቶም ኣብቲ ጽምብል ዝሳተፉ መራሕቲ ሃገራት እዮም።

ተቓዋሚ ሰልፊ (ናሳ) ግን ደገፍቱ ኣብቲ ጽምብል ከይሳተፉ ብምጽዋዕ፡ ኣብ ክንድኡ ነቶም ኣብ እዋን ምርጫ ዝተቐትሉ ሰባት ንምዝካር ኣብ ዝግበር ሰላማዊ ሰልፊ ክሳተፉ ምዒዱ። ፖሊስ ግን ኣብቲ መዓልቲ ጽምብል ዝኾነ ይኹን ሰላማዊ ሰልፊ ከይግበር ኣጠንቂቖም ኣለዉ።

ንምታይ'ዩ ዳግማይ ምርጫ ኣድልዩ?

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ውጽኢት ናይቲ ብ8 ነሓሰ ዝተገብረ ምርጫ "ምጥፍፋእን ዘይሕጋውነትን" ነይርዎ ብምባል ነቲ ቅድሚ ሕጂ ተገይሩ ዘይፈልጥ ምርጫ ናይ ምስራዝ ስጉምቲ ወሲዱ።

ላዕለዋይ ዳኛ ዴቪድ ማራጋ እቲ ምርጫ "ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ" ኣይተኻየደን ብምባል ነቲ ውጽኢት ናይቲ ምርጫ ሰሪዝዎ። እቲ ውጽኢት "ዘይግሉጽን ክጻረ ዘይክእልን" እዩ ድማ ኢሉ እቲ ቤት ፍርዲ።

ሚስተር ኦዲንጋ ድማ ኣብቲ ቀዳማይ ምርጫ ዝተፈጸሙ ጌጋታት ንምእራም ኣብቲ ኮሚሽን ጽገናታት ስለዘይተገብሩ ደገፍቱ ኣብቲ ዳግማይ ምርጫ ከየድምጹ ጸዊዑ። እንተኾነ እቲ ዳግማይ ምርጫ ኣብ ጥቅምቲ ተኻይዱ፡ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ድማ ነቲ ውጽኢት ኣጽዲቕዎ።

ጋዜጠኛታት ግን እቲ ብሰንኪ ምርጫ ዝመጽአ ምስሕሓብ ንኬንያ ገማሚዕዋ'ሎ ይብሉ።

ድሕርቲ ቀዳማይ ምርጫ ዘጋጠሙ ነገራት እንታይ'ዮም?

ድሕሪ'ቶም ዝተኻየዱ ክልተ ምርጫታት ወጥሪ ነጊሱ ይርከብ፡ ሚስተር ኬንያታ ድማ ዝተሰባበረት ሃገር ንምሕባር ዓቢ ፈተነ ከጋጥሞ'ዩ።

ሚስተር ኬንያታ ኣብቲ ቀዳማይ ናይ ነሓሰ ምርጫ ተዓዊቱ ተባሂሉ ካብ ዝተኣወጀሉ እዋን ልዕሊ 50 ሰባት ተቐቲሎም ይበሃል።

"ዲሞክራሲ ንምምላስ" ሚስተር ኦዲንጋ "ሃገራዊ ምንቅስቓስ ናይ ተቓውሞ" ጸዊዑ'ሎ።

ኣቕድም ኣቢሉ፡ ሚስተር ኦዲንጋ "ሎሚ ሳልሰይቲ ሪፓብሊክ ኬንያ ንእውጅ ኣለና" ኢሉ ነይሩ። ብምውሳኽ ድማ "እዚ ትዕዘብዎ ዘለኹም ሳልሳይ ሓርነት ይመጽእ ከምዘሎ ዘርኢ ምልክት'ዩ" ኢሉ።

(ኣብ ኬንያ ነቲ ካብ መግዛእቲ እንግሊዝ ሓራ ንምውጻእ ዝተገብረ ቃልሲ ቀዳማይ ሓርነት ኢሉም ክጽውዕዎ እንከለዎ፡ ነቲ ሓደ ሰልፋዊ ስርዓት ኣሊኻ ሕብረ-ሰልፋውን ዲሞክራስያዊን ስርዓት ንምስፋን ኣብ ቴስዓታት ዝተገብረ ቃልሲ ድማ ካልኣይ ሓርነት ኢሎም ይጽውዕዎ)