ናህሪ ኮሮናቫይረስ ዝሓየለለን ሃገራት እንመን እየን?

ኣብ መላእ ዓለም እናስፋሕፈሐ ዝቕጽል ዘሎ ኮሮናቫይረስ፡ ዛጊድ ኣብ 188 ሃራት ዝነብሩ ልዕሊ 23 ሚልዮን ሰባት ኣጥቂዑ፡ ኣስታት 800 ሽሕ ሰባት ድማ ቀቲሉ ኣሎ፡፡

ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝርግሕኡ ዝቕጽል ዘሎ እዚ ቫይረስ፡ ኣብተን ኣብ ፈለማ ናህሩ ምዕጋት ክኢለን ዝነበራ ሃገራት እንተይተረፈ ይውስኽ እዩ ዘሎ፡፡

መልከፍትን ሞትን ይውስኸሎም ዘለዉ ከባቢታት

ደቡብ ኣመሪካን ኤስያን፡ ኣብዚ እዋን ዝበዝሐ መልክፍ ኮሮናቫይረስ ዘመዝግባ ዘለዋ ኣህጉራት እየን፡፡

ካብ ሃገራት ድማ፡ ካብ ኣመሪካ ቀጺላ ኣብ ዓለም ዝለዓለ ሞት ዘመዝገበት ብራዚል ልዕሊ 114 ሽሕ ዜጋታታ ቀቢራ እያ፡፡

ዛጊድ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ዝሞትዋ ሜክሲኮ፡ ካብ ሃገራት ደቡብ ኣመሪካ ንብራዚል ስዒባ ብዙሓት ዜጋታታ ዝሞትዋ ክትኸውን ከላ፡ እቲ ቫይረስ ኣብ ሃገራት ኮሎምብያ፣ ፔሩ፣ ኣርጀንቲናና ቬነዝዌላን እውን ብናህሪ ይላባዕ ኣሎ፡፡

ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን መልከፍቲ ዘመዘገበት ኤስያዊት ሃገር ህንዲ፡ ኣብዚ እዋን መዓልታዊ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ይተሓዙ፡፡

ልዕሊ 57 ሽሕ ክሞትዋ ከለው፡ ካብ ዓለም ብበዝሒ ብኮሮናቫይረስ ኣብ ዝመቱወን ሃገራት ራብዓይቲ ተሰሪዓ ኣላ፡፡

ካብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣብ ኢራን እቲ ለበዳ ዝሓየለ እንትኾን፡ በዝሒ ዝሞቱ ካብቲ መንግስቲ ዝገለጾ - 20 ሽሕ፡ ልዕሊ ዕጽፊ ከምዝኾነ ሰሊኾም ዝወጹ ሰነዳት ይሕብሩ፡፡

ኣብታ ሃገር ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ብቕልጡፍ እናወሰኸ እዩ፡፡

ለበዳ እቲ ቫይረስ እናወሰኸላ ዝመጸላ ዘሎ ኢንዶኔዥያ ልዕሊ 6,700 ሰባት እንትሞትዋ፡ ኣብ ደቡባዊ ኤስያ ዝለዓለ ቁጽሪ ሒዛ ኣላ፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ ኣፍሪቃ በዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፋ ሰባት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝበጸሐ ኮይኑ፡ ብምኽንያት ትሑት ናይ ምምርማር ዓቕሚ ሓቀኛ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ምግማት ከቢድ እዩ፡፡

ደቡብ ኣፍሪቃን ግብጽን ዝለዓለ በዝሒ ዘመዝገባ ሃገራት ኮይነን፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብተን ልዕሊ 500 ሽሕ ዜጋታት ዝተለኸፉወን ሃገራ ዓለም ሓንቲ እያ፡፡

ሃገራት ፈረንሳ፣ ስጳኛ፣ ጥልያንን ጀርመንን ኣብ ቀረባ እዋናት ዝለዓለ በዝሒ መልከፍቲ ዘመዝገባ ሃገራት እንትኾና፡ ኣብ ኣውሮጳ ለበዳ እቲ ቫይረስ ዳግም ክለዓል ከምዝኽእል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ ኣሎ፡፡

ኣብ ዝሓለፋ 24 ሰዓታት ፈረንሳ 5 ሽሕ ሓድሽ መልከፍቲ መዝጊባ ኣላ፤ ኣብ ጥልያን ድማ ኣብ ዝሐለፉ ሓሙሽተ መዓልትታት፡ መዓልታዊ መልከፍቲ ብዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ፡፡

ሃገራት እስራኤል፣ ፔሩ፣ ኣውትራልያን ጃፓንን እውን እቲ ቫይረስ ዝደገሰን ሃገራ እየን፡፡

ሓዱሽ ደግሲ ኮሮናቫይረስ ዝተርኣየላ ደቡብ ኮሮያ ጽኑዕ ቀይድታት ገይራ ኣላ፡፡

ኣብ ኣመሪካ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ወርሒ ሓምለ ደጊሙ ወሲኹ ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን ግን እናቐነሰ መጺኡ እዩ፡፡

ልዕሊ 176 ሽሕ ዜጋታታ ዝቐበረት ኣመሪካ፡ ኣብ ዓለም ዝለዓለ ሞት እያ ኣመዝጊባ፡፡

ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ኣመሪካውያን 310 ሽሕ ክበጽሕ ከምዝኽእል ዝግምት: ዩኒቨርሲቲ ዋሽንግተን፡ 95 ምኢታዊት ኣመሪካውያን ብኣግባቡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን እንተገይሮም ግና ናብ 230 ሽሕ ክወርድ ከምዝኽእል ሓቢሩ፡፡