ፈረንሳይን ጣልያንን ዝለዓለ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ኣመዝጊበን

ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ዳግማይ ከይደግስ ስግኣታት ነይሮም እዮም።

እቲ ዝተሰግአ ኣይተረፈን፤ ፈረንሳይን ጣልያንን ኣብቶም ዝሓለፉ ቀዳመ ሰናብቲ ልዑል መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ምምዝጋበን ስዒቡ ንብዙሓት የሻቕል ኣሎ።

ፈረንሳይ ብሰንበት 4800 መልከፍቲ ኮቪድ-19 ዘመዝገበት እንትትኮን፡ እዚ መልከፍቲ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት ንደሓር ዝለዓለ ኣሃዝ ኮይኑ ኣሎ።

ሚኒስትር ጥዕና እታ ሃገር ኦሊቨር ቬራን፡ ለበዳ እቲ ቫይረስ ትሕቲ ኣርብዓ ኣብ ዝዕድሚኦም ሰባት ብኣርባዕተ ዕፅፊ ከምዝወሰኸ ገሊፁ።

ናይዚ ምኽንያት ድማ እቶም መናእሰይ ናብ ጓይላን እንዳመስተን እንትኸዱ ርሕቐቶም ብዘይምሕላዎም ምዃኑ፡ እቲ ሚኒስትር ሓቢሩ።

ኣብ ሓደ እዋን ሕምብርቲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝነበረት ጣልያን እውን፡ ካብ ወርሒ ጉንበት ንደሓር ዝለዓለ መልከፍቲ ኣመዝጊባ ኣላ።

ጣልያን፡ ትማሊ ሰንበት 1,210 ብቐዳም ድማ 1,071 መልከፍቲ ከምዘመዝገበት ኣፍሊጣ።

ከም ሓበሬታ ሰብመዚ እታ ሃገር፡ ምውሳኽ እዚ ለበዳ ምስ መገሻን በፃሕቲ ዓዲን ዝራኸብ እዩ።

ይኹን'ምበር እዚ ኣብ ጣልያን ተራእዩ ዘሎ ምውሳኽ መልከፍቲ ኮቪድ-19፡ ምስ ናይ ፈረንሳይን ስፔንን እንትነፃፀር ዝተሓተ እዩ።